ናትካ መሰላት

Dina rättigheter – tigrinska

ኣብ ሽወደን ንስኻ፡ 18 ዓመት ክሳብ ትመልእ ከም ቆልዓ ኢኻ ትቝጸር። እቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ፥ ከም ኵሎም ናይ ሽወደን ቆልዑ ሓደ ዓይነት መሰል ኣሎዎም።

እዚ ማለት ድማ ንኣብነት፥ ንስኻ ብውሕስነት ክትነብር፥ ናብ ቤትትምህርቲን ናብ ናጻ ጊዜን ክትከይድ መሰል ኣሎካ። ዘድልየካ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ክትረክብ መሰል ኣሎካ። ብዛዕባ ኣካላትካ ናይ ምውሳን መሰል ኣሎካ፥ ዝኾነ ሰብ ድማ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽትገብር(ሪ) ወይ ንኽትምርዖ(ዓዊ) ከገድደካ(ኪ) ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ሰብ ኪወቕዓካ ወይ ከፈራርሓካ ኣይፍቀደሉን እዩ።

እቲ ስምምዕ ሕቡራት ሃገራት (FN:s konvention) መሰል ናይ ሕጻናት፥ ኣብ ሽወደን ከም ሕጊ ተጌሩ’ዩ ዚውሰድ። ኣብኡ ድማ፡ ኵሎም ቆልዑ እንታይ መሰላት ከም ዘሎዎም ተዘርዚሩ ይርከብ’ዩ። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕጊታት ናይቲ ውዕል ሕጻናት፥ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

  • ኵሎም ቆልዑ ናይ ምንባርን ናይ ምምዕባልን መሰል ኣሎዎም
  • እቲ ንቖልዓ ብዝበለጸ ዘርብሕ - ንሱ ኣገዳሲ ኪኸውን ኣሎዎ
  • ቆልዑ ናታቶም ሓሳባት ከቕርቡ መሰል ኣሎዎም
  • ኵሎም ቆልዑ ሓደ ዓይነት መሰላት ኣሎዎም

እቶም ናትካ ሓላፍነት ዘሎዎም ሰባት፡ ንዓኻ ውን ኪጸልወካ ዚኽእል ውሳነ ኣብ ዚወስዱሉ ጊዜ፥ ንስኻ እንታይ ከም ትደሊን - ብዛዕባ’ቲ ንዓኻ ጽቡቕ ዝኾነ ነገር ኪሓስቡን ይግብኦም እዩ። ንስኻ ሓሳባትካ ክትገልጽን፡ እቲ ትብሎ ድማ ኪስማዕን መሰል ኣሎካ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ጊዜ እቲ ንስኻ ትደልዮ ነገር ጥራይ ኪፍጸም እዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ፡ ከም ቆልዓ ዄንካ ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ዘሎዉኻ መሰላት ብዝበለጸ ኣንብብ

ፍሉይ ደገፍ ንምርካብ መሰል ኣሎካ

ብዘይ ወለዲ መጺኦም ዑቕባ ዝሓትቱ ቆልዑ፥ በይኖም መጻእቲ ቆልዑ ተባሂሎም ውን ይጽውዑ እዮም ”ensamkommande barn”፥ ንሳቶም ፍሉይ ሓገዝ ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም’ዩ። እቲ ኣብቲ ትቕመጠሉ ኮሙን (ቀበሌ) ዚርከብ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänsten) እዩ፥ ንስኻ ዚሰማምዓካ ቤት ክትረክብን ካልእ ዘድልዩኻ ነገራት ከም ዚህልወካን ዚገብር። ንስኻ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ወለድኻ ዘየሎዉሉ ጊዜ፡ ኣብ ክንድኦም ኮይኑ ዚዛረበልካ ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ዝኾነ ሰብ፥ ከም ዚዳለወልካ ይግበር። እንተ ደኣ ምስ ሓደ ወላዲኻ ዘይኮነ ሰብ፡ ምስኡ ሓቢርካ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ዓቢ ሰብ ምስ ዚህሉ ውን፥ እዚ ሓገዝ’ዚ ኪግበረልካ መሰል ኣሎካ እዩ።

18 ዓመት ምስ መላእካ

18 ዓመት ምስ መላእካ፡ ከም በጽሒ (ዓቢ ሰብ) ሰብ ስለ ትቝጸር፥ ከም ናይ ሓደ ቆልዓ ሓለዋን ደገፍን ናይ ምርካብ መሰል የብልካን።

ኣብዚ፡ ዕድሜኻ 18 ምስ መልአ ብዛዕባ ከጋጥሙ ዚኽእሉ ነገራት ብዝበለጸ ኣንብብ

EU-logotyp

Last updated: