ዑቝባ – ካብ ምልክታ ክሳብ ውሳኔ

Asyl – från ansökan till beslut – tigrinska

1

መጠየቕታ

  • ነቲ ሕቶታት ዘለዎ ፎርም ብስምካን ዜግነትካን ስድራቤትካን ምልኣዮ።
  • መን ምዃንካ ንምርግጋጽ ፓስፖርትኻ ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነዳት ኣምጽእ።
  • ሚግረሽን ኪስእለካን ኣሸራኻ ኪወስድን እዩ። እቲ ናይ ኣጻብዕ ኣሸራ ኣብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ዕቝባ ሓቲትካ ምንባካ ወይ መንበሪ ፍቓድ ወሲድካ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ከይትቕመጥ ተኸልኪልካ ምዃንካ ንምፍላጥ የገልግል
  • ብሓገዝ ተርጓማይ፡ መን ምዃንካን ስለምንታይ ንሃገርካ ገዲፍካ ከም ዝመጻእካን ከመይ ጌርካ ናብ ሽወደን ከም እተጎዓዝካን ክትሕብር ኢኻ
  • ገንዘብ ምስ ዘይህልወካ ቁጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናይ ባንክ ካርድ ክትወሃብን ንመዓልታዊ መልዕሎን ፍሉይ ገንዘባዊ ሓገዝን ድማ ሓበሬታ ኪውሃበካ እዩ።
  • ንኣካይዳ ሕቶ ዕቝባን ካብኡ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ብዚምልከት መብርሂ ኪውሃበካ እዩ። ከምኡውን ብዛዕባ ተግባራውያን ዝኾኑ ሕቶታት፡ ከም መሰል መንበሪ ቤት፡ ንደቅኻ ሕክምናን ትምህርትን፡ ሓበሬታ ኪውሃበካ እዩ።

2

ንምርመራ ምድላው

  • ሕቶኻ ምስ ኣቕረብካ እቲ ኣሳላጢ ንኹሉ ሰነዳትካ ኪርእዮ፡ ከምኡውን ኩሉ እቲ ዝበልካዮን ውጽኢት ኣሸራ ኣጻብዕካን ኪዕዘቦ እዩ።
  • ካብዚ ተላዒሉ ድማ እቲ ኣሳላጢ ነቲ መጠየቕታኻ ክሳዕ ክንደይ ኪምርመር ከም ዘለዎ ኪውስን እዩ። ኩሉ መጠየቕታ ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኮነ፡ ንኺምርመር እተፈላለየ ግዜ እዩ ዚወስድ።
  •  እቲ ኣሳላጢ ነቲ መጠየቕታኻ ናብቲ ዚስዕብ ምርመራ ይቐራርቦ። ንኣብነት፡ ካብ ካልእ ሰበስልጣናት ዚመጽእ ሓበሬታ ኪህሉ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ኣሳላጢ፡ ህዝባዊ ወኪል የድልየካ እዩ ኢሉ ምስ ዚግምት፡ ህዝባዊ ወኪል ይምድበልካ።
  • ነቲ መጠየቕታኻ ክትውስኸሉ ምስ ዘድሊ፡ እቲ ኣሳላጢ ኪረኽበካ እዩ። ንኣብነት ምስቲ መጠየቕታኻ፡ ሰነዳት መንነት ዘየቕረብካ ክትከውን ትኽእል።   

3

ንምርመራ ምጽባይ

  • ሚግረሽን ነዊሕ ሪጋ ወይ መስርዕ ኣለዎ፡ ስለዚ ናብቲ ምርመራ ንምምጻእ ነዊሕ ክትጽበ የድሊ ይኸውን። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

4

መጸዋዕታ ናብቲ ናይ ዕቝባ ምርመራ

  • ናብቲ መርመራ ንምምጻእ ተራኻ ምስ ዚኸውን ብፖስታ መጸዋዕታ ይለኣኸልካ። ኣብቲ ደብዳበ ምስቲ ኣሳላጢ/ሃንድለጋረ ኣበይን መኣስን ከም እትራኸቡ ተጻሒፉ ኣሎ። ካብ ገዛ ክትግዕዝ ከሎኻ ንሚግረሽን ከተፍልጥ ኣሎካ፡ ከመይሲ ክንጽውዓካ ከሎና ኣድራሻኻ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና።

5

ምርመራ ሕቶ ዕቝባ

  • እቲ መርማራይ ብዛዕባቲ ዚቕጽል ዝርርብ እንታይ ከም ዝኾነን ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታኻን ብምዝራብ ይጅምር። ሓንቲ ከይገደፍካ ሓቂ ክትዛረብ ግዴታ ኣሎካ። እቲ መርማርን እቲ ተርጓምን ምስጢር ንምስታር ገዴታ ኣለዎም።
  • ህዝባዊ ወኪል ምስ እትደሊ ኣብቲ ምርመራ ምሳኻ ኪህሉ ይግባእ
  • ብናይ ተርጓማይ ሓገዝ፡ መን ምዃንካን ካበይ ከም ዝመጻእካን ስለምንታይ ዕቝባ ትሓትት ከም ዘሎኻን ንዓድኻ ክትምለስ እንተ ኾንካ ድማ እንታይ ከም ዝጓነፈካን ትገልጽ። ብዛዕባ ስድራቤትካ ጥዕናኻን ሞያዊ ድሕረባይታኻን እውን ክትሕተት ኢኻ።
  • ምኽንያት ዕቝባ ምድላይካን ነቲ ሚግረሽን ክትርእየልካ እትደሊ መርትዖ ምቕራብን ናትካ ሓላፍነት እዩ።
  • እቲ መርማሪ ነቲ እተባህለ ነጥብታት ይእክቦ። ህዝባዊ ወኪል ምስ ዚህልወካ ንሱ ነቲ ቃለጉባኤ ከጽድቖ ኣለዎ፡ ብድሕርዚ ምስቲ ኩሉ ዘምጻእካዮ ሰነዳት ተኣኪቡ ብሓደ ይቕመጥ።
  •  ድሕሪ ውሳነ ብዛዕባ ናይቲ ጉዳይ ኣካይዳ ወይ ምስ ሚግረሽን ዘሎካ ርክባት ብዚምልከት ሕቶታት ከትቕርብ ዕድል ኣሎካ

ምርመራ ምስ ህጻን

ኩሎም ህጻናት ኪዛረቡን ኪስምዑን መሰል ኣለዎም። ምስ ወለዶም ኮይኖም ዕቝባ ዚሓቱ ቆልዑ ነቲ መርማሪ ኣብ ሚግረሽን ኪረኽቡዎ መሰል ኣለዎም። ናይ ቆልዓ ምኽንያት ዕቝባ ብፍላይ እዩ ዚረአ – ሓደ ቆልዓ ካብቲ ወለዱ ዚብሉዎ ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ኪህሉዎ ይኽእል። እቲ ናይቲ ቆልዓ ሕቶ ዕቝባ ኪምርመር ከሎ እቲ መርማሪ ብዚከኣል መጠን ነቲ ዕድመን ብስለትን ወይ ጥዕና ኣብ ግምት የእትዎ እዩ። ቆልዓ ኪምርመር ከሎ፡ ሓደ በጽሒ ምስኡ ኪህሉ ይግባእ። ወላዲ ወይ ኣላዪ ወይ ህዝባዊ ወኪል ኪኸውን ይኽእል። ኣቶም ንውልቆም ዚመጹ ቆልዑ ኣብ ግዜ ምርመራ እቲ ሕጋዊ ኣላዪኦም ኩሉ ግዜ ምስኦም ኪህሉ መሰል ኣለዎም።

6

ውሳነ

  • እቲ ውሳነ፡ ኣብቲ እተዛረብካዮን ኣብቶም ብዛዕባ መንነትካን ብዛዕባ ምኽንያት ዕቝባ መሕተቲኻን ዘቕረብካዮም ሰነዳት መርትዖን፡ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ሚግረሽን ብዛዕባ ናይ ሃገርካ ኩነታት ዘለዎም ፍልጠትን እተመስረተ እዩ። 
  • ድሕሪ ውሳነ ኣብቲ ሚግረሽን ትኸይድ ኣብኡ ድማ እቲ ኣሳላጢ ሕቶኻ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ወይ ንደረጃ ዕቝባኻ ወይ ብድሕሪኡ ዚህሉ ነገራት ይሕብረካ
  • እቲ ውሳነ ብቋንቋ ሽወደን እዩ ዚጽሓፍ ግን ኣብቲ ምስ ሚግረሽን እትገብሮ ኣኼባ ብመገዲ ተርጓማይ ብቛንቋኻን ብቓልን ኪሕበረካ እዩ። ሚግረሽን እንታይ ውሳነ ከም ዝወሰደን ከመይ ገይሩ ናብዚ ንሕቶኻ ልክዕ ዝኾነ ውሳነ ከም ዝበጽሐን ኪገልጸልካ እዩ።

Last updated: