ነዚ ኦርኒክ’ዚ በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ትመልኦ Adressanmälan eller adressändring (Mot93)

Så här fyller du i blan­ketten Adressanmälan eller adressändring (Mot93) – tigrinska

ኵሎም እቶም ከፋታት ቦታ ናይቲ ኦርኒክ ክምልኡን፡ ፊርማኻ ክተስፍረሉን ይግባእ። ዘይተመለአ ነገር ምስ ዚርከብ፥ ነቲ ናይ ”መዓልታዊ-ገንዘብ” ወይ ነቲ ናይ ”ፍሉይ ሓገዝን” ጉዳይካ ክጸልዎ እዩ። ሚግራሾንስቨርከት ውን፡ ናይ ”መዓልታዊ-ገንዘብ” ወይ ናይ ”ፍሉይ ሓገዝን” ምርካብ መሰል ንኸይህልወካ ክውስን ይኽእል’ዩ።

1. ግላዊ ሓበሬታታት

ስምካ፡ ቁጽሪ ቴሌፎን ከምኡ ውን ቁጽሪ መዝገብ (dossiernummer) ናይ ኵሎም እቶም ናብዚ ሓድሽ ኣድራሻ ዝግዕዙ ሰባት ምልኣዮ። ዋላ ናይቶም ቆልዑ ውን ጸሓፍ።

2. ሓበሬታ ሓድሽ ኣድራሻ 

c/​o:

ስም ናይቲ ኣብ ኣፍ-ደገ ገዛ ወይ መእተው-ቡስጣ ተጻሒፉ ናይ ዘሎ ሰብ ምላእ። ኣብቲ ኣፍ-ደገ ናይ ርእስኻ ስም ተጻሒፉ ምስ ዚህሉ፥ ናይ c/o ስም ምሃብ ኣየድልየካ’ዩ።

ኣድራሻ ጐደና፡-

ስም ናይቲ ትቕመጠሉ ገዛ ዝርከበሉ ጐደና ጸሓፍ።

ቁጽሪ ናይቲ ኣፓርታማ (Lägen­hets­nummer)፡-

ኣብ ኣፓርታማ ትቕመጥ ምስ ትኸውን፥ ናይቲ ኣፓርታማ ኣርባዕተ-ቁጽሪ (lägenhetsnummer) ጸሓፍ። ናይቲ ኣፓርታማ ቁጽሪ፡ ኣብቲ መእተዊ-ህንጻ ወይ ኣብቲ ማዕጾ ኣፓርታማ ወይ መእተው-ቡስጣ ወይ ኣብቲ ኮንትራት ክትረኽቦ ኢኻ።

ቁጽሪ-ቡስጣን ናይ ሰፈር ስምን፡-

ቁጽሪ-ቡስጣን ከምኡ ውን ናይቲ ሰፈር ስምን ጸሓፍ።

ኣብቲ ኣድራሻ’ቲ እትጸንሓሉ ጊዜ (ዓመት-ወርሒ-ዕለት)፡-

ካበየናይ ዕለት-ወርሒ-ዓመት ጀምርካ ኣብዚ ኣድራሻ’ዚ ከም ትጸንሕ ጸሓፍ።

3. ተወሳኺ መብርሂታት

ኣብዚ፡ ሚግራሾንስቨርከት ክፈልጦ የድልዮ’ዩ እትብሎ ሓበሬታ ምስ ዚህሉ ጸሓፍ።

4. ፊርማ

እዚ ኣድራሻ ምቕያር’ዚ፡ ናይ ብዙሓት ዕድሚኦም ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ዚምልከት ምስ ዚኸወን፥ እቲ ኦርኒክ፡ ብዅሎም እቶም ሰባት’ቲኦም ክፍረም ድማ ይግባእ።

ነቲ ኦርኒክ’ቲ ብምፍራምካ፥ ነዚ ዚስዕብ ነገራት መረጋገጺ ተቕርብ ኣሎኻ ማለት’ዩ፡-

  • እቲ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ቅኑዕን ዝተማልአን ምዃኑ።
  • ገለ ለውጢታት ምስ ዘጋጥም፥ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትሕብር ግዴታ ከም ዘሎካ ተረዲኡካ ከም ዘሎ።
  • ጌጋ ሓበሬታ ምሃብ፡ ሓበሬታ ምኽዋል ወይ ውን ካብዚ ሂብካዮ ዘሎኻ ናይ ኣድራሻኻ ሓበሬታ ምልውዋጥ ተጌሩ፥ ንሚግራሾንስቨርከት ከይሓበርካ ስቕ ምባል፥ ብሕጊ ዘቕጽዕ ምዃኑ ተረዲኡካ ከም ዘሎ።

እቲ ዝተመልአ ኦርኒክ፡ ናብቲ ”ምቕባል-ኣሃዱ” (mottagningsenhet) መጺእካ ኣረክቦ ወይ ልኣኮ።

ኣድራሻ ናይ ሚግራሾንስቨርከት ናይ ”ምቕባል-ኣሃዱ” (mottagningsenhet)፥ ኣብቲ ገጽ ናይ መራኸቢ ሓበሬታ (kontaktuppgifter) ኣብኡ ክትረኽቦ ኢኻ።

ናይ ቡስጣን ኣድራሻታት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: