ሕጂ ናይ ዑቕባኻ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ

ክሳብ ሕጂ ”ሚግራሾንስቨከት” ንናይ ዑቕባ ጉዳይ ዚምልከት ውሳነ፥ ኣብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten” ኣብ ዚግበር ኣኼባ እዩ ሓበሬታ (delgivit beslut) ዚህብ ኔሩ። ሕጂ ግን እቲ ኣገባብ’ቲ ኪቕየር እዩ። ካብ ዕለት 1 መጋቢት (mars) ጀሚሩ፥ ንስኻ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘሎኻ፥ እቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ ብደብዳበ ኪልኣኸልካ እዩ።

ካብ ዕለት 1 መጋቢት (mars) ጀሚሩ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንናይ ዑቕባ ምልክታኻ ውሳነ፥ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ’ቲ ውሳነ ኣብ ሓደ ፈጻሚ ጉዳይ ዘሎዎ ኣኼባ ጌርና ክንሕብረካ ንኽእል ኢና ወይ ውን ብቤት ቡስጣ ጌርና መልእኽቲ ክንሰደልካ ንኽእል ኢና። እቲ ዝሓለፈ ውሳነ ንዓኻ እንታይ ምዃኑ ምሕባር፥ ብቛንቋ ሽወደን “delgivning”፡ ማለት “መልእኽቲ ምብጻሕ” ይበሃል። እቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ኣቢልካ ምሕባር ድማ፥ “ዝተቓለለ ኣውሃህባ መልእኽቲ” “förenklad delgivning” ይበሃል።

”ሚግራሾንስቨርከት” በቲ ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ ጌሩ ሓበሬታ ኣብ ዚህበካ ጊዜ፥ ነቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ጌሩ ናብ ገዛኻ፥ ናብቲ ንስኻ ንዓና ዝሃብካና ኣድራሻ ኪልእከልካ እዩ። ኣብቲ ዚቕጽል ዘሎ ዕለት ድማ፡ ነቲ ውሳነ’ቲ ልኢኽናልካ ከም ዘሎና ዚሕብር፥ ሓደ ሓድሽ ናይ መቆጻጸሪ መልእኽቲ ክንሰደልካ ኢና። ኣብታ መቆጻጸሪት መልእኽቲ፡ እቲ ውሳነ መዓስ ከም ዝተላእከልካ ኣብኡ ተጻሒፉ ክትረኽቦ ኢኻ። ክልተ ሰሙን ብድሕሪ’ቲ ነቲ መልእኽቲ’ቲ ምስዳዱ ድማ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ብዛዕባ’ቲ ውሳነ’ቲ ተሓቢርካ ከም ዘሎኻ ጌሩ ኪወስዶ እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ድሮ ነቲ “ዝተቓለለ ኣወሃህባ ሓበሬታ”፥ ንኣብነት ብዛዕባ “ደገፍ ቁጠባዊ ውሳነ” ወይ “ውሳነ ምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ” ኣብ ምሕባር ይጥቀም ኣሎ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ

ዋላኳ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ መልእኽቲ በቲ “ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ” (förenklad delgivning) ኣቢሉ ኪልእከልካ እንተ መረጸ። ኵሉ ጊዜ ግን፡ ናብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten” ናብ ኣኼባ ንኽትመጽእ መጸዋዕታ ኪልኣኸልካ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ’ቲ ድማ፥ ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ ሓበሬታ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ ኪወሃብካ እዩ። እንተ ደኣ እቲ ናይቲ ውሳነ መልእኽቲ ምስ ተላእከልካ፥ ክልተ ቅነ ከይሓለፈ ናብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten” መጺእካ ዄንካ፥ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነታ ቅድሚ እታ መዓልቲ’ቲኣ ዘላ ዕለት፥ ከምቲ ሓበሬታ ዝበጽሓላ ዕለት ጌሩ ኪወስዶ እዩ።

እቲ ውሳነ ካብ መዓስ’ዩ ከገልግል ዚጅምር

እቲ መልእኽቲ ዝተቐበልካሉ ዕለት ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ነቲ ውሳነ እንተ ተቓዊምካዮ፡ ይግባይ ክትብል፡ ካብታ እቲ መልእኽቲ ዝተቐበልካሉ ዕለት ጀሚሩ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ክትገብሮ እዩ ዘሎካ። ካብቲ ነቲ መልእኽቲ ዝተቐበልካሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ሰለስተ ሰሙን ምስ ሓለፈ፥ እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከገልግል ጀሚሩ (får laga kraft) ኣሎ ማለት’ዩ፥ ብድሕሪኡ ድማ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

እዚ ማለት ድማ፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ “ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ” ኣብ ዚጥቀመሉ ጊዜ፥ እቲ ውሳነ ሓሙሽተ ሰሙን ካብቲ እቲ መልእኽቲ ናባኻ ዝተላእከሉ ዕለት’ዩ ከገልግል ዚጅምር።

እቲ ውሳነ ኣሉታዊ ወይ ናይ ምንጻግ ውሳነ እንተ ኾይኑ፥ ካብቲ እቲ ውሳነ ከገልግለሉ ዚጅምር ዕለት፥ ካብ ሃገር ሽወደን ብድሌትካ ንኽትወጽእ፥ ክልተ ወይ ኣርባዕተ ሰሙን’ዩ ዘሎካ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ጊዜ’ቲ ካብ ሃገር ሽወደን ምስ ዘይትውጽእ፥ መንበሪ ቤትን - ደገፍ ቁጠባዊ ሓገዝን ናይ ምርካብ መሰልካ ትሕደግ።

ብዙሓት ውሳነታት ኪትግበሩ ይኽእሉ እዮም

እቲ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ብኸመይ ሜላ ናይ ውሳነ ሓበሬታ ኣወሃህባ ንምቕያር ዘድለየሉ ምኽንያት፥ ገለ እዋን፡ ኣብ ግብሪ ኪውዕል ዘይክእል ውሳነ ስለ ዚህብ እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ዑቕባ ሓታቲ፡ ኣብቲ ብዛዕባ’ቲ ዝተዋህበ ውሳነ ሓበሬታ ንምሃብ ዚግበር መጸዋዕታ ስለ ዘይርከብ እዩ። በቲ “ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ” ብምጥቃም ግን፥ ዋላ’ኳ ናብቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝተገብረልካ መጸዋዕታ ኣይትረኸብ፥ እቲ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ኣብ ግብሪ ኪውዕል ኪጅምር ይኽእል’ዩ።

ናትካ ኣድራሻኻ ሓብረና

ናትካ ቅኑዕ ኣድራሻ ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ተመዝጊቡ ኪህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ከምኡ ውን ኣስማት ናይ ኵሎም እቶም በጽሒታት ኣባላት ስድራቤትካ፥ ኣብቲ ማዕጾ ወይ ኣብቲ ሳጹን-ቡስጣ ብንጹር ተጻሒፉ ኪህሉ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብቤት ቡስጣ ዚልኣኸልካ ቡስጣታት በብግዚኡ ብመደብ ከም ትከታተሎ ግበር። ናብ ካልእ ቦታ ኣድራሻ ምስ ትቕይር ድማ ሓበሬታ ሃብና።