እቶም ትራኸቦም ሰባትን - ኣብያተ-ስልጣንን

Personer och myndigheter du möter – tigrinska

ንስኻ፡ ምስ ብዙሓት ነንበይኖም፡ ብዛዕባ ንዓኻ ዘድልዩኻ ነገራት ወይ ዚምልከቱኻ ጉዳያት ሓላፍነት ዚወስዱ ሰበ-ስልጣንን ዓበይቲ ሰባትን ክትራኸብ ኢኻ። እቶም ሰበ-ስልጣን፡ ሕብረተሰብ ሽወደን ንሕጊ ተኸቲሉ ይሰርሕ ምህላዉ ዚቆጻጸሩ መንግስታዊ ምምሕዳር’ዮም። ገለ ካብቶም ብቐጻሊ ተደጋጋሚ ርክብ ዚህልወካ ኣብያተ-ስልጣን፥ ንኣብነት ”ሚግራሾንስቨርከት”ን (Migrationsverket) ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት”ን (socialtjänsten) እዮም።

ሚግራሾንስቨርከት

ካብቶም ”ሚግራሾንስቨርከት” ሓላፍነት ዚወስደሎም ጉዳያት፡ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

  • ነቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ ኣጽኒዑ፥ ዑቕባ ክትረክብን መንበሪ-ፍቓድ ኪወሃበካን መሰል ዘሎካ ምዃኑን ሓላፍነት ወሲዱ ዚውስን፥ እዚ ቤትስልጣን’ዚ እዩ።
  • ምልክታ ንኽተቕርብ ሓገዝ ንዚገብረልካ ጠበቓ ዘዳልወልካ
  • ገንዘብ ዘይብልካ ምስ ትኸውን ሓገዝ ገንዘብ ዚገብረልካ
  • ኣየናይ ኮሙን (ቀበሌ)፡ ነቲ ናትካ ናይ ገዛን ቤትትምህርቲን ከምኡ ውን ናይ ”ብዓል-ሕድሪ”ን ሓላፍነት ዚወስድ መን ምዃኑ ዚምድበልካ
  • ዚክኣል እንተ ኾይኑ ውን፡ ምስ ወለድኻ ንኽትራኸብ ዚሕግዘካ
  • ንኽትጸንሕ እንተ ዘይተፈቒዱካ ድማ፥ ካብ ሽወደን ንኽትውጽእ ሓገዝ ዚገብረልካ እዚ ቤትስልጣን’ዚ እዩ።

ንስኻ፡ ምስ ብዙሓት ነንበይኖም ናይ ”ሚግራሾንስቨከት” ሰራሕተኛታት ክትራኸብ ኢኻ። እንተ ደኣ ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ጓል ወይ ሰራሕተኛ ወዲ ንኽትራኸብ ዚቐለልካ ኮይኑ፥ ብዛዕባኡ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ምምሕዳር ኮሙን (ቀበሌ)

ገለ ካብቶም፡ እቲ ”ምምሕዳር ኮሙን” ሓላፍነት ዚወስደሎም ጉዳያት፥ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

  • ንዓኻ ዚሰማማዕን ኣድላይነትካ ዘማልእን መንበሪ ቦታ ከም ትረክብ ምግባር
  • ናብ ቤትትምህርቲ ከም ትኸይድ ምግባር፥ ከምኡ ውን
  • ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከም ዚዳልወልካ ዚገብርን፥ እቲ ምምሕዳር ናይ ኮሙን እዩ።

ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ምምሕዳር ናይ ሓደ ኮሙን፥ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänsten) ዝተባህለ ቤትስልጣን ኣሎዎ። እዚ ቤትስልጣን “ማሕበራዊ ጉዳያት” እዚ፥ ሕጊ ተኸቲሉ ንዅሎም’ቶም ኣብቲ ሕብረትሰብ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ዚገብር ቤትስልጣን እዩ። እቲ ንስኻ ኣበይ ክትቅመጥ ከም ዘሎካ ዚውስን፥ እዚ ቤትስልጣን’ዚ (socialtjänsten) እዩ። ኵሎም ብዘይወለዲ ዝመጹ ቆልዑ፥ ምስኣቶም ዚራኸብ ነናቶም፥ ሓንቲ ወይ ሓደ “ጸሓፊ ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialsekreterare) ዚበሃል ሰብ ይዳለወሎም እዩ።

ብዓል-ሕድሪ

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ፥ ብዘይወለዲ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ቆልዓ ምስ ትኸውን፥ ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከም ዚዳልወልካ ይግበር። ምስቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪ” ግን ብሓደ ኣይክትቅመጥን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብ”ዓል-ሕድሪ” ብብዙሕ መገዲ፡ ከምቲ ወለድኻ ኪገብሩልካ ዚኽእሉ ዝነበሩ ነገራት፥ ንዓኻ ንምሕጋዝካ ሓላፍነት ዚወስድ ሰብ እዩ።

ንኣብነት ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” ኪሕግዘካ ዚኽእሉ ነገራት፡-

  • ምስ ”ኣብያተ-ስልጣን” ክትራኸብ ከሎኻ ኣሰንዩካ ይኸይድ፥ ንኣብነት ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ወይ ናብ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት” እዩ።
  • ምስ ቤትትምህርቲ ንዚግበር ርክባት ሓላፍነት ይወስድ
  • ምስ ቆጸራ ሓኪም፡ ሓኪም -ስኒ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ፡ ቆጸራ ንምግባር ይሕግዘካ
  • ትሕቲ 16 ዓመት ምስ ትኸውን ድማ፥ ንናትካ ገንዘብ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ይወስድ

ኣብዚ፡ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) እንታይ ከም ዝገብር ብዝበለጸ ኣንብብ፡ ፊልም ውን ርአ (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.

ተርጓማይ

መታን ንስኻን እቶም ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት”ን ክትረዳድኡ ክትክእሉ፥ ነቲ ንስኻትኩም ትብልዎ ነገራት ሓደ ተርጓማይ ክትርጕመልኩም እዩ። እቲ ተርጓማይ፡ ቋንቋ ሽወደንን እቲ ንስኻ ትዛረቦ ቋንቋን ዚዛረብ እዩ። እቲ ተርጓማይ ኪትርጉመልካ ከሎ፥ ወይ ኣብቲ ዘሎኻዮ ክፍሊ ሓቢሩ ምስኻ ይህሉ፥ ወይ ብቴሌፎን ወይ ድማ ብቪድዮ መራኸቢ ኪትርጉመልካ ይኽእል እዩ። እቲ ተርጓማይ ኵሉ’ቲ ኣብቲ ክፍሊ ዝበሃል ነገራት ኪትርጕሞ እዩ፥ ካልእ ዚውስኾ ነገር የብሉን።

እቲ ተርጓማይን ንስኻን ብቛንቋ ትረዳድኡ ክትኮኑን፥ እቲ ተርጓማይ ምሳኹም ከሎ ድማ፥ ደፊርካ ኵሉ ክትብሎ ትደሊ ነገራት ምዝራብን፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ነቲ እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ዘይትርድኦ ምስ ትህሉ፥ ክትነግር ይግብኣካ እዩ። እቲ ተርጓማይን ንስኻን ኣዝማድ ምስ ትኾኑ፥ ወይ ውን ብኻልእ መገዲ ትፋለጡ ምስ ትኾኑ፥ ንሱ ውን ክትሕብር የድሊ’ዩ። ዚትርጕመልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኪኸውን ምስ ትደሊ ውን፥ ኣቐዲምካ ኪትሕብር ይግባእ።

ሕጋዊ ጠበቓ

ሓደ ሕጋዊ ጠበቓ ዝበሃል፥ ንሱ/ንሳ ሕጊ ሽወደን ዚፈልጥ፥ ንዓኻ ሕጋዊ ምኽሪ ዚህበካን፥ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ንኽተቕርብ ዚሕግዘካን ሰብ ማለት’ዩ። እቲ ንዓኻ ዚኸውን ሕጋዊ ጠበቓ ዚውስነልካ፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሱ/ንሳ ሰራሕተኛ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ግን ኣይኮነን። እንተ ደኣ ንስኻ ትፈልጦ ሓደ ፍሉይ ጠበቓ ኪህልወካ ደሊኻ፥ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ልክዕ እቲ ዝደሌኻዮ ጠበቓ ንኽትረክ ርግጸኛ ምዃን ግን ኣይክኣልን እዩ። ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ጠበቓ ኪህልወኒ እደሊ እየ ምስ ትብል(ሊ)፥ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ

ኵሎም’ቶም ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት”ን ኣብ ኮሙንን ኣብ ክንክን-ሕማምን ዚሰርሑ ሰባት፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ (tystnadsplikt) ኣሎዎም’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ንስኻ ንዓኣቶም ዝተዛረብካዮ ነገራት፥ ንሳቶም ንዝኾነ ንኺፈልጦ ሕጋዊ መሰል ዘይብሉ ካልእ ሰብ ኪነግሩ፥ ኣይፍቀደሎምን እዩ። እቶም ብዛዕባ ናትካ ጉዳይ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታትን ጥራይ እዮም፥ ነቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንኺፈልጡ መሰል ዘሎዎም። እቲ ተርጓማይን እቲ ናትካ ጠበቓን ውን ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎዎም እዩ።

ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ግን፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ የብሉን። ምኽንያቱ ድማ፡ ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ”፡ ልክዕ ከም ወለድኻ ኮይኑ ምስ ”ኣብያተስልጣን” ምዝርራብ ስለ ዚግብኦ እዩ።

ኵሎም ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ዘሎዎም ሰባት፥ ነቲ ዘሎዎም ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኪስዕርዎ ይፍቀደሎም’ዩ። እንድሕሪ ምስ ካልእ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ ኪዛረቡ ኮይኖም እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንስኻ ብገለ ምኽንያት እንተ ደኣ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ከም ዘሎኻ ጥርጣረ ሓዲርዎም እዩ።

EU-logotyp

Last updated: