ናይ ክንክን ጥዕና ክፍሊታት

Avgifter för sjukvård – tigrinska

እዞም ክፍሊታት ናይ LMA ካርድ ንዘርእዩ ሓተትቲ ዕቑባ ዝምልከቱ እዮም


ክፍሊት ናብ ማእከል ክንክን-ሕማም ወይ ናብ ሆስፒታል ንዚግበር ምብጻሕ

ዓይነታት ምብጻሕ

ክፍሊት

ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ዶክተር ቆጸራ ምሓዝ

50 ክሮነር

ድሕሪ ሪፈራል ዝግበር ናይ ዶክተር ቆጸራ*

50 ክሮነር

ሪፈራል ድሕሪ ምብጻሕ ሕክምና* ናብ ዶክተር ዘይኮነስ ናብ ካልእ ማእከል ክንክን ጥዕና (ንኣብነት ነርስ፣ ፊዝዮቴራፒስት፣ ዋሃቢ ምኽሪ)

25 ክሮነር

ናይ ህጻናትን ቅድመ ወሊድን፣ ናይ ጥንሲ ሕክምናን ናይ ወሊድ ሕክምናን

ናጻ

መልከፍታዊ ሕማም እንተሃልዩካ መከላኸሊ ሕክምና

ናጻ

*ሪፈራል ማለት ዶክተር ገለ ፍሉይ ገምጋም፣ ምርመራ ወይ ሕክምና ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ናብ ካልእ ክሊኒክ ማእከል ክንክን ጥዕና ዝሰዶ መልእኽቲ እዩ። እቲ ሪፈራል ንምልክታትካ፣ እንታይ ከምዝስምዓካን ቅድሚ ሕጂ ዝነበረካ ሕማምን ቁስሊታትን ዝምልከት ሕክምናዊ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ሽዑ እቲ እቲ ሪፈራል ዝቕበል ክሊኒክ ክንክን ጥዕና ንምርመራ ክጽወዓካ እዩ።

ህጹጽ ሆስፒታላዊ ሕክምና

ንናይ ህጹጽ ሕክምና ሆስፒታላት ዘኽፍልዎ ክፍሊታት ኣብታ ካውንቲ ዝተፈላለየ እዩ። ሕጂ ዘሎ ክፍሊታት ኣብ ናይ ካውንቲ /ዞባ መርበብ ሓበሬታ ወይድማ ብ 1177 Vårdguiden ደዊልካ ክትፈልጥ ትኽእል።

ክፍሊት ንህጹጽ ሕክምና ቃንዛ-ስኒ

ዓይነታት ምብጻሕ

ክፍሊት

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ወይድማ እቲ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ዝጠቐሶ በዓል ሞያ ስኒ ህጹጽ ሕክምና ንምርካብ ምኻድ

50 ክሩነር

ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕክምና ፍቓድ ከይረኸብካ ናብ ውልቀ ሓኪም ስኒ ንህጹጽ ሕክምና ምኻድ

ናይ ሓኪም ስኒ ክፍሊት

ኣብ ሕክምና ብኸምዚ ዝስዕብ ትኸፍሉ

ወትሩ ነቶም እትረኽብዎም ወሃብቲ ኣገልግሎት ሐተትዎም፡ እዚ ማለት፡ ነቲ ክትከፍልዎ ዘለኩም ክፍሊት፡ ብኸመይ ክትከፍልዎ ከምዝግባእ ነቶም ኣብ ማእከል ጥዕና፡ ኣብ ሆስፒታል ወይ ኣብ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ እትረኽብዎም ኣባላት፡ ሕተትዎም። እቲ እትነብሩሉ ከተማ ነቶም ክትከፍሉሎም እትኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ይጸልውዎ። ገለ ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ብካርድን ብጥረ ገንዘብን ዘኽፍሉ ኣለዉ፡ ገለ ካልኦት ድማ፡ ቅብሊት ዝሰዱ ድማ ኣለው። እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ ምስዳድ ቅብሊት ጥራይ ዘፍቅድ እንተዀይኑ፡ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ዝዀነ ሰብ፡ ብቕብሊት ንምኽፋል ድሩት ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ተመሊስኩም ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ክትከፍሉ ዝከኣል እንተዀይኑ ሕተትዎም።

ኣፋውስ

ብትእዛዝ ሓኪም ንእትወስዶም መብዛሕትኦም ኣፋውስ 50 ክሩነር ኢኻ ትኸፍል። ሓለሓሊፉ ግን ዋጋኦም ካብ 50 ክሩነር ዝኸብሩ ኣፋውስ ክእዘዙልካ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኦም ዕድሜኦም ትሕቲ 18 ንዝኾኑ ቆልዑት ዝእዘዙ ኣፋውስ ብናጻ እዮም ዝወሃቡ።

ናይ ሕሙም መጓዓዝያ

ንናይ ሕሙም መጓዓዝያ ካብ 40 ክሩነር ዘይበዝሕ ክትከፍል ኢኻ።

ካብ ቦርድ ስደተኛታት ዝወሃብ መውዕሎ

ናይ ጥዕና ክንክን ክትወስድ እንከለኻ ከምኡድማ ብናይ ሓኪም ትእዛዝ ንዝዓደግካዮም ኣፋውስ ዘውጻእካዮ ገንዘብ መከሓሓሲ ገንዘብ ክወሃበካ ናብ ቦርድ ስደተኛታት መሕተቲ ክተእቱ ትኽእል ኢኻ።

ወጻኢታትካ ካብ 400 ክሩነር ንላዕሊ እንተኾይኖም

ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ንናይ ዶክተር ቆጸራ፣ ናይ ሕሙም መጓዓዝያ፣ ዝተኣዘዙልካ መድሓኒትን ካልእ ክንክን ጥዕናን (ከም ፊዝዮቴራፒ) ዘውጻእካዮ ገንዘብ ካብ 400 ክሩነር ዝበዝሕ እንተኾይኑ ፍሉይ መውዕሉ ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቶ ቦርድ ስደተኛታት ነቲ ልዕሊ 400 ክሩነር ዘውጻእካዮ ገንዘብ ክኽሕሰካ ይኽእል እዩ። ከንዝካ ንኽምለሰልካ ንኣገልግሎታት ዝኸፈልካሉ (ዘይምለስ ክፍሊት ዘይኮነስ) ቅብሊት ከተርኢ ኣለካ። ንናይ ኣፋውስ ቅብሊታት ብዝምልከት ድማ እቲ ስምካ ዘለሉ ክፋል ቅብሊት ክትህብ ኣለካ።

ካብ ሓደ ጥዕና-ማእከል ዘሎ ሓኪም መሰነይታ ወረቐት (remiss) ከይረኸብካ፥ ምስ ሓደ ፍሉይ ናይ ሕክምና ሞያዊ ሰብ ምስ ትራኸብ፥ ዝኸበረ ገንዘብ ኢኻ ትኸፍል። እቲ ዝኸፈልካዮ 400 ክሮኖር ውን፥ ኣብቲ ”ገደብ ላዕለዋይ ክፍሊት” (högkostnadsskyddet) ኣይጽብጸብልካን እዩ።

ህጹጽ ክንክን ጥዕናን ኣፋውስን

ንህጹጽ ክንክን ጥዕና ዝግበሩ ወጻኢታት ኣብቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ 400 ክሩነር ኣይሕወስን፣ ይኹን እምበር ነቲ ካብ 50 ክሩነር ንላዕሊ ዝኸፈልካዮ ገንዘብ ፍሉይ መውዕሎ ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ እቲ ሃገራዊ ማእከል ሕክምና ስኒ ዕጽው ኣብ ዝኾነሉ እዋን ወይድማ ኣገልግሎት ክህበካ ግዜ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ህጹጽ ሕክምና ስኒ እንተወሲድካ እውን ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ትኽተል።

እቲ ቅብሊት ብቕልጡፍ ናብ ቦርድ ስደተኛታት ብምውሳድ ናይ ፍሉይ መውዕሎ መሕተቲ ኣእቱ።

ብተወሳኺ ካብ 50 ክሩነር ንላዕሊ ንዝኸፈልካዮ መዕደጊ ዝተኣዘዙልካ ኣፋውስ እውን ፍሉይ መውዕሎ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ጉዳይካ እንተ ደኣ ተነጺጉ

ብምኽንያት ካብ ሃገር ንምጥራዝካ ውሳኔ ወይ ናይ ምጥራዝ ውሳኔ* ይግባይ ንኽትብልን ስለ ዘይትኽእል፥ እቲ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብካ መሰልካ እንተ ተቛሪጹ፥ ሽዑ ነቲ መንነት-ወረቐትካ/ ”LMA kort” ክትመልሶ ይግብኣካ። ምስ ሓኪም ንምርኻብን ወይ ንመድሃኒት መግዝኢ ዚኸውን ገንዘብ ውን ኣይክትረክብን ኢኻ።

Last updated: