መርዓ-ቆልዓ ክልኩል’ዩ

Barnäktenskap är förbjudet – tigrinska

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ሓደ ሰብ፡ መዓስ’ዩ ዓቕሚ-ኣዳም ከም ዝበጽሐ ዚቝጸር፥ መዓስ’ከ’ዩ፡ ከም ቆልዓ ዚቝጸር? ኢልካ ትፈልየሉ ደረታት ነንበይኑ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ብዛዕባ ምምርዓው ዘፍቅድ ሕጊታት ውን፥ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ነንበይኑ እዩ።

Illustration.

ቆልዑ ኪምርዓዉ ኣይክእሉን እዮም

ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ሰብ ክሳብ 18 ዓመት ዚመልእ ንሱ ቆልዓ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቅድሚኡ መርዓ ኪገብር ኣይፍቀደሉን’ዩ።

ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ቆልዑ ነቲ ኣብ ቃል-ኪዳን ምእሳር ዘሎ ናይ ሓዳር ሓላፍነት ኪስከሙ ኣይግባእን፥ ካብ ዚብል ርድኢት ዝመጸ እዩ። ቅልጡፍ መርዓታት፡ ንቖልዑ ኣካልዊን ስነ-ልቦናዊን ጸገማት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ቆልዓ፡ ንናይ ገዝእ ርእሱ ሰብኣወነት ንኸማዕብልን፥ ነቲ ዝመረጾ ህይወት ንምንባር ዘሎዎ መሰልን ስለ ዚዕንቅፎ እዩ።

ሓደ ሰብ 18 ዓመት ምስ መልአ፥ ኪምርዖ ዝደሊ እንተ ኾይኑን - ምስ መን ኪምርዖ ከም ዚደልን፡ ባዕሉ’ዩ ዚውስን። ዝኾነ ሰብ፡ ንኻልእ ሰብ ኣገዲዱ ወይ ውን ኣታሊሉ ከመርዕዎ ኣይግባእን እዩ። ንሓንቲ ጓል፡ ኣገዲድካ ወይ ውን ኣታሊልካ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኣጊሽካ ንኽተምርዕዋ ምፍታን፥ ኣብ ሽወደን ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ። እዚ ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ሳዕቤን ዘሎዎ ወንጀል እዩ። ንሓንቲ ሰብ፡ ኣብ ከም ናይ ሓዳር ዚመስል ዝምድና ብኣስገዳድ ክተእትዋ ምፍታን ውን፡ ዘይሕጋዊ ተግባር’ዩ። ሓደ ዓቢ ሰብ፡ ምስ ትሕቲ 15 ዓመት ንዘላ ቆልዓ ጾታዊ ርክብ ምግባር፥ ከም ጾታዊ-ዓመጽ ዝፈጸመ’ዩ (ገበን) ዚቝጸር።

ሓንቲ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይና ተመርዕያ ዘላ ሰብ

ሓደ ካብቶም ምርዑዋት ሰባት፡ ኪምርዖ ከሎ ትሕቲ 18 ዓመት ዝነበረ ምስ ዚኸውን፥ እቲ ቃል-ኪዳን’ቲ ኣብ ሽወደን ሕጋዊ ተቐባልነት የብሉን።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ወለድኻ፡ ምስታ ዝተመርዓኻያ ሰብ ኴንካ ዑቕባ ትሓትት ምስ ትህሉ፥ ንስኻ ከም ብዘይ ወለዲ ዝመጸ ቆልዓ ኢኻ ትቝጸር። ሽዑ ድማ፡ ንዓኻ ሓደ ምስ ኣብያተስልጣን ንምርኻብ ዚሕግዘካ “ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከም ዚዳለወልካ ይግበር።

ኣብዚ፡ “ብዓል ሕድሪ” (god man) እንታይ ከም ዚገብር ብዝበለጸ ኣንብብ፡ ፊልም ውን ርአ (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.

ምስዞም ዚስዕቡ ምርኻብ ትኽእል ኢኻ(ኺ)

ሕቶታት ምስ ዚህልወካ(ኪ) ወይ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ(ኪ)፥ ምስ መምህርካ ፥ ምስ ኣማኻሪት-ተመሃሮ (ኩራቶር) ወይ ውን ምስ ቤትሕክምና ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” (Migrationsverket) ወይ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት” (Socialtjänsten) ውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ኣልዩካ፥ ምስኡ/ኣ ውን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

እንተ ደኣ ንስኺ ንባዕልኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ጓል፥ ብኣስገዳድ ክትምርዖ ምዃና ፈሊጥኪ፥ ብቑጽሪ ቴሌፎን 114 14 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

EU-logotyp

Last updated: