ጾታዊ-ማዕርነት

Jämställdhet – tigrinska

ጾታዊ-ማዕርነት ማለት፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ዓይነት ክብሪን፡ ኣብ ህይወት ውን ተመሳሳሊ ዕድላትን ኪህልዎምን ይግባእ ዚብል’ዩ። ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ሰብኡትን ዓበይቲ ኣንስትን ውን፥ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓደ ዓይነት ግዴታን ኣሎዎም ማለት’ዩ። ንሳቶም፡ ንሕብረትሰብ ይኹን ንውልቃዊ ህይወቶም ዚጸልዉሉ ሓደ ዓይነት ስልጣን ይህልዎም።

ኣስታት 100 ዓመታት ይገብር ግን፥ ኣብ ሽወደን ከምኡ ኣይነበረን። ኣብቲ ጊዜ’ቲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህይወተን ናይ ምውሳን ብዙሕ ስልጣን ኣይነበረንን። እቶም ሰብኡት’ዮም ብብዝሒ ዝመሃሩን ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩን ኔሮም። ኣንስቲ ኣብ ገዛ ኮይነን፡ ቆልዑ ኣብ ምእላይ፥ ገዛ ኣብ ምጽራይን ክዳውንቲ ኣብ ምሕጻብን ተዋፊረን እየን ጊዚአን ዘሕልፍኦ ዝነበራ። ሕጂ ግን፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ብዙሕ ዝተቐየረሉ ዘበን ኢና ንነብር ዘሎና።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ሽወደን፥ ኣብ መብዛሕትኦም ስድራቤታት ክልቲኦም ወለዲ ወይ ይሰርሑ ወይ ውን ይመሃሩ እዮም። እቶም ደቆም ድማ፡ ኣብ ጊዜ መዓልቲ ኣብ “ቅድመ-ትምህቲን” ኣብ ቤትትምህርቲን ኣብ “ፍሪቲድስ” ዚኸዱ እዮም። ኣብ ውሽጢ ገዛ ውን፡ ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ምጽራይ ገዛ፥ ምሕጻብ ክዳውንቲን ምሽማት መግቢን ይተሓጋገዙ እዮም። ንደቆም ውን ሓቢሮም’ዮም ዚሕዝዎም።

እቲ ሕብረተ-ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ፍትሓዊ መታን ኪኸውን፥ ኣንስቲን ሰብኡትን ድማ፡ ንሕብረሰብ ይኹን ነንግላዊ-ህይወቶም ኣብ ምጽላው ማዕረ ስልጣን ንኽህልዎም ብማለት፥ ባይቶ ሃገረ-ሽወደን፡ ንዕላማ ጾታዊ ማዕርነት ዘተግብሩ ነንበይኖም ውሳነታት ኣሕሊፉ ይርከብ።

እቲ ናቱ ዕላማ ድማ፡-

  • ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንቑጠባዊ ሓርነት ተመሳሳሊ ዕድል ኪወሃቦም፥ ብኡ ድማ፡ ናይ ካልእ ሰብ ቁጠባዊ ጽግዕተኛ ምዃን ከምዘየድልዮም ምግባር
  • ኣወዳትን ኣዋልድን ተመሳሳሊ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኪኽፈተሎምን፥ ናይ ዝደለይዎ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽን ምሰል ኪህልዎም
  • ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ገዛእ ኣካላቶም ማዕረ ናይ ምውሳን መሰል ኪህልዎምን፥ ከምኡ ውን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ደው ክብል
  • እቲ ኣብ ገዛ ዚስራሕ ስርሓት ድማ፥ ኣብ መንጎ ኣንስቲን ሰብኡትን ብማዕርነት ምክፍፋል። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ዘሎዉ ኣዋልድን ኣወዳትን ውን፥ ኣብቶም ኣብ ገዛ ኪግበሩ ዘድልዩ ነገራት ብማዕርነት ከም ዝተሓጋገዙ ምግባር እዮም።
EU-logotyp

Last updated: