መንበሪ ቤትካ ምስ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ይኹን

Bo hos Migrationsverket – tigrinska

እዚ ሓበሬታዚ ንኣኻ ነቲ ዑቕባ ሓታቲ ዝኾንካን ክሳዕ ናይ መጠየቕታኻ መልሲ እትረክብ ድማ ኣብቲ ብቤትጽሕፈት ስደተኛታት እተዳለወ መንበሪ ቤት እጥቕመጥ ዘሎኻ ዝዓለመ እዩ።

ውሳነ ኣብ እትጽበየሉ እዋን እቲ ትካል ስደተኛታት (Migration Agency) ግዝያዊ ገዛ ክህበካ እዩ። ክትስጎግ ወይድማ ክትጥረዝ እንድሕር ተወሲኑልካሞ እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ወይድማ ብፍቓድካ ካብዛ ሃገር እትወጸሉ ደረት ግዜ እንተሓሊፉ ኣብቲ ትካል ስደተኛታት ዝሃበካ ገዛ ናይ ምቕጻል መሰል የብልካን።እዚ ንስኻ ብሓላፍነት እትሕብሕቦ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሜኡ ቆልዓ ዘይብልካ ሰብ እንተኾንካ እዩ ኣብ ልዕሌኻ ተፈጻሚ ዝኸውን።

ገንዘብ ምስ ዘይህልወካ እቲ ንመንበሪ ቤት ዚወጽእ ገንዘብ እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት እዩ ዚኸፍሎ። ግን እቶት ወይ ካልእ ናይ ገንዘብ ምንጪ ምስ ዚህልወካ ናይቲ ቤት ክፍሊት ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ። እቲ መንበሪ ቤት ንምግቢ ዘኽፍል ምስ ዚኸውን ባዕላኻ ኢኻ እትኸፍሎ።

ቦታ ኣብ ዝተረኽበሉ ከባቢ ኢኻ እትቕመጥ

እትቕመጦ ቦታ ባዕልኻ ክትመርጾ ኣይከኣልን። ናጻ መንበሪ ቤት ኣብ ዚርከበሉ ቦታ ንምኻድ ድሉው ክትከውን ይግባእ። ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ስለ ዝመጹሞ ቦታ ክትገድፈሎም ስለ ዘሎካ፡ ሓድሓደ ግዜውን ናይ ውሳነ መልሲ እናተጸበኻ ከሎኻ ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዝ ክትግደድ ኢኻ፡

እቲ እትነብረሉ ቤት ምስ ካልኦት ክትካፈሎ ኢኻ

ናይ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መንበሪ ቤት ነቶም ዑቕባ ዚሓቱ ጥራይ እዩ። ሓደ ቤት ምስ ዚወሃበካ ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ እዩ። እቲ መንበሪ ቤት ግን ኣፓርትማ ስለ ዝኾነ ምስ ካልኦት ተኻፊልካ ኢኻ እትቕመጠሉ። ስድራቤት ንበይኖም ቤት ይውሃቦም። ነበይኑ ዚነብር ሰብ ድማ ምስ ከምኡ ሕደ ጾታ ዘለዎ ሰብ ይቕመጥ። 

ብሓድሓደ ምኽንያት ፍልይ ዝበለ ክፍሊ ኪወሃበካ ምስ እትደሊ ነቶም ኣብቲ ናይ መቐበሊ ቤትጽሕፈት ዘለዉ ሰባት ኣዘራርቦም።

ፍሉይ ኣድላይነታት ምስ ዚህልዉኻ

ኣብ ሓደ ፍሉይ ተገዳዕነት ዘሎዎ ኩነታት ትርከብ ምስ ትኸውን፤ ምስቲ ኣድላይነትካ ዝሰማማዕ መንበሪ-ቤት ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ እዩ። ስለዚ፡ ፍሉይ ኣድላይነት መንበሪ-ቤት ምስ ዚህልወካ፥ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ምስቲ ”መቐበሊ-ኣሃዱ” (mottagningsenhet) ርክብ ግበር። ዘቕስንን ጽቡቕን ፍታሕ መታን ክንረኽበልካ፥ ዝክኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና።

ኣብቲ መንበሪ-ቤት ንዘሎዉ ካልኦት ኣኽብሮም

ድሌት ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ኵሎም ኣብቲ መንበሪ-ቤት’ቲ ዘሎዉ ሰባት፡ ቅሳነት ንኽስምዖም እዩ። ስለዚ ድማ ኵሉ ዓይነታት ኣልኮልን ናርኮቲካን ኣብ መንበሪ-ኣባይቲ ሚግራሾንስቨርከት ዝተኸልከለ እዩ። ኵሎም ኣብቲ መንበሪ-ቦታ ዚቕመጡ፥ ሃይማኖት፡ ባህሊ ወይ ጾታዊ ዝምባሌ፡ ሰብኡት ይኹኑ ኣንስቲ ብዘየገድስ፥ ነንሕድሕዶም ምክብባርን ምትሕልላይን ከርእዩ፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ኵሉ ዓይነት ምውቓዕን ዓመጽን ዝተኸልከለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ብሕጊ ሽወደን ውን ዘቕጽዕ’ዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝምልከት’ዩ። ቆልዑ ንምእራም ኢልካ ወይ ንኻልኦት ኣባልት ስድራቤትካ ንምግሳጽ ኢልካ ምውቃዕ ክልኩል’ዩ። ንዅሉ ዓይነታት ዘጋጥም መውቃዕቲ፡ ናብ ፖሊስ ክነመልክት ኢና።

ኣብ ልዕሌኻ/ኺ ምፍርራሕ፡ መውቃዕቲ ወይ ዘዋርድ ኣተሓሕዛ እንተ ደኣ ተጌሩልካ/ኪ፥ ምስቶም ሰራሕተኛታት ”መንበሪ-ኣባይቲ” ወይ ”መቐበሊ-ኣህዱ” ተዘራረብ/ቢ። ምስ ”ማሕበራት ግብረ-ሰናይ” (frivilligorganisationer) ውን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብቲ ከባቢኻ ምስ ዚህልዉ። ገበን ምስ ዚፍጸም፡ ናብ 114 14 ደዊልካ ንፖሊስ ሓበሬታ ሃብ። ኣብ ጊዜ ከቢድ ኣስጋኢ ኩነታት ናብ 112 ደውል።

እተን ”ክቪኖ-ፍሪድስሊንየን” (Kvinnofridslinjen) ዝተባህላ ተጣበቕቲ ደቂ ኣንስትዮ፥ ንዓኺ፡ ኣብ ልዕሌኺ ምፍርራሕ፡ ኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ወይ ውን ጾታዊ ዓመት ዝተፈጸመኪ ሰበይቲ፥ ምኽሪን ደገፍን ክህባኺ እየን። ናብ ቁጽሪ 020‑50 50 50 ደውሊ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ተርጓማይ ከዳልዋልኪ ይኽእላ እየን። ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት kvinnofridslinjen.se ብዝያዳ ኣንብቢ። ኣብኡ ብብዙሕ ቋንቋታት ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።

ኣቝሑትን መሳርሒ ገዛን

እቲ መንበሪ-ቤት፡ በቶም ከድልዩኻ ዚኽእሉ ኣቝሑትን መሳርሒ ገዛን ዝተፈረሸ እዩ። እቲ መንበሪ-ቤት፡ እቲ ኣቝሑትን መሳርሒ ገዛን፡ ”ብሚግራሾንስቨርከት” ዚውነን እዩ። ንዝገበርካዮ ምብልሻው ናብ ፖሊስ ምልክታ ክቐርብ ይኽእል’ዩ። ገለ ካብቲ ንብረት ናይቲ ገዛ ምስ ዚስበር ወይ ምስራሕ ዝኣቢ፥ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ምስቶም ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ገለ እዋናት ኣብዚ እትነብረሉ ዘሎኻ ጊዜ፥ ሰራሕተኛታትና ምዕራይ ዘድልዮ ነገር ንኸይህሉ ንምዕዛብ፥ ናብቲ ገዛኻ መጺኦም ይበጽሑ እዮም።

ግላዊ ንብረታትካ

እቲ ኣብቲ ገዛ ዘሎ መኻዚኖ ወይ ካልእ ቦታታት፥ ኣብቲ ዝተፈቕደልካ መንበሪ ቤት ኣይሕሰብን’ዩ። ሓንቲ ባዕልኻ እትዓጽዋ ከብሒ ክትህልወካ’ያ፥ ሓላፍነት ናይቲ ንብረትካ ድማ ናይ ባዕልኻ’ዩ።ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ንስኻ ኣብኡ ተቐማጢ ክሳብ ዘሎኻ፥ ነታ ከብሒ ኣይከፍትዋን እዮም።

እቲ ናይ ሓባር ቦታታት

ኵሉ ሰብ ተሳንዩን ባህ ኢሉዎን ንኽነብር፥ ነቲ ናይ ሓባር ቦታታት ብኸመይ ከም ትጥቀሙሉ ዚሕብር መምርሒ ወጺኡ ኣሎ። ናብቲ ገዛ ክትግዕዝ ከሎኻ፡ ኣብቲ ገዛኻ ኣየኖት ሕጊታት ከም ዘገልግሉ ንኽትፈልጥ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ።

ኣብ ኵሉ መንበሪ-ኣባይቲ ክትስዕቦም ዘሎካ ዘገልግሉ ሕጊታት፡-

  • ብጽሬት ክትሕዞን ክትኵስትሮን
  • ሽጋራ ኣብ ውሽጢ ገዛ ከይትሰቲ
  • ኣቝሑትን መሳርሒ ገዛን ብጥንቃቐ ክትሕዝ
  • ናይ ዘቤት እንስሳ ከይተጥሪን ዚብል እዩ።

ሓለዋ ድሕነት

ክትጥንቀቐሉ ዘድሊ፡-

  • ነቲ ናይ ኤሌክትሪክ መስኵዒ ባዕልኻ ክትቅይሮ ክትፍትን ኣዝዩ ሓደገኛን ክልኩልን እዩ።
  • ገለ ዝተሰብረ ነገር ምስ ዚህሉ፡ ንሰራሕተኛታት ሓበሬታ ሃብ።
  • ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ መታን ብቕልጡፍ ካብቲ ህንጻ ንምውጻእ ዕንቅፋት ከይፍጠር፥ ነቲ መውጽኢ ማዕጾ ወይ ነቲ መህደሚ ማዕጾ ኣይትጋርዶ (ኣይትዕገቶ)።
  • ”ፓራቦል-ኣንቴና” ምስቃል ኵሉ ጊዜ ዚፍቀድ ኣይኰነን፥ ስለዚ ኣብታ ትነብረላ ህንጻ እንታይ ሕጊ ከም ዘገልግል ንምፍላጥ፥ ኵሉ እዋን ንሰራሕተኛታትና ክትውከሶም ይግባእ።

ብዛዕባ ከባቢኻ ሓልዮት ይሃሉኻ

”ሚግራሾንስቨርከት” ምስኻትኩም ሓቢሩ ናይ ከባቢ ሓልዮት ንኽህሉ ተርኡ ከበርክት’ዩ። ስለዚ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ኣስተውዕለሎም፡-

  • ማይ፡ ኤሌትሪክ ከምኡ ውን ሙቐት-መውሃቢን ብኸንቱ ንኸይባኽን ተጠንቀቐሉ
  • ኣብ ጊዜ ቁሪ መሳዅቲ ንነዊሕ ጊዜ ተኸፊቱ ስቕ ከይብል ኣስተብህለሉ፥ (ምኽንያቱ ብዙሕ ኤሌክትሪክን ሙቐትን ክባኽን ስለ ዝዀነ እዩ)።
  • ነቲ ጐሓፋትካ ነንበይኑ ፈላልዮ። ጐሓፋት ኣብቲ ነናቱ መአከቢ ጐሓፋት ተፈላልዩ ክቕመጥ ይግባእ። ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብቲ መንበሪ-ቦታ ወይ ወናኒ ናይቲ ህንጻ፥ ኣብታ ትነብረላ ህንጻ እንታይ ሕጊ ከም ዘገልግል ክሕብሩኻ እዮም።

ክትግዕዝ ከሎኻ ወይ መንበሪ ቤት ክትቅይር ከሎኻ

ሰራሕተኛታት “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ኵሉ እቲ ኣቝሑን መሳርሒ ገዛን ኣብ ቦትኡ ምህላዉ፥ ነቲ ዚቕጽል ሰብ ውን መጺኡ ንቕጥቀመሉ ዘይተበላሸወ ምኻኑን ንምቁጽጻር፥ ናብቲ ገዛ መጺኦም ይከታተሉ እዮም።

ክተስተውዕለሉ ዘድሊ፡-

  • ነቲ ትግዕዘሉ ዘሎኻ ገዛ ኣጽሪኻ ኣረክቦ።
  • ነቲ ናትካ ዝዀነ ኣቝሑት ሒዝካዮ ኪድ። ነቲ ብድሕሬኻ ገዲፍካዮ ዝኸድካ ኣቝሑት፥ ብድሕሪ ምግዓዝካ ወይ ካብቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ምቕባል ስርዓት ምስ ወጻእካ፥ ተመሊሰ ክረኽቡ’ዬ ዚብል ርጉጽነት ክህልወካ የብሉን። ዝተረስዑ ወይ ገዲፍካዮም ዝኸድካ ንብረት፥ ናብ ጐሓፍ ክድርበዩ፡ ክዕደሉ ወይ ውን ጠፊኡ ከም ዝተረኽበ ኣቕሓ ንፖሊስ ክወሃቡ እዮም።
  • መፋትሕ ገዛ ንሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ምለሰሎም።
  • መንበሪ ቦታ ኣብ ትቕይረሉ ጊዜ፡ እቲ መገሻ ብዙሕ እዋን ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ’ዩ ዚፍጸም። ስለዚ እቲ ክትማልኦ ትኽእል ባልጃታ ዝተወሰነ እዩ። ካብ ሓደ መንበሪ ናብ ካልእ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ ቦታ ንእትገብሮ ምግዓዝ፥ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ባልጃታት ከመይ ከም ዝኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፥ ምስ ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ተዘራረብ።

መሰል መንበሪ-ቤትካ ከቛርጽ ይኽእል’ዩ

”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብቲ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካሉ ዘሎኻ ጊዜ፥ መንበሪ ቤት ከዳልወልካ እዩ። ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብካ ጉዳይ ውሳኔ ምስ ረኸበ ግን፥ እቲ መንበሪ ቤት ናይ ምርካብካ መሰል ከቛርጸሉ ናብ ዚኽእል መገዲ ከምርሕ ይኽእል’ዩ።

ክትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ

ንስኻ፡ ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ክትቅመጥ ዝጸናሕካ፥ ኣብቲ ፍቓድካ ዝረኸብካሉ ጊዜ፥ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሓድሽ መንበሪ-ቦታ ንምርካብ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል’ዩ። ክሳብ’ቲ ሓድሽ መንበሪ-ቦታ ዚርከበልካ ድማ፥ ኣብቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝተረኽበልካ መንበሪ-ቦታ ኣይደልዮን’የ ምስ ትብል ግን፥ ኣብቲ ናይ ሚግራሾንስቨርከት መንበሪ-ቦታ ናይ ምጽናሕ መሰል የብልካን።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ምስ ረኸብካ ዘጋጥሙ ነገራት፥ ብዝበለጸ ኣንብብ።

Last updated: