መንበሪ-ቦታ

Boende – tigrinska

ናይቲ ዑቕባ ዝሓተትካሉ ጉዳይ ውሳኔ እናተጸበኻ ከሎኻ፤ እትነብረሉ ቦታ ዘይብልካ ምስ ትኸውን፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ። ምርጫኻ ምስ ዚኸውን፡ ባዕልኻ ውን መንበሪ-ቦታኻ ክተዳሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ ኣዕሩኽትኻ ወይ ኣዝማድካ ክትቅመጥ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ መንበሪ-ቦታኻ ባዕልኻ ክተዳሉ ዄንካ፥ መታን ምሳኻ ንምርኻብ ክንክእል፡ ናይቲ መንበሪ-ቦታኻ ኣድራሻ ”ንሚግራሾንስቨርከት” ክተፍልጠና ይግብኣካ።

ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ምቕማጥ

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ኣብቲ ውሳኔኻ ትጽበየሉ ጊዜ ክትቕመጠሉ ትኽእል ጊዚያዊ መንበሪ-ቦታ ከዳልወልካ እዩ። ገንዘብ ዘይብልካ ምስ ትኸውን፥ "ሚግራሾንስቨርከት" ነቲ ዕዳ ክራይ-ገዛ ኪኸፍለልካ እዩ።

ናይ መንበሪ-ቦታ መሰል ምቁራጽ

እንተ ደኣ ናይ መንጸግቲ ውሳኔ ተቐቢልካ ዄንካ ወይ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕ ውሳኔ ተቐቢልካ፥ እሞ እቲ ኣብ ግብሪ ናይ ምትርጓሙ ጊዜ ከገልግል ጀሚሩ፥ ወይ ውን እቲ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ምርጫ ዓዲ-ትሓድገሉ ዝተፈቕደልካ-ጊዜ ተጸንቂቑ፥ ካብቲ መንበሪ-ቦታኻ ክትግዕዝ ኣሎካ። እዚ፡ ንዓኻ ዓቢ ሰብ፡ ምሳኻ ሓቢሮም ዚነበሩን ብኣኻ ዚመሓደሩን፥ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘይብልካ ሰብ ዘገግልግ’ዩ።

ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ብዝተነጸግዎ ምኽንያት ካብ ሽወደን ክሳብ ዝወጹ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ካብ’ታ ናይ ኢሚግሬሽን ኣሃዱ ተቐባሊት ስደተኛታት(ሞታግኒን ኤንሄት) ክሳብ ዘይተሰረዙ፡ኣብ’ቲ ናይ ኢሚግሬሽን ግዝያዊ መንበሪ ቦታ እንዳነበሩ ቊጠባዊ ሓገዝ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።እቲ ዝተነጸግካዮ ውሳነ ኣብ ተግባር ክውዕል ምስ ጀመረ ድሕሪኡ ናይ ስራሕ ፍቓድ እንተ ኣመልኪትካ፡መዝገብካ ካብ’ታ ኣሃዱ ተቐባሊት ስደተኛታት ክስረዝ እዩ።መሰል ቊጠባዊ ሓገዝን መንበሪ ቦታን ድማ ኣይክፍቀደልካን እዩ።እዚ ነቶም ምሳኻ ሓቢሮም መንበሪ ፍቓድ ዘመልከቱ ኣባላት እታ ስድራቤት እውን ይምልከቶም እዩ።

ብዛዕባ ”ኣብ ናይ ሚግራሾንስቨርከት መንበሪ-ቦታ ምቕማጥ” ብዝበለጸ ኣብዚ ኣንብብ።

ባዕልኻ ኣብ ዘዳሎኻዮ መንበሪ-ቦታ ምቕማጥ

ኣብ ናይ ”ሚግራሾንቨርከት” መንበሪ-ቦታ ንምቕማጥ ዘይትደሊ እንተ ዄንካ፤ ባዕልኻ ትቕመጠሉ ቦታ ክተናዲ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት፡ ክሳብ’ቲ ናይ’ቲ ዑቕባ ሓቲቶምሉ ዘሎዉ ጉዳይ መልሲ ዚረኽቡ፥ ምስ ኣዕሩኽቶም ወይ ኣዝማዶም ኪቕመጡ ዝመርጹ ኣሎው። መንበሪ-ቦታኻ ባዕልኻ ክተዳሉ እንተ መሪጽካ፥ ነቲ ናይ መንበሪ-ቦታኻ ወጻኢታት ውን ባዕልኻ ኢኻ ትሽፍኖ።

እንተ ደኣ፡ ሓደ ኮሙን - ንሓደ ከባቢ ከም ”ማሕበረ-ቁጠባዊ” ብድሆ ዘሎዎ’ዩ ተባሂሉ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምልክታ ዝቐረበሉ ቦታ ክትግዕዝ ኴንካ፥ እቲ ዚወሃበካ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” (dagersättning) ከምኡ ውን ”ፍሉይ ናይ ገንዘብ ደገፍ” (särskilt bidrag) ንምርካብ ዝነበረካ መሰል ከቛርጽ’ዩ።

ብዛዕባ ”ኣብ ናትካ መንበሪ-ቦታ ምቕማጥ” ብዝበለጸ ኣብዚ ኣንብብ

ፊልም ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ንሓተትቲ ዑቕባ

Last updated: