ኤልኤምአ ካርድ/LMA-kort ንሓተትቲ ዕቝባ

LMA-kort för asylsökande – tigrinska

ኤል. ኤም. ኣ. ማለት፡ ”ሕጊ መቐበሊ ሓታቲ ዕቝባ” (”lagen om mottagande av asylsökande") ማለት’ዩ። ኤል. ኤም. ኣ. ካርድ ናይ ፕላስቲክ መንነት ወረቐት ኰይኑ፡ ንስኻ ሓታቲ ዕቝባ ምዃንካ ዘርኢ ፎቶ ዘለዎ’ዩ።

ኣብ ሽወደን ዕቝባ ክትሓትት ከሎኻ፡ ቅድም ስእሊ ክትሰኣል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ኤል. ኤም. ኣ. ካርድ/LMA-kort ዚብሃል መለለዪ ወረቐት ክትወስድ ኢኻ። እቲ ካርድ’ቲ፡ ወረቐት-መንነት ዘይኮነስ፡ ክሳዕ’ቲ ውሳነ ዚውሃበካ ጊዜ ከም ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ከም እትኽእል ዘገልግለካ እዩ። እቲ ካርድ ውልቃዊ ኰይኑ፥ ነቲ ናይ ዑቕባ ምልክታኻ ምስ ኣቕረብካ ዚወሃበካ ቅብሊት ዚትክኦ ወረቐት’ዩ። እዚ ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ እንታላይ ስራሕ ክትሰርሕ መሰል ከም ዘሎካ፥ ብዛዕባ እቲ ”ፍሉይ ፍቓድ-ስራሕ” (AT-UND) ዝበሃል ሓበሬታ ዝሓዘ’ዩ።

Bild av LMA-kortZoom image

ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ። ክተዕብዮ እንተ ደሊኻ ነዚ ስእሊ ጽቐጦ።

ነቲ ኤልኤምአ ካርድ ኵሉ ጊዜ ምሳኻ ሓዞ

ኣብ ትሕቲ’ቲ ናይ ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ ዘሎ ስእሊ፥ ቁጽሪ ናይቲ ጉዳይካ ድማ ተጻሒፉዎ ኣሎ። ኣብቲ ምስ ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ትራኸበሉ ጊዜ ድማ፥ እዛ ቑጽሪ እዚኣ ክትህልወካ ጽቡቕ’ዩ። በታ ቁጽሪ’ቲኣ ተሓጊዞም ድማ፡ ነቲ ናትካ ሰነዳት ብቐሊሉ ኪረኽብዎ ኪኽእሉ እዮም።

ምስ ኣብያተስልጣን ኣብ ትራኸበሉ ጊዜ፥ ወይ ውን ንሓደ ”ወሃብ-ስራሕ” ንስኻ ስራሕ ንኽትሰርሕ መሰል ከም ዘሎካ ንምርግጋጽ፥ ነቲ ናትካ ”ኤል.ኤም.ኣ.-ካርድ” (LMA-kort) ኣርእዮ። ስራሕ ረኺብካ ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት ምስ ትደሊ፥ ነቲ ባንክ እቲ፡ ነቲ ናትካ “ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ኣርእዮ።

ኣብ ገለ ኵነታት ውን ነቲ ናትካ ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ከም ናይ መንነት-ወረቐት ተጠቒምካ፥ ካብ ወጻኢ ሃገር ንዝተላእከላክ ”ናይ ባኮ መልእኽቲ” ወይ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንዝተላእከልካ ናይ ሓደራ ደብዳበ፥ ካብ ቤት ቡስጣ ክተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ እንተ ኣርኢኻ ውን፥ ንመብዛሕትኦም እቶም ብሓኪም ዝተኣዘዙ ካብ ፋርማቻ ትገዝኦም መድሃኒታት፥ ዝሓሰረ ዋጋ ክትከፍለሎም ኢኻ። ኣብ ክንክን ጥዕና ክትከይድ ከሎኻ ውን ኤል. ኤም. ኣ. ካርድ ብምርኣይ ገለ እዋን ትሑት ናይ ሓኪም መርኣዪ ዋጋ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ንሓታቲ ዕቝባ ዚውሃብ ክንክን ጥዕና ብተወሳኺ ኣንብብ

ናይ ኤል. ኤም. ኣ. ካርድ ኣገልግሎት ጊዜ

ስለዚ ክሳብ’ቲ ሓታቲ ዑቕባ ዝዀንካሉ እዋን፥ ነቲ ናትካ ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ምቕያሩ ኣይከድልየካ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝተመደቡ ጊዜታት ነቲ እቲ ካርድ ዘገልግለሉ ጊዜ ንምንዋሕ፥ ናብ ”ሚግራሾንስቨከት” ምምጻእ ከድልየካ እዩ።

እቲ ”ኤ/ኤም.ኣ. ካርድ” ብ”ዲጂታላዊ-ኣገባብ’ዩ” ዚሕደስ። እቲ ዘገልግለሉ ጊዜ ንምንዋሕ ድማ፥ ምኽንያት መጽኢኻ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ናብ ”ሚግራሾንስቨከት” ዝመጻእካሉ ጊዜታት ነን 3 ኣዋርሕ ኪናዋሕ እዩ። ነቲ ትረኽቦ ፈጻሚ-ጉዳይ ውን፥ እቲ ናይታ ካርድኻ ናይ ኣገልግሎት ጊዜ ተናዊሑ ምዃኑ ሕቲትካ ኣረጋግጽ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ንገለ ኣዋርሕ ከይበጻሕካና እንተ ጸኒሕካ ግን፥ ክልተ ሰሙን ቅድሚ’ቲ ናይታ ካርድ ናይ ኣገልግልት ጊዜ ምውዳቑ፥ መዘኻኸሪ መልእኽቲ ኪልኣኸልካ እዩ። እንተ ደኣ ደቅኻ ውን ክናዋሕ ዚግብኦ ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ዘሎዎም ኰይኖም፥ እቶም ቆልዑ ውን ምሳኻ ሓቢሮም ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” መጺኦም ክበጽሑና የድሊ እዩ።

እቲ ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ”QR-kod” ዘሎዎ እዩ

እቶም ሓደስቲ ብድሕሪ 1 ጥሪ 2022 ዚወሃቡ ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ”፥ ”ኵ.ኣር.” (QR-kod) ዘሎዎ ኰይኑ፥ ኵሎም እቶም ”ኵ.ኣር.-መንበቢ” (QR-läsare) ዘሎዎም ብቐሊሉ እቲ ካርድ ዘይወደቐ ምዃኑን ስራሕ ክትሰርሕ ውን መሰል ዘሎኮ ምዃኑን፥ ማለት እቲ ”ፍሉይ ፍቓድ-ስራሕ” (AT-UND) ዝበሃል ከም ዘሎካ ክቆጻጸሩዎ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ሓሊፉ ግን ብዛዕባኻ ተወሳኺ ግላዊ ሓበሬታ ዘሎዎ ኣይኰነን፥ እቲ ቁጽጽር ውን ኣይምዝገብን’ዩ።

እቲ ውሳኔ ናይ ”ፍሉይ ፍቓድ-ስራሕ” (AT-UND) ምስ ተዋህበካ፥ ብቐጥታ ናብቲ ናትካ ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ኪምዝገብ’ዩ። እቲ ናትካ ”ወሃብ-ስራሕ” ድማ ነቲ ”ኲ.ኣር.-ኮድ” ብምድህሳስ ኪቆጻጸር ይኽእል እዩ።

ኤል. ኤም. ኣ. ካርድኻ ምስ ዚጠፍእ

እታ ናትካ (ናትኪ) ኤል.ኤም.ኣ መንነት ወረቐትካ (LMA-kort) እንተ ተሰሪቓትካ ወይ ጠፊኣትካ፥ ናብቲ ናትካ መቐበል-ስደተኛታት ኣሃዱ ወይ ማእከል-ኣገልግሎት ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ሽዑ “ሚግራሾንስቨርከት” ነታ መንነት ወረቐትካ ሰሪዙ ሓንቲ ሓዳስ ኪእዝዘልካ እዩ።

ነታ ካርድኻ ምምላስ

ካብ ሚግራሾንስቨርከት ክትወጽእ ከሎኻ፡ ነታ ናትካ(ኪ) ”ኤል.ኤም.ኣ. ካርድ” ኣረኪብካያ ክትከይድ ኣሎካ። እዚ ድማ፡ መንበሪ-ፍቓድካ ረኺብካ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ሓገዝ ናይ ምርካብካ መሰል ጠጠው ብምባሉ፥ ወይ ውን ካብ ሃገር ሽወደን ክትወጽእ ምዃንካ ብዘየገድስ፥ ክተረክባ’ዩ ዘሎካ።

ነቲ ናይትካ መቐበሊ ክፍሊ ርኸቦ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ቅድሚ ክትበጽሓና ምምጻእካ ቆጸራ ሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: