ንመንበሪ ቤትካ ክንድዚ ዝኣክል ክራይ ክትከፍል ኣለካ

Så mycket ska du betala för boendet – tigrinska

ሓታት ዑቕባ ወይ ብመሰረት መምርሒ ጃምላዊ ስደት ግዝያዊ ዑቕባ ዝተዋህበካ ምስ እትኸውን፡ ከምኡ’ውን ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወይ ካብቲ እትነብረሉ ኮሙን መንበሪ ዝተዋህበካ ምስ እትኸውንን ኣታዊ ወይ ካልእ ሃብቲ ምስ ዝህልወካን፡ ነቲ መንበሪኻ ክራይ ክትከፍለሉ ኣለካ። ንመንበሪኻ እትኸፍሎ ብዝሒ ገንዘብ፡ ኣብ ብዝሒ ስድራ ቤትካን ኣብቲ መንበሪ መግቢ ይቕርብልኩም ድዮም ኣይቅርብልኩም ዝተሞርኮሰ እዩ።

ምርዑዋትን ብጽምዶ ነበርትን፥ ነቲ ስድራቤታዊ ኤኮኖሚ ናይ ሓባር ሓላፍነት’ዩ ዘሎዎም። ሓደ ካብኣቶም ጥራይ ናይ ስራሕ እቶት ምስ ዚህልዎ፥ ናይ ገዛእ ርእሱን ናይታ ብዓልቲ ሓዳሩን ወይ ናይታ መጻምድቱን - ከምኡ ውን ናይ ቆልዑን መንበሪ ቦታን ይኸፍል። ናይቲ ስድራቤት ቁጠባዊ እቶት ምስ ዚቕየር፥ ነቲ ኣሃዱ መቕባል ስደተኛታት (mottagningsenhet) ክትሕብሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

መንበሪ ብዘይ መግቢ ንዓበይቲ 2 100 ክሮና፡ ንቘልዑ ድማ 1 050 ክሮና ንወርሒ ይኽፈሎ። ኣብታ ስድራ ዋላ ካብ ክልተ ቈልዑ ንላዕሊ ይሃልዉ፡ ናይ ክልተ ቈልዑ ጥራይ እዩ ምኽፋል ዘድልየካ።

ኣብነት

ክልተ ሰብ ሓዳር ምስ ሰለስተ ደቆም ኣብ ሓደ መግቢ ዘይቅረበሉ መንበሪ ቦታ ሓቢሮም ይቕመጡ። ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለዲ ስራሕ ዚሰርሑ ምዃኖም ብዘየገድስ፥ እቲ ስድራቤት ንናይ ክልተ ዓበይትን ናይ ክልተ ቆልዑን ናይ መንበሪ ቦታ ገንዘብ ይኸፍል፡-

2 100 ክሮኑር + 2 100 ክሮኑር + 1 050 ክሮኑር + 1 050 ክሮኑር = 6 300 ክሮኑር

እቲ ስድራ ቤት ናይቲ ሳልሳይ ቆልዓ ምኽፋል ኣየድልዮን እዩ።

መንበሪ ምስ መግቡ

ኣብ ገሊኡ መንበሪ፡ ኣብ ናይ ሓባር መመገቢ መግቢ መግቢ ይቕረብ እዩ። ኣብ ሓደ መግቢ ምስቲ መንበሪ እቱው ዝኾነሉ መንበሪ ትቕመጥ ምስ እትኸውን፡ ዋላ ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዝተቐረበ መግቢ ንኸይትበልዖ እንተ መረጽኻ፡ ነቲ መግቢ ነፍሲ ወርሒ ክትከፍል ኣለካ።

ኣብቲ መንበሪ መግቢ ዝቕረብ ምስ ዝኸውን፡ ብዘይካ ናይ መንበሪ ወጻኢ እዚ ዝስዕብ ክትከፍል ኣለካ፦

  • 1 410 ክሮና ንወርሒ፡ ንሓደ ንበይኑ ዝነብር ዓቢ ሰብ
  • 1 260 ክሮኑር ኣብ ወርሒ ንሰብ ሓዳር ወይ ሓቢሮም ዚነብሩ መጻምድቲ
  • 1 260 ክሮኑር ንነፍሲ ወከፍ ናብ ቤትትምህርቲ ዚኸይድ፥ ዕድሚኡ ኣብ መንጎ 18-20 ዓመት፥ ምስ ወለዱ ሓቢሩ ዚቕመጥ ውላድ
  • 750 ክሮና ንወርሒ፡ ክሳብ 3 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ
  • 930 ክሮና ንወርሒ፡ ካብ 4 ክሳብ 10 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ
  • 1 140 ክሮና ንወርሒ፡ ካብ 11 ክሳብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ

ኩሎም ኣብታ ስድራ ዘለዉ ቈልዑ ናይ መግቢ ይኸፍሉ እዮም።

ፍሉይነት

እቶት እናሃለወካ ወይ ካልእ ንብረት ውን እናወነንካ፥ ንመግቢን ንመንበሪ ቦታን ዘይትኸፍለሉ ኩነታት ኣሎዉ እዮም። እዚ ድማ፡ እቲ ደሞዝካን እቲ ዘሎካ ንብረትን ኣዝዩ ትሑት ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ናይ መግቢን ናይ መንበሪ ቦታን ገንዘብ ምስ ከፈልኩም፥ እቲ ንስኻን ስድራቤትካን ዝተርፈኩም ገንዘብ፥ ካብቲ ብሃገራዊ መዐቀኒ (riksnormen)፡ ንናይ መተሓዳደሪ ሓገዝ ገንዘብ ተባሂሉ ዚወሃብ ገንዘብ ዝተሓተ ኮይኑ ምስ ዚርከብ እዩ። እቲ ብዝሒ ናይዚ መዐቀኒ ገንዘብ’ዚ፡ በብዓመቱ በቲ “ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያት” (Socialstyrelsen) ዚሕደስ እዩ። ነቲ ኣሃዱ መቕባል ስደተኛታት (mottagningsenhet)፥ ኩነታት ቁጠባኻ ንገሮም እሞ፥ ንመግቢን ንመንበሪ ቦታን ክትከፍል ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ሕሳብ ንምግባር ኪሕግዙኻ እዮም።

ኣብዚ ብዛዕባ ነቲ ብሃገር ደረጃ ዝውሰን ቍጠባዊ ሓገዝ መነባብሮ ከመይ ገርካ ሕሳብ ከም ትገብሮ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። (ብሽወደንኛ ጥራይ) External link, opens in new window.

Last updated: