ጥዕና

Hälsa – tigrinska

ንስኻ፡ ነቲ ዘድልየካ ናይ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ምርካብ መሰል ኣሎካ እዩ። ኣብ ሽወደን ንዅሎም ቆልዑ፥ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ብናጻ’ዩ ዚግበረሎም። እንተ ደኣ ሓሚካ ወይ ውን ሕማቕ ስለ ዝተሰምዓኻ፥ ምስ ሓኪም ወይ ምስ ሓኪም-ስኒ ንምርኻብ ምስ ትደሊ፥ እቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ወይ ሓደ ሰብ ካብቲ ትነብረሉ ቦታ፥ ቆጸራ ሕክምና ንምሓዝ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ናብ ሓኪም ወይ ናብ ሓኪም-ስኒ ኣብ ትኸደሉ ጊዜ፥ ነታ ”ኤል. ኤም. አ. ካርድ” (LMA-kort) ተማሊእካያ ምኻድ ኣይትዘንግዕ።

መርመራ ጥዕና

ኵሎም’ቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት፥ ናይ ጥዕና መርመራ ንኺግበሩ ይዕደሙ እዮም። እቲ ናይ ጥዕና መርመራ ምግባር ዘድልየሉ ምኽንያት ድማ፥ ክንክን-ሕማም ዘድልየካ እንተኾይኑ ንምፍላጥን፥ ኣብ ዝቐልጥፈ ጊዜ ድማ ሕክምናን ሓገዝን ንኽትረክብ ተባሂሉ እዩ።

ኣብቲ ናይ ጥዕና መርመራ ትገብረሉ ጊዜ፥ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ውን፡ ሓበሬታ ኪወሃበካ እዩ። ብዛዕባ ጥዕናኻ ንዚምልከት፡ ሓደ መልሲ እትህበሉ ዚምላእ ኦርኒክ ኪወሃበካ እዩ። ምስኡ ውን ናይ መርመራ ቁምሶታት ክትገድፍ ዕድል ኪወሃበካ እዩ።

ገለ ዘይተረድኣካ ነገር ምስ ዚህሉ፥ ሕቶታት ንምሕታት ነቲ ዕድል’ቲ ተጠቐመሉ። ኣብ ጥዕናኻ ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎ፡ ከይፈራሕካ ንገር። እቶም ሰራሕተኛታት ቤት ሕክምና፡ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎዎም። እቲ ትገብሮ ናይ ጥዕና መርመራ፡ ነቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘእተኻዮ ምልክታ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ።

መርመራ ዓይኒ

መነጸር ዓይኒ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ እቲ ናትካ ”ብዓል ሕድሪ” (gode man)፡ ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንምርካብ ክተመልክትን፥ ምስ እንዳ መነጸር-ዓይኒ ቆጸራ ንምሓዝን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ክንክን-ስኒ

ንስኻ መከላኸሊ ሕማም-ስኒ ከምኡ ውን ሕክምና-ስኒ ክትረክብ መሰል ኣሎካ’ዩ፤ እንተ ደኣ እቲ ሓኪም ዘድልየካ ምዃኑ ገምጋም ወሲዱ። ክንክን-ስኒ ንዅሎም ኣብ ሽወደን ዘሎዉ ቆልዑ ብናጻ እዩ ዚግበረሎም።

መውቃዕትን ጸታዊ-ዓመጽን

ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብቲ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዝነብረን ናይ ስደት ጕዕዞ፥ ወይ ኣብ ሃገረን ከሎዋ፡ መውቃዕቲን ወይ ውን ጾታዊ-ዓመጽን ኣጋጢሙወን ዝነበራ እየን። ኣብ ህይወትካ ብኸምኡ ዓይነት ተሞኩሮ ምሕላፍ፥ መጕዳእቲ ናይ ስጋዊን ስነ-ልቦናዊን ስምዒት ይሓድገልካ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓገዝ ግን ክትረክብ ድማ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንስኺ፡ ኣብቲ ናይ ጥዕና መርመራ ትገብርሉ ጊዜ፥ ብዛዕባ እዚ ነገር’ዚ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና፥ ወይ ውን “ናይ መንእሰያት መቕበል ሕክምና”፥ ምናልባት ውን ምስታ ኣብ ቤትትምህርትኺ ትርከብ ነርስ ወይ ምስታ ”ኣማኻሪት-ተመሃሮ” (kuratorn) ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንሳቶም፡ እቲ ልክዕ ንዓኺ ዚኸውን ሕክምና ብኸመይ ከም ትረክቢ ኪሕግዙኺ እዮም።

ኣብ ሃገር ሽወደን ዘግጣም ኵሉ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ፥ ዘይሕጋዊን ገበንን እዩ። ኵሉ ጊዜ፡ እቲ ኣብ ልዕሌኺ መጕዳእቲ ዘብጽሐ ሰብ፥ እቲ ሓላፍነት ዚስከሞ፡ እቲ ነቲ ፍጻሜ’ቲ ዝገበሮ እዩ። ንስኺ ስለ ዝተወቓዕኪ፡ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሌኺ ስለ ዝተፈጸመ፥ ንስኺ ክትውንጀሊ ብፍጹም ኣይግባእን እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ነንሕድሕድኩም እንታይ ዓይነት ዝምድና ከምዘሎ ብዘየገድስ ዘገልግል ሕጊ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ሰብ-ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ-ዓመጽ፥ ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ደቆም ብወለዲ ዚፍጽም መውቃዕቲ ውን፥ እዚ ሕጊ’ዚ ይምልከቶ እዩ። ሓደ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ፥ ምስ ሓንቲ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኣ ቆልዓ፥ ጾታዊ ርክብ ምስ ዚገብር፥ ከም ጾታዊ-ዓመጽ እዩ ዚቝጸር። ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ንሓንቲ ጓል ብምስግዳድ ወይ ብምትላል ከም ትምርዖ ምግባር፥ ዘይሕጋዊ ተግባር (ገበን) እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ሽወደን ንኺምርዓዉ ክልኩል እዩ።

ምስ ፖሊስ ብቑጽሪ ስልኪ 114 14 ክትራኸቢ(ብ) ትኽእሊ ኢኻ፥ እንተ ደኣ ኣብ ልዕሌኻ(ኻ) መውቃዕቲ ወይ ጾታዊ-ዓመጽ ተፈጺሙኪ፥ ወይ ውን ንስኺ ብኣስገዳድ ንኽትምርዓዊ ዘፍርሓኪ ሃለዋት ምስ ዚህሉ እዩ። እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ህጹጽ ነገር ምስ ዚኸውን፡ ብቑጽሪ ስልኪ 112 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ይግባእ።

ግርዘት (ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ)

ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ (Könsstympning) ዝበሃል፥ ወይ ውን ገሊኦም ሰባት “ግርዘት” ኢሎም ከም ዚጽውዕዎ፥ እቲ ነቲ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ክትቆርጾ ወይ ክትሰፍዮ ወይ ድማ ብኻልእ መንገዲ መጕዳእቲ ክተስዕበሉ ከሎኻ እዩ።

ኣብ ሽወደን ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ምጕንዳብ (ምግራዝ) ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ኮይኑ፥ ከምኡ እንተ ፈጺምካ ድማ፡ ከም ከቢድ ገበን ዚርአ እዩ። እታ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ምጕንዳብ (ግርዘት) ዘጋጠማ ሰበይቲ፥ ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊ ሽግራት ከጋጥማ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እንተ ደኣ ከምኡ ነገር ኣብ ልዕሌኺ ተፈጺሙ ኮይኑ፥ ብሰንኪ ናቱ ድማ ጸገም ዘጋጥመኪ ምስ ዚህሉ፥ ካብ ቤት ሕክምና ሓገዝ ኪግበረልኪ ይኽእል’ዩ። ምስታ ናትኪ ናይ ቤትትምህርቲ ነርስ ወይ ምስ “ናይ መንእሰያት ምቕባል ሕክምና” ወይ ውን ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተዘራረቢ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል-ኣንስተይቲ ብዝበለጸ ኣንብቢ

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ”ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሎም ዚፍጸሙ ዓመጻት ብዝበለጸ ኣንብብ

ብጾታዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማት

ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከመይ ጌርካ ከም እትከላኸልን፥ ንኻልኦት ውን ብኸመይ ካብ ምልካፍ ከም ተድሕንን ክትፈልጥ መሰል ኣሎካ። ኣብነታት ናይቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፥ ክላሚድያ፡ ሄፓታይተስ፡ ጎኖርያን ኤች. ኣይ. ቪን. እዮም። ከምዚ ዓይነት ሕማም ከም ዘሎካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፥ ኣብቲ መርመራ ጥዕና ትገብረሉ ጊዜ፡ ክትነግር ይግብኣካ(ኪ) እዩ። እዚ ድማ፡ ምእንቲ ሕክምና ክትረክብን፡ ንኻልኦት ሰባት ውን ንኸይትለክፍን ብማለት’ዩ። ተለኺፍካ ምህላውካን ዘይምህላውካን ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፥ ሰራሕተኛታት ቤትሕክምና ናሙና ክወስዱልካ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸል-ጥንሲን - ናይ ኣዴታት ክንክን-ሕማምን

ኣብ ሽወደን፡ ስደተኛታት ኣንስቲ፡ ናይ ኣዴታት ክንክን-ሕማምን ናይ ሕርሲ-ክንክን ምርካብ ብናጻ እዩ ዚግበረለን። ኣብ ርእሲኡ ውን ንስኺ ናይ ”መከላኸሊ ጥንሲ ምኽሪ” ብነጻ ክትረኽቢ መሰል ኣሎኪ እዩ። እዚ ድማ መታን ንስኺ ባዕልኺ ክትወልዲ ትደልዪ ምዃንኪ ንምውሳን ክትክእሊ ብማለት’ዩ። ወዲ ይኹን ጓል ብኸመይ ንገዛእ ርእሶምን ንኻልእን - ካብ ምጥናስን ምውላድን ኪከላኸሉ ከም ዚኽእሉ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም። ንስኺ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኣጋጣሚ እንተ ደኣ ጠኒስኪ፥ ግን ድማ ቆልዓ ንኽትወልዲ ድሌት ምስ ዘይህልወኪ፥ ነቲ ጥንሲ ክትሰድዮ መሰል ኣሎኪ።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ

ከም ስደተኛ ዄንካ፡ ናይቲ ኣእቲኻዮ ዘሎኻ ናይ ዑቕባ ምርካብ ምልክታ እናሓሰብካ፥ ንመጻኢ ጊዜ እንታይ ኮን ከጋጥም ይኽእል እናበልካ ምጭናቕ ልሙድ ነገር እዩ። ገለ ካልኦት ውን፡ ወይ ካብቲ ኣብ ልዕሊአን ዘጋጠመ ጽዩፍ ነገራት፥ ወይ ውን ብናይ ስድራቤት ናፍቖት፥ ሕማቕ ኪስምዐን(ዖም) ይኽእሉ እዮም። ኣብነታት ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ፥ ጭንቀት፡ ድቃስ ምስኣን፡ ጓሂን ቅዛነትን ኪስምዓካ ከሎ እዩ።

ኣብቲ ትነብርሉ(ረሉ) ዘሎኻ ከባቢ ካብ ዚርከብ ቤት-ሕክምና፥ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምስታ ናትኪ(ካ) ናይ ቤትትምህርቲ ነርስ፥ ወይ ውን ምስታ ”ኣማኻሪት-ተመሃሮ” (kuratorn) ክትዘራረቢ(ብ) ትኽእሊ ኢኺ።

ዓቕማዊ-ጕድለት (ስንክልና)

ዓቕማዊ-ጕድለት (ስንክልና) ዚበሃል፥ ብመጕዳእቲ ወይ ብሕማም ምኽንያት፥ ንኣብነት ምንቅስቓስ ዘይትኽእል፡ እዝንኻ ዚጻንዓካ ወይ ውን ንምዝራብ ወይ ንምርዳእ ጸገም ምስ ዚህልወካ እዩ። ዓቓምዊ-ጕድለት ምስ ዚህልወካ፡ መዓልታዊ ህይወትካ ንምምራሕን፥ ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ንምዝርራብ ኣብ ትደልየሉ እዋን፥ ናይ ግብራዊ መፍትሒ ደገፍ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። ዓቕማዊ-ስንክልና ስለ ዘሎካ፡ ነቲ ናይ ዑቕባኻ ምልክታ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ። ዓቕማዊ-ስንክልና ምስ ዚህልወካ፥ ኣብቲ መርመራ ጥዕና ትገብረሉ ጊዜ፥ ዓቕማዊ-ጕድለት ከም ዘሎካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕና

ኣብ www.1177.se/other-languages External link. ብዛዕባ ሕማማትን ብዛዕባ ኣሰራርሓ ክንክን-ሕማማት ኣብ ሽወደንን፥ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ናብቲ ናይ ቤትሕክምና መብርሂ ዚወሃበሉ (sjukvårdsupplysningen) ውን ብቑጽሪ ስልኪ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ሕቶታትካ ትምልስን፥ እቲ ልክዕ ሕክምና ንምርካብ ድማ ናበይ ኬድካ ክትሕከም ከም ትኽእልን፥ ሓበሬታ እትህበካ ነርስ ክትዘራረብ ኢኻ።

ኣብ www.youmo.se/ti-er External link, opens in new window. ንቖልዑ ዚኸውን ብዛዕባ ጥዕና፥ ዝምድናታት-ፍቕሪ፡ ጾታዊ-ርክባትን ካልኦት ነገራትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ www.rfsu.se/upos External link, opens in new window. ንዓኻ ዝበለጸ ክትፈልጥ ትደሊ፥ ብዛዕባ ኣካላት፡ ጾታዊነትን ጥዕናን ሓጸርቲ ፊልምታት ክትረክብ ኢኻ። እዞም ፊልምታት ብነንበይኖም ቋንቋታት ዝተዳለዉ እዮም። ኣብዚ ካብ ትርእዮም፡ ብዛዕባ መከላኸል ጥንሲ፡ ጥንሲን ቆልዓ ምውላድን ፊልምታት ክትረክብ ኢኻ።

እዚ ”Kvinnofridslinjen” ዝተባህለ ትካል፥ ንዓኺ ምፍርራሕን፡ ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊን ወይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕቲ ዝበጽሓኪ ሰበይቲ፥ ደገፍን ምኽሪን ዚህብ ትካል’ዩ። ናብ 020‑50 50 50 ደውሊ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ተርጓማይ ከዳልዉልኪ እዮም። ኣብ መርበብ ሓበሬታ kvinnofridslinjen.se External link, opens in new window. ብዝበለጸ ክተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። ሓበሬታ ብነንበይኖም ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ናብ ፖሊስ (polisen) ብቑጽሪ ስልኪ 114 14 ደዊልኪ፥ ኣብ ልዕሌኺ ንዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ንኣብነት ሓደ ሰብ እንተ ወቒዑኪ ወይ ጾታዊ-ዓመጽ ኣብ ልዕሌኺ እንተ ፈጺሙ፥ ክተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። እንተ ደኣ ብኣስገዳድ ንኸመርዕዉኺ ደልዮም ወይ ውን ከኽንሽቡኺ ደልዮም ውን ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ኵነታት ኣዝዩ ህጹጽ ምስ ዚኸውን፡ ናብ 112 ደውሊ። 

EU-logotyp

Last updated: