ግርዘት (ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ) ክልኩል’ዩ

Könsstympning är förbjudet – tigrinska

ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ (Könsstympning) ዝበሃል፥ ወይ ውን ገሊኦም ሰባት “ግርዘት” ኢሎም ከም ዚጽውዕዎ፥ ኣብ ብዙሓት ክፍሊ-ዓለማት ዚፍጸም ተግባር’ዩ። እቲ ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ፥ እቲ ነቲ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ክትቆርጾ ወይ ክትሰፍዮ ወይ ውን ብኻልእ መገዲ መጕዳእቲ ምስ ተስዕበሉ’ዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ስድራቤትካ ከምኡ ዓይነት ልምዲ ይሃሉ፥ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ከምኡ ኪፍጽም ኣይግባእን’ዩ።

ኣብ ሽወደን ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ምጕንዳብ (ምግራዝ) ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ኮይኑ፥ ከምኡ እንተ ፈጺምካ ድማ፡ ከም ከቢድ ገበን ዚርአ እዩ። እታ ኣብ ልዕሌኣ ግርዘት ዘጋጠማ ጓል ግን፥ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ እያ።

እንተደኣ ንስኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ጓል፥ ብኣስገዳድ ጾታዊ መሳርዓ ንኺጕንደብ (ንኽትግረዝ) ኣብ ዘሰክፍ ሃለዋት ከም ዘሎኺ ምስ ፈሊጥኪ፥ ብቑጽሪ ቴሌፎን 114 14 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ ትካል ተሓለቕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ”Kvinnofridslinjen” ውን፥ ብቑጽሪ ስልኪ 020‑50 50 50 ደዊልኪ፥ ምኽሪን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ብዛዕባ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ዚሕለቕ ”Kvinnofridslinjen” እዚ፥ ብሃገር ደረጃ ዚሰርሕ፡ ኣብ ሓደጋ ንዘሎዋን ንዝተጠቕዓን ደቂ-ኣንስትዮ ደገፍ መውሃቢ መስመር-ቴሌፎን ዘሎዎ እዩ።

EU-logotyp

Last updated: