ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

Familjeåterförening – tigrinska

ስድራ ቤትካ ናብዚ ክተምጽእ መሰል ኪህልወካ ይክእል’ዩ፥ እንተ ደኣ ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ-ፍቓድ ተቐቢልካ፥ ወይ ከም ስደተኛ ተቖጺርካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ወይ ብናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ምኽንያት፥ ወይ ውን ብኣዝዩ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታት ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ - ኣብ ርእሲኡ ውን ንንውሕ ዝበል ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ እዩ።

ምስኡ ግን፡ ንስድራ ቤትካ ባዕልኻ ክትናቢን፡ ዝበቅዕ ደረጃ ዘሎዎ መንበሪ ቤት ኪህልወካን፥ ዚብል ጠለብ ኣሎ። እዚ ጠለብ’ዚ ኣብ ኵሉ ኩነታት ዘገልግል ኣይኰነን።

መን’ዩ ንዳግመ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መሰል ዚህልዎ?

ስድራ ቤትካ ናብ ሽወደን ናባኻ ንምምጻእ፤ ንናይ መቐመጢ-ፍቓድ ምልክታ ከቕርቡ ዕድል ዚህልዎም፥ እንተ ደኣ ንስኻ፡-

  • ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ዝተቐበልካ ዄንካ
  • ከም ስደተኛ ተቖጺርካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ፥ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ - ኣብ ርእሲኡ ውን ንንውሕ ዝበል ጊዜ መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ እዩ።
  • ብናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ምኽንያት፥ ወይ ውን ብኣዝዩ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታት ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ - ኣብ ርእሲኡ ውን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ እዩ።

ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ - ንዓኻ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂብካ ዘሎኻ ሰብ

እቲ ናትካ ስድራቤት፡ ንዓኻ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ሽወደን ተዋሂቡካ ዘሎ ሰብ፥ ናብዚ መጺኦም ምሳኻ ንምቕማጥ ዘሎዎም ዕድል፥ ብብዙሓት ነገራት ዝተጸልወ እዩ። ብቕዳምነት ዘይወደቐ መንበሪ-ፍቓድ ኪህልወካ የድሊ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ መንበሪ-ፍቓድካ እንተ ደኣ ወዲቑ ከይኑ፥ እሞ ፍቓድካ ንምንዋሕ ምልክታ ኣቕሪብካ ዄንካ፥ ሚግራሾንስቨርከት ኣቐዲሙ ኪውስኖ ዚግባእ፡ ንስኻ መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ መሰል ዘሎካ ምዃንካ’ዩ። ናይ ስደተኛ ተቐባልነት ምህላውካን፡ ቅድም ውን መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡካ ምንባሩን ንሱ ኣኻሊ ኣይኰነን።

ሚግራሾንስቨርከት፡ ንስኻ/ኺ ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ከም ዘሎካ ምስ ኣረጋገጸ፥ ነቲ ብስድራቤትካ ዝቐረበ ናይ መንበሪ-ፍቓድ ምልክታ ውሳኔ ክንግበሉ ኢና። ሚግራሾንስቨርከት ኣብ መጀመርታ ዚርእዮ፥ ነቲ ንስኻ መንበሪ-ፍቓድካ ንኺናውሓልካ ዘሎ ተኽእሎ ክሳብ ክንደይ ዘተኣማምን ምዃኑ እዩ። ንንውሕ ዝበለ ጊዜ መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ፥ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ስድራ ቤትካ ናብዚ ንምምጻእ ዘእተውዎ ምልክታ ኪርእዮ ይጅምር፥ ከምኡ ውን ነቶም ስድራኻ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዘሎዉ ካልኦት ጠለባት ተማልእዎም ምዃንኩም ይምርምር።

እቶም ናይ ቀረባ ስድራኻ ጥራይ እዮም ናባኻ ኪመጹ ዚኽእሉ - ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ምስ ዚህልወካ

ከም ናይ ቀረባ ስድራቤት ዚቝጸሩ፥ ሰብኣይካ፡ ሰበይትኻ፡ ምዝጉብ-ብዓል ሓዳርካ ወይ ናይ ሓዳር መጻምድኻን - እቶም 18 ዓመት ዘይመልኡ ውላድካን እዮም። ንስኻ ንባዕልኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሜኻ ምስ ትኸውን፥ እቶም ወለድኻ ከም ናይ ቀረባ ስድራቤትካ’ዮም ዚቝጸሩ። ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤት፡ ንኣብነት ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ውላድካ መንበሪ-ፍቓድ ክርከብ ዚኽእል፥ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት ጥራይ እዩ። እዚ ዘገልግል ድማ፡ ንዓኻ ከም ስደተኛ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ ፍቓድ ዘሎካ፥ ወይ ብናይ ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ወይ ውን ብምኽንያት ናይ ምስጓጕ ትግባረ ምዕጋት ወይ ውን ብርኡይ ዝኾነ ናይ ህይወት ጸገማት፥ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ ፍቓድ ንዝረኸብካ እዩ።

እቲ ዋና መምርሒ፡ ንኽልተ ሓደስቲ ተጻመድቲ (ማለት፡ ኣቐዲሞም ምርዑዋት ወይ መጻምድቲ ዘይኰኑ ሰባት)፥ እንተ ደኣ እቲ ኣብ ሽወደን ዚነብር ሰብ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ኣልይዎ ኰይኑ፥ መንበሪ-ፍቓድ ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ፍሉይ ኵነታት ግን ዋላ ነቶም ኣቐዲሞም ብሓደ ዘይተቐመጡ ሰባት ውን ናይ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዕድል ዚረኽቡሉ መገዲ ኣሎ እዩ። እቲ ሽዑ ዚጥለብ ነገር ግን፥ ንስኻ ኣብ ሽወደን ትነብር ዘሎኻ ሰብ - ናይ ስደተኛ ደረጃ ዘሎካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘሎካ ወይ ውን ንስኻ ብምኽንያት ናይ ምስጓጕ ትግባረ ምዕጋት ወይ ውን ብርኡይ ዝኾነ ናይ ህይወት ጸገማት ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ዘሎካ፥ ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ገና ካብ ሃገርኩም ጀሚርኩም ድልዱል ዝምድና ኣማዕቢልኩም ከም ዝነበርኩም - ግን ድማ ኣብ ሃገርኩም ብሓደ ንምንባር ዘይክኣልኩም ምዃንኩም ክተርእዩ ክትክእሉ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ ዚኸውን፥ ንኣብነት ንኽልተ ሰብ ሓደ ጾታ ኣቐዲሞም ብሓደ ክነብሩ ዘይክኣሉ ሰባት፡ ኣብ ሽወደን ከም ብሓድሽ ዳግም-ንኽትኣኻኸቡ ዕድል ዚህብ እዩ።

ስድራቤትካ ንኽልተ ዓመት መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቦም ወይ ውን ክሳብ’ቲ ንስኻ ዘሎካ ዘገልግል ናይ መንበሪ-ፍቓድ ጊዜ ይወሃቦም። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣብነት እንተ ደኣ ንስኻ ድሕሪ 5 ኣዋርሕ ዚውዳእ መንበሪ-ፍቓድ ኣልዩካ ኰይኑ፥ እቶም ስድራኻ ውን ን5 ኣዋርሕ ዝምንውሑ ጊዜ ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቦም። እቶም ኣባላት ስድራቤትካ መንበሪ-ፍቓድ ረኺቦም ብውሑዱ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሽወደን ብድሕሪ ምቕማጦም፥ ቀዋሚ-መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፥ ክትምርዓዋ ዝሓሰብካያ ሓዳስ ናይ ሓዳር ብጻይትኻ (ሓዲሽ ክትምርዓውዮ ዝሓሰብኪ ናይ ሓዳር ብጻይኪ) ውን፥ ናባኻ ናብ ሽወደን ንምግዓዝ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ’ዮም።

ኣብዚ፡ ነቶም ክምርዓዉ ወይ ተጻሚዶም ንኽነብሩ ዝድለዩ ሰባት መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ተዘርዚሩ ዘሎ ጠለባት ኣብዚ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምኽኣል ጠለብ

ንስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መሰል ምስ ዚህልወካ፥ ኣብቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ውን ዝተኻተትካ ኢኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ንነፍስኻን ንስድራቤትካን ባዕልኻ ምንባይ ክትክእል ይግብኣካ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ስድራኻ ናብ ሽወደን ምስ ግዓዙ ሓቢርኩም ትቕመጡሉ፥ እኹል ስፍሓትን ቅቡል-ደረጃን ዘሎዎ ቤት ኪህልወካ ይግባእ።

እቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይ ጠለብ፥ ንዓኻ ስደተኛ ዝኾነካ ኣይምልከታካን እዩ - እንተደኣ እቶም ኣባላት ስድራቤትካ፡ ካብቲ ንስኻ መንበሪ ፍቓድ ወይ ናይ ስደተኛ ደረጃ ውሳነ ዝረኸብካሉ ዕለት፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምልክታ ኣቕሪቦም ኮይኖም እዩ።

ኣብዚ፡ እቲ ብዛዕባ ባዕልኻ ነፍስኻ ንምኽኣል ዘሎዉ ጠለባትን ንመንመን ከም ዘካትቱን ብዝበልጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

እቲ ምልክታኻ ኣብ ጊዚኡ ክተቕርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ’ዩ

ምልክታኻ ብቕልጡፍ ምእታዉ ርግጸኛ መታን ክትከውን፤ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እቲ ናይ ስድራቤትካ እተቕርቦ ምልክታ፤ ብኢንተርነት ብዚኣቱ ምልክታ (webbansökan) ክትጥቀም እዩ። ንስኻ ከም ወኪል ናይ ስድራቤትካ ዄንካ ኣብ ክንድኦም ምልክታ ክተቕርብ እንተ ዄንካ፤ ናይ ምክልና ሰነድ (fullmakt) ክህልወካ ይግባእ። “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዘእተኹሞ ምልክታ ምስ መዝገቦ፤ እቶም ስድራቤትካ ምስ ናይ ሽወደን ቤምባሲ ወይ ቆንስል፤ ርክብ ንምግባር ቆጸራ ክሕዙ ክንገሮም እዩ።

ውክልና ስልጣን ምርካብ እንታይ ማለት ’ዩ? (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ናብቲ ንስድራቤትካ ብኢንተርነት ምልክታ ዚቐርበሉ፤ ናብዚ ዚስዕብ ኪድ።

ብዛዕባ ብኸመይ ንስድራቤትካ ምልክታ ከም ተቐርብ፤ ብዝበለጸ ኣብዚ ዚስዕብ ኣንብብ።

ነቲ ተእትዎ ምልክታ ተኸታተሎ

እቲ ኣባል ስድራቤትካ ምልክትኡ ምስ ኣቕረበ፤ ናይቲ ዘእተዎ ፋይል መለለዪ-ቁጽሪ (ärendenummer) ይወሃቦ እዩ። በዚ መለለዪ-ቁጽሪ ፋይል ጌርካ ድማ፤ እቲ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝኣተወ ምልክታ፤ ከም ዝተመዝገበን ወይ ውን ውሳኔ ተዋሂቡዎ እንተ ኰይኑን፤ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ምልክታኻ ተኸታተሎ

ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ናይ መጐዓዓዚ ሓገዝ-ገንዘብ

ንስኻ ከም ስደተኛ ተቖጺርካ መንበሪ-ፍቓድ ዝተቐበልካ፥ ንናይ ቤተሰብካ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ሓገዝ-ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ መጐዓዓዚ ሓገዝ-ገንዘብ ዘገልግል፡ ናይቶም ናብ ሃገር ሽወደን ቅድሚ ምምጻእካ ሓቢርካዮም ዝተቐመጥካ ሰባት ኰይኖም፥ ንሳቶም ድማ፡-

  • ሰብኣይካ፡ ሰበይትኻ ወይ መጻምድትኻ
  • ደቅኻ (ዘይተመርዓዉ፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝዀነ)

ነዚ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምልክታ ንምቕራብ፥ ብመሰረት ”ዋዕላ-ጄኔቫ” 1951 ከም ስደተኛ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ ክትከውን ይግባእ። ከምኡ ውን መከፋፈሊ ”klassningskod” AF ወይ A3 ኪህልወካ የድሊ። እንተ ደኣ ”ሃገር-ኣልቦ” ፍልስጥኤማዊ ኴንካ፥ ”መጋየሺ-ሰነድ (resedokument) ዘሎካ ወይ ናይ ስደተኛ መግለጺ ዝተዋህበካ ምስ ትኸውን ውን፥ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ቅድሚ ሓገዝ-ገንዘብ ምሕታትካ፡ እቶም ቤተሰብካ ናይ ሽወደን መቐመጢ ፍቓድ ዝተዋህቦምን፥ ዘገልግል ፓስፖርት ዘሎዎምን ኪኾኑ ይግባእ።

ዜግነት ሽወደን ምስ ዚህልወካ ወይ እቶም ስድራቤትካ ባዕላቶም ናብ ሽወደን መምጽኢ ኪኸፍሉ ዚኽእሉ ኮይኖም፥ ሓገዝ-ገንዘብ ንምርካብ ክተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

እቲ ዚወሃብ ሓገዝ-ገንዘብ፡ ከም ግቡእ ንናይ ነፋሪት ቲከት ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ፥ ንቤተሰብካ ካብቲ ዘሎዉዎ ቦታ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዚሽፍን ወጻኢ እዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ነፋሪ ቲከት ከዳልወልካ እዩ።

ምልክታ ምቕራብ

ምልክታ ስድራቤት ስደተኛታት ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዚግበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ፥ ኦርኒክ ቁጽሪ (blankett) 4452 (ብቛንቛ ሽወደን) Pdf, 1.1 MB, opens in new window.

ምልክታኻ ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ትልእኮ፡-

Migrationsverket
Box 3100
903 03 Umeå

ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ

ንናይ ሚግራሾንስቨርከት ውሳኔ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

ድንጋጌ (1984:936) ንስድራቤት ስደተኛታት ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዚግበር ናይ ገንዘብ-ሓገዝ (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.

ልሙዳት ሕቶታትን መልሲታትን ብዛዕባ ንኣባላት ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዚግበር ናይ መገሻ ሓገዝ ገንዘብ

እቲ ምልክታኻ ተቐባልነት እንተ ደኣ ረኺቡ፥ እቲ ገንዘብ ብ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ በቲ ”International Organization for Migration (IOM)” ትካል ኣቢሉ ይኽፈል።

እቲ ናይ ነፋሪት ቲከት ካብቲ እቶም ቤተሰብካ ዘሎዉዎ ቦታ ናብ ሽወደን ንምምጻእ’ዩ ዘገልግል። (ንናይ ውሽጢ ሃገር ነፋሪት ውን የገልግል እዩ)። ንመገሻ ባቡርን - ኣውቶቡስን ኣየገልግልን እዩ።

ብቐዳምነት እቲ ፍቓድ ንዘሎዎም ቆልዑ ናይ ምንባዮምን - ንዅሉ’ቲ ካልእ ወጻኢታቶምን ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ዘሎዎ፥ እቲ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (Socialtjänsten) እዩ። እቲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቶም ብዘይ ወለዲ ዝመጹ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑ ዚገብሮ ሓገዝ፥ ነቲ ናይ መገሻ ቲከት ጥራይ እዩ። እዚ ውን፡ እንተ ደኣ እቲ ቆልዓ ዘቕረቦ ምልክታ ብ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (Socialtjänsten) ኣይፋል ዚብል ውሳነ ረኺቡን - ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ቆልዓ ውን ንምሕጋዙ ፍሉይ ግምት ዚወሃቦ ምኽንያት ምስ ዚህሉን እዩ።

Last updated: