ንስኻ ነቲ ናይ ዑቕባ ምልክታኻ፤ ኣየነይቲ ሃገር ከም እትምርምሮ፤ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። (ደንቢ ናይ ዳብሊን)

Du kan inte välja vilket land som prövar din asylansökan (Dublinförordningen) – tigrinska

ኣብ ሽወደን ዑቕባ መታን ክትሓትት፥ ብኣካል ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ዶብ ናይ ሽወደን ክትርከብ ይግባእ። እቲ ናትካ/ኪ ዝኣተወ ምልክታኻ/ኺ፥ እንተ ደኣ ብመሰረት ስርዓት ደንቢ ናይ ዳብሊን ዚርአ ዓይነት ኰይኑ ተረኺቡ፥ ሽዑ ”ሚግራሾንስቨርከት” እቲ ዝኣተወ ምልክታኻ/ኺ፥ ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ንኺርአ መርገጺ ኪወስድ’ዩ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ዑቕባ ምስ ሓተትካ፤ ሚግራሾንስቨርከት እቲ መጀመርታ ዚገብሮ፤ ናይ ዑቕባኻ ጉዳይ ሓላፍነት እትወስድ ሃገር፤ ሽወደን ወይ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ምዃና መጽናዕቲ ይገብር። ንኽትኣቱ ቪዛ ዝተቐበልካላ፤ ገለ ዓይነት መቐመጢ ፍቓድ ተዋሃብካላ ዝጸናሕካ፤ ወይውን ናብዚ ናብ ምምጻእካ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ዑቕባ እንተደኣ ሓቲትካ ኔርካ፤ ናብኣ ክትምለስ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ምስቶም ድሮ ኣብ ካልእ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሃገር ዘለዉ ኣባላት ስድራቤትካ ክትተኣኻኸብ ድሌት እንተ ኣሎካ እውን፥ እቲ ምልክታኻ ኣብኡ ኪምርመረልካ ይኽእል ኢኻ። እዚ ሕጊዚ ኣብ ደንቢ ናይ ዳብሊን ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

ምልክታኻ እንተ ደኣ ብመሰረት ደንቢ ናይ ዳብሊን (Dublinförordningen) ዚምርመረልካ ኮይኑ፥ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይትግበር፡-

1

መጠየቕታ

  • ነቶም ሕቶታት፡ ንኣብነት ስምካ፡ ዜግነትካን ብዛዕባ ስድራቤትካን ምልኣዮ። ኣብ ርእሲኡ ውን ፓስፖርትኻ ወይ ውን ንስኻ መን ምዃንካ ዘረጋግጹ ካልኦት ናይ መንነትካ ሰነዳት ክተቕርብ ኢኻ።
  • ሚግረሽን ኪስእለካን ኣሸራኻ ኪወስድን እዩ። እቲ ናይ ኣጻብዕ ኣሸራኻ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ኤውሮጳ ከም ዝገሽካ፡ ናይ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ቪዛ ከም ዘሎካ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ዕቝባ ከም ዝሓተትካ ምስ ዘርእይ፡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ብመሰረት መምርሒ ዱብሊን እዩ ዚረአ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ሚግረሽን ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ኣይምርምሮን እዩ ማለት እዩ፡ ግን ኣየነይቲ ሃገር ነቲ ጉዳይካ ክትርኢ ሓለፍነት ከም ዘለዋ ኪርኢ እዩ።  
  • እቲ ጉዳይካ ብናይ ዱብሊን መምርሒ ኪረአ ከም ዝኾነን ከምዚ ምግባር ድማ እንታይ ከም ዝኾነን ኪሕበረካ እዩ። ከምኡውን ንተግባራዊ ዝኾኑ ሕቶታት ብዚምልከት፡ ንኣብነት ክሳዕ ውሳነ ዝመጸካ ከም ብዛዕባ ናይ መቐመጢ ቤትን ሕክምናን ትምህርትን ዚምልከቱ መሰላት ሓበሬታ ኪውሃበካ እዩ።

2

ንመጠየቕታ ዚምልከት ዝርርብ

  • ብሓገዝ ተርጓማይ ንጥዕናኻን ስድራቤትካን መኣስ ናብ ሽወደን ከም ዝኣቶኻን ንዚምልከቱ ሕቶታት ክትምልሽ ኢኻ።
  • እቲ ጉዳይካ ኣብ ካልእ ሃገር ዚረአ እንተ ኾይኑ፡ ሓሳባትካ ክትገልጽ ዕድል ኣሎካ። እዚ ርከብዚ ንሚግረሽን እትረኽበሉ ከምኡውን ስለምንታይ እቲ ጉዳይካ ኣብ ሽወደን ኪረኣየልካ ከም እትደልን እትገልጸሉን እንኮ ግዜ እዩ
  • ኣብ ሃገር ሽወደን ቤተሰብ ምስ ዚህልወካ፡ ሚግረሽን ነቲ ጉዳይካ ኣብ ሃገር ሽወደን ንኺረኣየልካ ንምውሳን ምኽንያት ይረክብ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ቤተሰብ ምስ ዚህልዉኻ እቲ ጉዳይካ ኣብኡ እዩ ዚረአ።
  • ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር መንበሪ ፍቓድ ምስ ዚህልወካ እቲ ጉዳይካ ብናይ ዱብሊን መምርሒ እዩ ዚረአ።

3

ናብ ካልእ ሃገር ንምስዳድ ዚቐርብ መጠየቕታ

  • ድሕሪ ዝርርብ፡ ሚግረሽን ነቲ ጉዳይካ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይኮነስ ኣብ ሸወደን ኪረአ ምዃኑ ዘኽእል ምኽንያት እንተሎ ይርኢ። ምኽንያት ምስ ዘይህሉ ግን ሚግረሽን ነታ ጉዳይካ ንኽትርኢ ሓላፍነት ዘለዋ ሃገር ናይ መጠየቕታ መልእኽቲ ይሰደላ።

4

እቲ መጠየቕታ ተቐባልነት ይረክብ

  • እታ ካልእ ሃገር ነቲ ናይ ዕቝባ ጥያቄኻ ሓላፍነት እትቕበሎ ወይ ዘይትቕበሎ ምዃና እትውስነሉ ምዱብ ግዜ ኣለዋ። ንሳ ኣብቲ እተወሰነ ግዜ ምስ ዘይትምልሽ ግን ነቲ ናይ ሚግረሽን ናይ ምስዳድ ጥያቔ ተቐቢላቶ ማለት እዩ። 
  • ሓንቲ ካልእ ሃገር ነቲ ናይ ጉዳይካ ሓላፍነት ምስ እትቕበሎ፡ እቲ ናይ ጽግዕተኛ መሰላትካ ኣብታ ሃገር ኢኻ እትረኽቦ።

5

ንምስዳድ ዚምልከት ውሳነ

  • እታ ካልእ ሃገር ነቲ መጠየቕታ ምስ እትቕበሎ፡ ሚግረሽን ናብታ ነቲ ጉዳይካ ክትርእይ ሓላፍነት ወሲዳ ዘላ ሃገር ንኽትከይድ ትውስን።
  • ምስ ሚግረሽን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ክትዘራረብ ብማለት መጸዋዕታ ይለኣኸልካ።
  • ናብ ካልእ ሃገር ምስዳድ ማለት፡ ናብኡ ብቕልጡፍ ክትከይድ ኣሎካ ማለት እዩ። ነቲ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ምስዳድ ክሳዕ ናይ ቤትፍርዲ ውሳነ ዚውሃብ ደው ኪብል ብማለት እውን መጠየቕታ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ደንቢ ናይ ዳብሊን

ደንቢ ናይ ዳብሊን (Dublinförordningen)፥ ኣብተን 27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዘገልግል እዩ፡- ንሳተን ድማ ኣውስትርያ፡ ቤልጅየም፡ ቡልጋርያ፡ ክሮኤሽያ፡ ቆጵሮስ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ዴንማርክ፡ ኢስቶንያ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሃንጋሪ፡ ኣየርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ላቲቭያ፡ ሊትዋንያ፡ ሉክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ሆላንድ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ስሎቫክያ፡ ስሎቨንያ፡ ስጳኛ፡ ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ስዊዘርላንድን ሊክተንስታይንን።

ካብ ኮሚሽን ኤውሮጳ ዝወጹ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ክፋላት ደንቢ ናይ ዳብሊን (Dublinförordningen) ዝገልጹ፥ ኣርባዕተ ጥራዛት ኣለዉ እዮም። እቲ ኣብቶም ጥራዛት ዘሎ፥ ኣየኖት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኻተታ ምዃነን ዝገልጽ ሓበሬታ፥ ከም ብሓድሽ ኣይተኸለሰን።

Last updated: