ንዓኻ ዓቢ ሰብ - ንሓደ ዑቕባ ዝሓተተ ቆልዓ ኣገዳሲ ሰብ ዝኾንካ

Till dig som är viktig vuxen för ett barn som har sökt asyl – tigrinska

ካብ ቤትካ ሃዲምካ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ተሰዲድካ ዑቕባ ክትሓትት፥ ንዝኾነ ሰብ ኣዝዩ ዘሰምብድ ተሞኩሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ድማ ቆልዓ ዄንካ ብዘይ ወለድኻ ንስደት ከም ትቅላዕ ምዃን፥ ንህይወትካ ኣዝዩ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ-ሓደ ጊዜ፡ ኣልዕል ኣቢልና፡ እቶም ዑቕባ ሓተት’ቲ፡ ብፍላይ ድማ እቶም በይኖም ብዘይ ወለዲ ዝመጹ ቆልዑ፥ ሓያላት’ዮም ንብል ኢና። እንተደኣ ባዕላቶም ባሕሪታት ሰጊሮም፥ ናብዚ ስግር ዓለም ኪበጽሑ ክኢሎም፥ ዝኾነ ነገር ኪገብሩ ዚጽግሞም የልቦን ኪንብል ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም ሓያላትን - ተሪሮም ዝመጹ ቆልዑን፥ ቆልዑ ምዃን ውን ስለ ዘድልዮም፥ ቆልዑ ምዃኖም ውን ስለ ዘይተርፍ፥ ኣብ ከባቢኦም ርግኣት ዘሎዎም ረዘንቲ ሰባት ኪህልዉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ስደት ዘሎዉ ቆልዑ ውን፥ ካብኡ ዝተፈልዩ ፍጥረት ኣይኮኑን። ኣብቲ ወለዲ ኣብ ዘይህልዉሉ ኵነታት፥ ወይ ውን ኣብቲ ወለዶም ውን ኣዝዮም ተዳኺሞምን ተደናጊሮምን - ኣብ ድህለትን-ስንባደን ዘሎዉሉ ጊዜ - ኣብዚ ንህይወቶም ዘየተኣማምን ኵነታት፥ ነዞም ቆልዑ’ዚኦም ቅሳነትን ምርግጋእን ኪህቡ ዚኽእሉ ኣገደስቲ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ጥቕኦም ኪህልዉ፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኵሎም ቆልዑ ዝተፈላለዩ ሰባት እዮም፥ ነፍሲ-ወከፍ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ ድማ፥ ነናይ ርእሱ ናይ ህይወት ዛንታ ተሓንጊጡ ዝመጸ እዩ። ገለ ዑቕባ ሓተት’ቲ ቆልዑ፥ ኣብ ጕዕዞ ስደት ንነዊሕ እዋን ከርተት ዝበሉ ብምዃኖም፥ ምስ ስድርኦም ካብ ዘይራኸቡ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ካልኦት ግን፡ ካብ ወለዶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ቆልዑ ምስ ቤተሰቦም ርክብ ዘሎዎም እዮም። እቶም ካልኦት ግን፡ ንወለዶም ንምንዳይ ኣበይ ከም ዚጅምሩ ውን ዘይፈልጡ ቆልዑ እዮም። ኵሎም ቆልዑ፡ ህይወቶም ብብዙሓት ሕቶታትን ጭንቅን ዝተመልአ እዩ። ገለ ቆልዑ፡ ብዛዕባ ኵነታቶም ንኽርድኡ ሕቶታት ዚሓቱን ሓገዝ ዚልምኑን እዮም። ገለ ካልኦት ግን፥ ነቲ ዘሎዎም ምጭናቕ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ንምዝራብ ከይደፈሩ፥ ዓቢጦም ዚሕዝዎ ቆልዑ እዮም።

ከም ዓቢ ሰብ መጠን፡ ንስኻ/ንስኺ፡ ኣብዞም ቆልዑ’ዚኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዘሎካ/ኪ ሰብ ኢኻ።ንስኻ ኢኻ ነዞም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ፥ ኣብቲ ዘሎዉዎ ከቢድ ሃለዋት ክትመርሖምን ክትድግፎምን ትኽእል። ነዞም ገጻኣት’ዚኦም፥ ምስቶም ቆልዑ ሓቢርካ ክተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ንስኻትኩም ሓቢርኩም ድማ፥ ነቶም ነንበይኖም ሓደ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ ክሰግሮም ዘሎዎም ደንደላታት ክትሓልፍዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ንቖልዑ ኣገዳሲ ተባሂሉ ኪቝጸር ዚኽእል፡ እዚ ዚስዕብ ሰብ ኪኸውን ይኽእል’ዩ፡-

  • ወላዲ/ት
  • ወይ ውን ካልእ መጕዚት/ኣዕባዪ
  • ብዓል-ሕድሪ (god man)
  • ዘመድ
  • መምህር
  • ኣማኻሪት-ተመሃሮ (kurator)
  • ካብ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዝመጹ ሰባት
  • ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ወዘተ እዮም።
EU-logotyp

Last updated: