ውሳነ

Beslut – tigrinska

“ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነቲ ኵሉ ዝበልካዮን ነቲ ዘቕረብካዮን ሰነዳትን ብድሕሪ ምጽናዕ - ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ንስኻ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ኪወሃበካ ዚኽእል እንተ ኾይኑ፥ ውሳነ ከሕልፍ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ኪረክብ ዚግብኦ መን’ዩ? ዚብል ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ከነጻጽሮ እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ብዛዕባ ዘእተኻዮ ናይ ዑቕባ ምልክታ ውሳነ ምስ ወሰደ፥ ንስኻን እቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪን” (gode man) ኣብ ዝተጸዋዕኩምሉ ኣኼባ ወይ ውን ብቤት ቡስጣ ጌሩ መልእኽቲ ብምስዳድ ኪሕብረካ እዩ። ዋላ’ኳ እቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ እንተ ተላእከልካ ውን፥ ንስኻን እቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪን (gode man)፥ ናብቲ ”ፈጻሚ-ጉዳያት” (handläggaren) ዚጽውዖ ኣኼባ ተረኺብኩም፥ መብርሂ ናይቲ ውሳነን ብድሕሪኡ ውን እንታይ ከም ዘጋጥምን ሓበሬታ ኪወሃበኩም እዩ። እቲ ውሳነ ብቛንቋ ሽወደን’ዩ ዚጸሓፍ፥ ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት ዘሎ “ፈጻሚ-ጉዳይ” ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ ጌሩ እንታይ ምዃኑ ኪገልጸልኩም እዩ።

እቲ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ መግለጺ ዚህበኩም ”ፈጻሚ-ጉዳይ”፥ ንሱ እቲ ቃለ-ምልልስ ዝገበረልኩምን፥ እቲ ነቲ ውሳነ’ቲ ዘሕለፈን ሰብ፥ ሓደ ከይከውን ይኽእል እዩ። ኵሉ ጊዜ ነቲ ውሳነ ዘሕልፍዎ፡ ክልተ ሰባት ብሕብረት ኮይኖም እዮም። ከምኡ ንገብረሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ዚውሰድ ውሳነ ቅኑዕ መታን ኪኸውን ንምርግጋጽ ተባሂሉ እዩ። እቶም ኣብ “ሚግራሾንስቨርከት” ዘሎዉ “ፈጸምቲ-ጉዳያት”፥ ከከምቲ ንሳቶም ዚደልይዎ ኪውስኑ ዘይኮነስ፥ ነቲ ሕጊ ተኸቲሎም ውሳነ ኪህቡ ይግባእ።

እወ ወይ ኣይፋል

ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ፥ እወ ዚብል መልሲ እንተ ረኺብካ፥ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ፡ ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ መሰል ኪህልወካ እዩ።

ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ኣይፋል ዚብል መልሲ እተ ረኺቡ፥ እቲ ምልክታኻ ተነጺጉ ኣሎ ማለት እዩ።

EU-logotyp

Last updated: