መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ

Om du får uppehållstillstånd – tigrinska

መንበሪ ፍቓድ ምርካብ ማለት፥ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ፥ እወ ዚብል መልሲ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ፡ ፍቓድ ረኺብካ ኣሎኻ። መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፥ ንስኻን እቲ ናትካ “ብዓል-ሕድሪ”ን (god man) ናብ ኣኼባ ንኽትርከቡ፥ ካብቲ “ኣሃዱ ምምሕዳር መቐበል ስደተኛታት” (mottagningsenheten) መጻዋዕታ ኪልኣኸልኩም ኢዩ። ኣብቲ ዚግበር ኣኼባ፡ እቲ ፈጻሚ-ጉዳይ ኣብቲ ውሳነ እንታይ ሰፊሩ ከም ዘሎን፥ ስለምንታይ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡካ ከም ዘሎን፥ መብርሂ ኪህብኹም እዮም። ብድሕሪኡ ውን እንታይ ኪፍጸም ምዃኑ ኪሕብረኩም እዩ።

ውሳነ ብድሕሪ ምርካብካ

መንበሪ-ፍቓድ ምስ ረኸብካ፡ ንስኻን እቲ ናትካ “ብዓል-ሕድሪን” (god man)፡ ናብ ”ቤትስልጣን ኣታዊ ግብሪ” (Skatteverket) ኬድኩም ኣብ ህዛባዊ-መዝገብ ከም ትምዝገብ ክትገብሩ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ንኣባነት፥ ኣርባዕተ ቁጽሪ ዘሎዎ “መለለዪ-ቁጽሪ” (ፐርሾን-ኑመር) ኪወሃበካ እዩ።

ሓደ ወርሒ ብድሕሪ’ቲ መንበሪ-ፍቓድ ምቕባልካ፥ ካብ ምምሕዳር ”ሚግራሾንስቨርከት” ከም ትወጽእ ይግበር። ሽዑ ድማ፡ እቲ ዚወሃበካ ዝነበረ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ይቋረጽ፥ እቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ካርድኻ ድማ ካብ ምስራሕ ደው የብል። እንተ ደኣ ኣብቲ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገንዘብ ኣድልዩካ ኮይኑ፥ ካብ ምምሕዳር “ሚግራሾን” ከይተሳናበትካ ከሎኻ፥ እቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ካርድኻ ውን ከይተዓጸወ ከሎ፥ ቀልጢፍካ ነቲ ገንዘብ ክተውጽኦ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ናይ ዑቕባ ምሕታትካ ጉዳይ ኣብቂዑ ኣሎ ማለት’ዩ። ካብኡ ንንዮ ግን፡ እቲ ንስኻ ትቕመጠሉ ዘሎኻ ኮሙን (ቀበሌ)፥ ንሱ እዩ ምሉእ-ብምሉእ ነቲ ናትካ ሓላፍነት ዚወስድ። እታ ናትካ “ጸሓፊት ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialsekreterare)፥ ካብኡ ንንዮ እንታይ ከጋጥም ምዃኑ ንሳ ክተዘንትወልካ እያ።

ተዋሂቡኒ ዘሎ መንበሪ-ፍቓድ ንኽንደይ ጊዜ ዘገልግል’ዩ?

መብዛሕትኦም ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት፥ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ’ዩ ዚወሃቦም። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻ ኣብ ሽወደን ንዝተወሰነ ጊዜ ኢኻ ትጸንሕ። ብዙሕ ጊዜ እቲ ውሳነ፡ ን13 ኣዋርሕ ወይ 3 ዓመታት እዩ። እቲ መንበሪ-ፍቓድካ ምስ ወደቐ፥ ንኽናውሓልካ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ውን እንተ ኾነ፥ ዑቕባ ዘድልየካ ኮይኑ ምስ ዚርከብ፥ ንኽልተ ወይ ንሰለስተ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ።

እንተ ደኣ ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 17ን 24ን ዓመት ኮይኑ፥ እሞ ኣብ 2ይ ድረጃ ቤትትምህርቲ (ጂምናስየት) ትኸይድ ምስ ትህሉ፥ መታን ነቲ ጀሚርካዮ ዘሎኻ ናይ “ጂምናስየት” ትምህርትኻ ንኽትውድእ፥ ኣብ ገለ ኵነታት ንንውሕ ዝበለ ጊዜ መንበሪ-ፍቓድ ኪወሃበካ ይኽእል እዩ።

ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ

ንሰለስተ ዓመት መንበሪ-ፍቓድ ተቐቢልካ ምስ ጸናሕካ፥ ምስቲ ተቕርቦ ናይ ምንዋሕ ምልክታ ብምትሕሓዝ፥ ንቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ውን ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ዕድሜኻ 15 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ፥ ስነ-ስርዓት ዘሎዎ ህይወት ክትነብር ዝጸናሕካ ሰብ ክትከውን ኣሎካ። ንስኻ ንኣብነት፡ ገበን ዝፈጸምካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ እቲ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ኪንጸግ ይኽእል እዩ። ንቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ እዋን፥ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ንስኻ ስራሕ ዘሎካን - ነፍስኻ ውን ባዕልኻ ክተመሓድር ትኽእልን ሰብ ክትከውን ይግባእ።

ነዞም ጠለባት ናይ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ እዚኦም ዘይተማልእ ምስ ትኸውን፥ እቲ መንበሪ-ፍቓድካ ግን ክናውሓልካ ይኽእል’ዩ፥ እንተደኣ ሽዑ ውን ዑቕባ ዘድልየካ ሰብ ምስ ትኸውን።

እንተ ደኣ ነቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምምሕዳርን - ነቲ ብስነ-ስርዓት ናይ ምንባርን ጠለባት ብዘይ ምምላእካ ምኽንያት፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ነጺግዎ፥ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ኢኻ።

ስድራ ቤታዊ ዳግመ -ምትእኽኻብ

መንበሪ ፍቓድ እንተ ደኣ ረኺብካ፥ ኣብ ገለ ኵነታት ወለድኻ ውን ምሳኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ክተኣኻኸቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡካ ከም ዘሎ ዚሕብረካ ”ፈጻሚ-ጉዳይ”፥ ብኸመይ ከም ዚግበር ብዛዕብኡ ዝበለጸ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ኣወሃህባ መንበሪ-ፍቓድ ወለዲ - ናይቶም ብዘይወለዲ ዝመጹ ቆልዑ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

EU-logotyp

Last updated: