ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስ መልአ

När du blir 18 år – tigrinska

ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ 18 ዓመት ምስ መላእካ ከም በጽሒ (ወይ ከም ዓቕሚ-ኣዳም) ዝበጽሐ ሰብ ኢኻ ትቝጸር። እዚ ማለት ድማ፡ ከምቶም ብዘይ ወለዲ ዝመጽኡ ቆልዑ ዚህልዎም ናይ ሓገዝን ደገፍን መሰላት ኣይኪህልወካን እዩ። እቲ ናትካ ምልክታ ኪርአ ከሎ፥ ልክዕ ብተመሳሳስሊ ሕጊ፡ ከም ናይ ሓደ ዑቕባ ዝሓተተ ዓቢ ሰብ’ዩ ዚምርመር።

ቀቅድሚ’ቲ 18 ዓመት ምምላእካ ወይ ውን ምስቲ ትመልኣሉ እዋን ብምትሕሓዝ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዕድሜኻ ናብ 18 ዓመት ንምቕያር ኣብ ዚውስነሉ ጊዜ፥ ናብ ሓደ ኣኼባ ንኽትርከብ መጸዋዕታ ኪልኣኸልካ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ 18 ዓመት ምስ መላእካ ብኸመይ ኣገባብ ናትካ መሰላትን ግዴታታትን ኪቕየሩ ምዃኖም፡ ሓበሬታ ኪወሃበካ እዩ።

ብዓል-ሕድሪ

ሓደ ኣገዳሲ ፍልልይ ናይቲ ብዘይወለዲ ዝመጸ ቆልዓ ምዃንን፤ ሓደ ዑቕባ ዝሓትት ዓቢ ሰብን፥ እቲ ብድሕሪ 18 ዓመት ምምላእካ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ናይ ምርካብ መሰል ዘይብልካ ምዃን እዩ። እቲ መዝነት ናይቲ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ይቋረጽ’ዩ። ምኽንያቱ ድማ ንስኻ ከም ዓቢ ሰብ ስለ ትቝጸር፥ ከም መጕዚት ኮይኑ ንዓኻ ዚኣልየካ ሰብ ኣይከድልየካን እዩ። ምስ ኵሎም ኣብያተስልጣን ውን ባዕልኻ ኢኻ ርክብ ትገብርን፥ ንዅሉ ወረቓቕቲ ውን ባዕልኻ ኢኻ ትፍርመሉ።

መንበሪ ቤት

”ሚግራሾንስቨርከት” ንዅሎም’ቶም መንበሪ ቤት ዘድልዮም ዑቕባ ሓተት’ቲ ዓበይቲ ሰባት፥ ጊዚያዊ መንበሪ ቦታ ናይ ምድላው ሓላፍነት ኣሎዎ። እቲ ትነብረሉ ዘሎኻ ኮሙን፡ ንስኻ 18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ውን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናትካ ዕድመ ናብ 18 ዓመት እንተ ደኣ ቀይርዎ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናትካ ሓላፍነት ኪወስድን፡ ጊዚያዊ መንበሪ ቤት ከዳልወልካን ኪጠልቦ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ ንስኻ ንውሳነ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንዕድሜኻ ብምቕያሩ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣእቲኻ እናሃሎኻ ኪፍጸም ዚኽእል እዩ።

ጊዚያዊ መንበሪ ቤት ንምርካብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሓገዝ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ንስኻ ኣበይ ክትቅመጥ ከም ትድሊ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናብቲ ”ሚግራሾንሰቨርከት” ገና ዘይተታሕዘ መንበሪ ቦታ ዘሎዎ ከባቢ፥ ናብኡ ክትግዕዝ ክትግደድ ኢኻ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ጥቓ እቲ ትነብረሉ ዝነበርካ ከባቢ፥ ንዓኻ ዚኸውን መንበሪ ቦታ ከዳልወልካ ኪፍትን እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ከጋጥም ኢዩ ኢልካ ክትተኣማመን ግን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ባዕልኻ መንበሪ ገዛኻ ንኽትዳሉ ውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንዓኻ ዚኸውን መንበሪ ቦታ ምስ ኣዝማድካ ወይ ፈተውትኻ ክተዳሉ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ግን፡ ነቲ ወጻኢታት ናይ መንበሪ ገዛኻ ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ።

መንበሪ ቤት ንምርካብ ሓገዝ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ምስቲ ናትካ ”መቐበል-ስደተኛታት” ኣሃዱ (mottagningsenhet) ተዘራረብ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ንዓበይቲ ዑቕባ-ሓተት’ቲ ዚኸውን ጊዚያዊ መንበሪ-ኣባይቲ ብዝበለጸ ኣንብብ

ገንዘብ

ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስ መልአ፡ ሓላፍነት ናይ ገንዘብካ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ ትወስድ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትረኽቦ ትኽእል ዓይነት ቁጠባዊ ሓገዝ ብዝበልጸ ኣንብብ

ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን - ክንክን-ስኒን

ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ ነጻ ናይ ክንክን-ስኒን ናይ ሕክምና ክንክንን ኣሎዎም። ሓደ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሐ ዑቕባ ሓታቲ ግን፥ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ሕክምናን ክንክን-ስኒን ከምኡ ውን ጊዜ ናይ ዘይህብ ሕክምና ምርካብ መሰል ጥራይ’ዩ ዘሎዎ። ንስኻ ሕክምና ዘድልየካ ምዃኑ ገምጋም ዝገብሩ፥ እቶም ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ ”ማእከል-ክንክን-ሕማም” ወይ ውን ኣብ ቤት-ሕክምና ስኒን ዘሎዉ ሰራሕተኛታት እዮም።

እቶም ዓበይቲ ዑቕባ ሓተት’ቲ፡ ንመርኣዪ ሓኪምን ንመድሃኒት መግዚእን ዚገብርዎ ወጻኢታት፥ ባዕላቶም’ዮም ዚኸፍልዎ። ነታ ”ኤል. ኤም. አ. ካርድ” (LMA-kort) እንተ ኣርኢኻዮም፥ ዝተሓተ ዋጋ ክትከፍል ኢኻ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ንዓበይቲ ዑቕባ-ሓተት’ቲ ዚግበር ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ብዝበልጸ ኣንብብ

ቤትትምህርቲ

ንስኻ ኣብ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ (ጂምናስየት) ትመሃር ዘሎኻ፥ ክሳብ’ቲ ውሳነ ናይቲ ሓቲትካዮ ዘሎኻ ዑቕባ ትረክብ፥ ትምህርትኻ ክትቅጽል መሰል ኣሎካ እዩ። እቲ ኣብ ”ጂምናስየት” ትምህርትኻ ናይ ምቕጻል ዘሎካ መሰል፥ ዋላ’ኳ ናብ ካልእ ኮሙን ናብ ዚርከብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ጊዚያዊ መንበሪ ቦታ ምስ ትግዕዝ ውን ዘገልግል እዩ።

ንስኻ ኣብ ”ጂምናስየት” ዘይትምሃር ዘሎኻ፥ ግን ድማ ውሳነኻ እናተጸበኻ ትምህርቲ ንምቕጻል ትደሊ ሰብ፥ ነቲ ናትካ ”ምምሕዳር ምቕባል ሰደተኛታት ኣሃዱ” (mottagningsenhet)፥ ብዛዕባ’ቲ “ንዑቕባ-ሓተት’ቲ ብኣግኡ ወፍሪ ምክያድ” ”tidiga insatser för asylsökande” (ብኣህጽሮ-ቃላት TIA ተባሂሉ ውን ዚጽዋዕ) ናይ ወፍሪ መደብ ንኺግበረለካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ኣብ ምጽባይ ውሳነ ከሎኻ ዘሎዉ ንጥፈታት ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ዘእተኻዮ ምልክታ እንተ ደኣ ተነጺጉ

ዕድሜኻ 18 ዝመላእካ ምስ ትኸውን፥ ኣብቲ ንሃገርካ ትምለሰሉ ጊዜ ሓደ ዘመድ ወይ ሓደ ቤትስልጣን ብሓላፍነት ንኺቕበለካ ግድን ኣድላዪ ኣይኮነን።

ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ እንተ ደኣ ውሳነ ረኺብካ፥ ከምቲ ኣብቲ ውሳነ ሰፊሩ ዘሎ ውዱእ ናይ ምውጻእካ ዕለት፥ ካብ ሃገር ሽወደን ክትወጽእ ይግብኣካ። ወይ ውን፡ ኣብቲ ናይ ውሳነ ሰነድ፡ ሓደ ዝተነብረ ውሱን ዕለት ምስ ዘይህሉ፥ እሞ እቲ ውሳነ ውን ይግባይ ዘይብሃለሉ ምስ ዚኸውን፥ ቀልጢፍካ ካብ ሃገር ክትወጽእ ኣሎካ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝተወሰነልካ ጊዜ ካብ ሃገር ሽወደን ምስ ዘይትወጽእ፥ እቲ ”እገዳ ዳግመ ምጋሽ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ውሳነ ኣብ ልዕሌኻ ኪውሰድ ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻ ካብ 1-5 ዓመታት ናብ ሽወደን ንኸይትምለስ ክትክልከል ትኽእል ኢኻ።

ክሳብ’ቲ ብዕልኻ ብገዛእ ፍቓድካ ንምውጻእካ ዝተወሰነልካ ዕለት፥ ወይ ውን፡ እቲ ጉዳይካ ኣብቲ ናይ ውሳነ ሰነድ፡ እቲ ውሳነ ውን ይግባይ ኣብ ዘይብሃለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ፥ እሞ ሓደ ዝተነብረ ሉ ውሱን ዕለት ምስ ዘይህሉ፥ ካብ “ሚግራሾንስቨርከት” ናይ መንበሪ ቦታን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ክትረክብ መሰል ኣሎካ። ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውላድ ዘሎዉኻ፥ እሞ ንሳቶም ውን ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ምስ ዚኾኑ፥ ካብ “ሚግራሾንስቨርከት” እቲ ሓገዝ ናይ ምርካቦም መሰል ይናውሓሎም እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ምትሕግጋዝ ክሳብ ዝገበርካ፡ ኣብቲ ትገብሮ ናይ መገሻኻ ምድላው ሓገዝ ኪገብረልካ እዩ።

ኣብዚ፡ ሓደ ዓቢ ሰብ ነቲ ዘእተዎ ምልክትኡ ምስ ዚንጸግ እንታይ ከም ዘጋጥም ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

EU-logotyp

Last updated: