መርመራ-ዑቕባ

Asylutredning – tigrinska

መርመራ-ዑቕባ ዝበሃል፡ እቲ ንስኻ ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምሕታት ከም ዝደሌኻ ብሰፊሑ እትገልጹሉ ናይ ቃለ-ምልልስ ጊዜ እዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ንስኻ ባዕልኻ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመካን፥ ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ ድማ፥ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል’ዩ ኢልካ ከም ትኣምንን ክተዘንቱ ኢኻ።

እቲ ጠበቓኻ ናብቲ መርመራ-ዑቕባ ትገብረሉ ቦታ ሓቢሩካ ኪኸይድ እዩ። እቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ውን እንተ ደሊኻ ኣሰንዩካ ናብኡ ኪኸይድ ይኽእል’ዩ። ሓደ ሰራሕተኛ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነቲ ኣብ መርመራ-ዑቕባ ዚግበር ቃለ-ምልልስ እናኣካየደ፥ ነቲ ንስኻ ትብሎ ነገራት ኣብ መዝገብ (ፕሮቶኮል) ከስፍሮ እዩ። ገለ እዋን ውን፡ ኣብቲ ዚግበር መርመራ-ዑቕባ፥ ክልተ ናይ “ሚግራሾንስቨርከት” ሰራሕተኛታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓደ ሕቶታት ዘቕርብ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መዝጋቢ ናይቲ ቃለ-ምልልስ ይኸውን ማለት’ዩ። ንሓድሕድኩም ክትረዳድኡ መታን ክትክእሉ ድማ፥ ሓደ ተርጓሚ ኣብ መንጎኹም ኪህሉ እዩ። እቲ ተርጓማይ ኣብቲ ክፍሊ ምሳኻትኩም ኮፍ ኪብል’ዩ ወይ ድማ ብቴሌፎን ወይ ብቪድዮ መራኸቢ ውን ኣብኡ ኪሳተፍ ይኽእል’ዩ።

ንኽትዛረበሎም ከበድቲ ዝኾኑ ነገራት

እቲ መርመራ-ዑቕባ፡ ኣብ መንጎ ክልተን - ሰለስተን ሰዓታት ኪወስድ ይኽእል እዩ። ንስኻ(ኺ) ውን ንኽትዛረበሎም ከበድቲ ወይ ኣጻገምቲ ኪኾኑ ዚኽእሉ ሕቶታት ከጋጥሙኻ እዮም። ን”ሚግራሾንስቨርከት” ሓቂ ዝኾነ ነገራት ክትነግሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ፥ ዋላ’ኳ ንምዝራቡ ኣጻጋሚ እንተ ኾነ። እንተደኣ ዕረፍቲ ዘድልየካ ኮይኑ፥ ዕረፍቲ የድልየኒ’ዩ ኢልካ ሕተት።

”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ምኽንያት ኪምርምር ከሎ፥ እቲ ፈጻሚ-ጉዳይ፡ ነቲ መጽናዕቲ ናይ ጉዳይካ፡ ምስ ዕድሜኻ፡ ብስለትካን ጥዕናኻን ከዛምዶ ክፍትን ይግባእ። ሓደ ሕቶ እንተ ዘይተረዲኡካ፥ ኣይተረድኣንን በል። ነቲ እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ነገራት እንተ ዘይተረዲኡካ ውን፥ ኣይርድኣንን’ዩ ዘሎ ኢልካ ምዝራብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ መርመራ-ዑቕባኻ ዚግበረሉ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ መንነትካ፡ ወለድኻን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገርካ ዘጋጠመካ ነገራት፥ ከምኡ ውን ከመይ ጌርካ ናብ ሽወደን ከም ዝመጻእካን፥ ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተ ተገዲድካኸ፥ እንታይ ከጋጥመኒ’ዩ ኢልካ ከም ትእምንን ክትሐተት ኢኻ። እዞም ሕቶታት’ዚኦም ምናልባት ኣቐዲምካ ውን ሰሚዕካዮም ክትከውን ትኽእል ኢኻ፥ ሕጂ ግን ብ“ሚግራሾንስቨርከት” ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረልካ ቃለ-ምልልስ ዝነውሐ ጊዜ ተዋሂቡካ፥ ኣስፊሕካ ብዝርዝር ንምግላጽ ዕድል ክትረክብ ኢኻ። እቲ መርማሪ-ዑቕባ፡ መታን ነቲ ትዝረቦ ዘሎኻ መግለጺ ጽቡቕ ጌሩ ክርድኦ ኢሉ፥ ዝርዝራዊ መልሲ ንኽትህቦ ተወሳኺ ሕቶታት ከቕርበልካ ይኽእል እዩ። ንዅሎም እቶም ዚቐርቡልካ ሕቶታት፥ ብዝተኻእለ መጠን ሓቂ ጌርካ ክትዛረብ ፈትን። ተደጋጊሙ ሓደ ዓይነት ሕቶ ምስ ዚቐርበልካ፥ ጌጋ መሊሽካ ኔርካ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ መርማሪ-ዑቕባ ተወሳኺ መብርሂ ስለ ዝደልየን፥ ነቲ ትነግሮ ዘሎኻ ነገራት ብግቡእ ንኽርድኦ ስለ ዝደልን’ዩ።

ናቲ ዚግበረልካ መርመራ-ዑቕባ፡ መረጋገጺ ዚኾነካ ነገራት ምሳኻ ተማሊእካ ክትመጽእ ይግባእ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ናይ መንነት ወረቓቕቲ ከምኡ ውን ካልእ ነቲ ትዛረቦ ዘሎኻ ርጉጽ ምዃኑ ዘመሳኽር ነገራት ማለት’ዩ።

ብድሕሪ ናይ ዑቕባ-መርመራ

ብድሕሪ’ቲ ናይ ዑቕባ-መመራ ምጽጻሙ፥ እቲ መርማሪ-ዑቕባ፡ ነቲ ዝተመዝገበ ጸብጻብ (ፕሮቶኮል)፥ ናብቲ ጠበቓኻ ኪልእኮ እዩ። ሽዑ ድማ እቲ ጠበቓኻ፡ ነቲ ፕሮቶኮል ምሳኻን ምስቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪ”ን ሓቢርኩም ክትሓልፍዎ ኢኹም። እንተ ደኣ ገለ ጌጋ ተረኺብዎ ወይ ውን እቲ መርማሪ-ዑቕባ ወይ እቲ ተርጓማይ ብጌጋ ተረዲእዎም ኣሎ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ነገራት ምስ ዚህሉ፥ መታን እቲ ጌጋ ብኣግኡ ከሎ ኪእረም፥ እቲ ጠበቓኻ ብቕልጡፍ ን”ሚግራሾንስቨከት” ከፍልጥ ኣሎዎ። ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዳሕራይ መዓልቲ እቲ ሓቂ እዚ’ዩ ኔሩ ኢልካ ንኽትገልጽ ከጸግመካ እዩ። ብተወሳኺ ውን፡ እንተ ደኣ ካልእ፡ ኣብቲ መርመራ-ዑቕባ ዘይበልካዮ ኣገዳሲ ነገር ምስ ትዝክር፥ ነቲ ጠበቓኻ ከም ትሕብሮ ግበር።

EU-logotyp

Last updated: