እዞም ቃላት እንታይ ትርጉም ኣሎዎም?

Vad betyder orden? – tigrinska

Illustration.

Alternativt skyddsbehövande – ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” ዝበሃል፥ ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ፥ ብደረጃ ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ’ዩ”፥ ተባሂሉ መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋህቦ ሰብ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እቲ ዝወሃበካ መንበሪ-ፍቓድ፡ ናይ 13 ኣዋርሕ እዩ። 

Asyl – ዑቕባ ማለት፡ መጸግዒ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ሓደ ሰብ ምስ ዑቕባ ምስ ዝሓትት፥ ኣብ ሓንቲ ዘይሃገሩ ሃገር ከይዱ፥ ሓለዋ ንኽረክብ ሓቲቱ ኣሎ ማለት’ዩ። 

Asylprocess – መስርሕ-ዑቕባ ማለት፡ ኵሎም’ቶም ናይ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ - ካብ ምልክታ ምቕራብ ጀሚርካ ክሳብ ውሳነ ምቕባል ዘሎዉ ምምሕዳራዊ ከይዲ እዮም። 

Asylsökande – ዑቕባ-ሓታቲ ማለት፡ እቲ ናብ ሃገር ሽወደን መጺኡ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከተን፥ ገና ናይቲ ምልክትኡ ውዱእ መልሲ ዘይረኸበን ሰብ እዩ። 

Asylutredning – መርመራ-ዑቕባ ማለት፡ እቲ ንስኻ ኣብ ቃለ-ምልልስ፥ ንምንታይ ናብ ሽወደን መጺእካ ዑቕባ ክትረክብ ትደሊ ከምዘሎኻ እትህቦ ቃል’ዩ። 

Avslag på asylansökan – ዝሓተትካዮ ዑቕባ ተነጺጉ ማለት፥ እቲ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተዎ ምልክታ፥ ኣይፋል ዚብል መልሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት’ዩ።

Barn – ቆልዑ ዝበሃሉ፡ ኵሎም ’ቶም ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ሰባት’ዮም።

Beslut i ett asylärende – ውሳነ ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ማለት፡ እቲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ዑቕባ ሓታቲ፡ ኣብ ሽወደን ንኽጸንሕ ወይ ንኸይጸንሕ ዚህቦ ውሳነ እዩ። 

Dagersättning – መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ ማለት፡ እቲ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ገንዘብ ምስ ዘይህልዎ፥ ምልክታ ኣቕሪቡ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪረኽቦ ዚኽእል ናይ ገንዘብ ሓገዝ’ዩ። 

Dom – ፍርዲ ንመብዛሕትኦም ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ጉዳያት፥ ናብ ቤትፍርዲ ይግባይ ኪበሃለሎም ይክኣል እዩ። ሓደ ቤትፍርዲ ውሳነ ምስ ሃበ፥ ንሱ ፍርዲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

Flykting – ስደተኛ ዝበሃል፥ እቲ ሓደ ሰብ ዑቕባ ሓቲቱ፥ ብደረጃ ስደተኛ ዑቕባ ንኺረክብ ውሳነ ዝተዋህቦ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቶም ኣብ ስምምዕ-ሕቡራት መንግስታት፥ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ውን፥ “ዋዕላ ጀነቭ” ውን ከም ዚበሃል፥ ነቶም ኣብኡ ሰፊሮም ዘሎዉ፡ ንመሰል ስደተኛታት ዝቐረቡ ጠለባት ዘማልአ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ 3 ዓመታት መንበሪ-ፍቓድ’ዩ ዚወሃበካ።

God man – “ብዓል-ሕድሪ” ማለት፡ ንሓደ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ፡ ኣብቲ ወለዱ ዘየለዉሉ ጊዜ፥ ነቲ ናቱ ረብሓታት ዚቋመተሉ ሰብ’ዩ። እቲ ብዓል-ሕድሪ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ውን ክትከውን ትኽእል እያ።

Identitet – መንነት ማለት፡ ናይ ሓደ ሰብ እንታውነት ማለት’ዩ። ”ሚግራኦንስቨርከት” ናትካ መንነት ኪሓትት ከሎ፥ ስምካ መን ምዃኑ፡ ዕድሜኻ ክንደይ ምዃኑ፡ መበቆልኻ ካበይ ምዃኑን ማለቱ እዩ። 

Laga kraft – ዝጸንዐ ውሳነ ማለት፡ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ካብኡ ንንዮ ይግባይ ክትብለሉ ኣይክኣልን ማለት’ዩ። 

Migrationsverket – ”ሚግራሽፕንስቨርከት” ዚበሃል፡- እቲ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ጉዳያት መርሚሩ ውሳነ ዚህብ ቤትስልጣን እዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ብተወሳኺ፡ ናይቶም ጊዚያዊ ምብጻሕ ንምግባር ወይ ናብ ሽወደን ንምግዓዝ ዚቐርቡ ምልክታታት፥ ወይ ውን ዜግነት ሽወደን ንምቕባል ዘመልክቱ ሰባት ሰባት ጉዳያት መርሚሩ ዚውስን ቤትስልጣን እዩ። 

Myndigheter – ኣብያተስልጣን፡ እቲ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ብመሰረት’ቶም ባይቶ ሽወደን ዝወሰዶም ውሳኔታትን ሕጊታትን ከም ዚመሓደር ዚገብር መንግስታዊ መዋቕር እዩ። 

Offentligt biträde – ሕጋዊ ጠበቓ ማለት፡ እቲ ሕጊታት ሽወደን ዚፈልጥ ሰብ ማለት’ዩ። እቲ ጠበቓ’ቲ፡ ንናይ ዑቕባኻ ምልክታ ንኽተእቱ ዚሕግዘካ እዩ። እቲ ዚውክለካ ሕጋዊ ጠበቓ፡ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሰራሕተኛ ኣይኮነን። 

Socialtjänsten – ቤትልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት፡- እዚ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኮሙን ዚርከብ ቤትስልጣን እዩ። እዚ ቤትስልጣን’ዚ፥ ብመሰረት እቲ ”ሕጊ ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänstlagen) ዚበሃል ሕጊ ተሞርኲሱ ዚሰርሕ ቤትስልጣን እዩ። እዚ ”ሕጊ ማሕበራዊ ጉዳያ’ዚ”፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ ኮሙን ናይ ዚነብሩ ሰባት ዚህልዎም መሰላትን ሓልዮትን ዚምልከት’ዩ። ኣብቲ ሕጊ’ቲ፡ ሓደ ብኻልእ መገዲ ሓገዝ ኪረክብ ዘይክእል ሰብ፥ ሕብረተሰብ ብኸመይ ሓገዝ ኪገብረሉ ከምዚኽእል፡ ኣብኡ መምርሒ ሰፊሩ ይርከብ።

Tystnadsplikt – ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ማለት፡- ንኣብነት ከም ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝኣመሰለ ቤትስልጣን ዚሰርሑ ሰባት፥ እቲ ንስኻ ዝበልካዮ ነገር፡ ኪፈልጦ መሰል ንዘይብሉ ካልእ ሰብ ንኸይንገሩ ፍቓድ ዚኸልእ ሕጊ እዩ።

Uppehållstillstånd – መንበሪ-ፍቓድ ማለት፡ እቲ ሰብ’ቲ ነቲ ዘቕረቦ ምልክታ፡ ኣብ ሽወደን ንኽቕመጥ እወ ዚብል ውሳነ ረኺቡ ኣሎ ማለት’ዩ።

Överklaga – ይግባይ ምባል ማለት፡- ሓደ ሰብ ነቲ ብቤትስልጣን ወይ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ውሳነ ከም ዘይተሰማምዓሉ፥ ብጽሑፍ ጌሩ ናብቲ ቤትስልጣን’ቲ ወይ ቤት ፍርዲ’ቲ ዘቕርቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን’ዩ። እቲ ሰብ’ቲ፡ ነቲ ብቤትስልጣን ወይ ብቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ዳግም ተራእዩ ንኪቕየረሉ ዘሎዎ ድሌት ንምግላጽ እዩ።

EU-logotyp

Last updated: