ዘቕረብካዮ ምልክታ እንተ ተነጺጉ

Om du får avslag på din ansökan – tigrinska

ተነጺጉ ማለት፡ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ምልክታ ኣይፋል ዚብል መልሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ጉዳይካ እንተ ደኣ ተነጺጉ፡ ክልተ ምርጫ እዩ ዘሎካ። ሽዑ ንስኻትኩም ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሑ ኣይፍቀደልኩምን እዩ። እቲ ሓደ ኣማራጺ፡ ነቲ ውሳነ ተቐቢልካ ካብ ሃገር ሽወደን ክትወጽእ፥ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብ “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ምቕራብ እዩ።

ምንጻግ ናይ ጉዳይ

እቲ ምልክታኻ እንተ ተነጺጉ፡ “ሚግራሾንስቨርከት” ንስኻ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንኽትረክብ እኹል ዝኾነ ምኽንያት ከም ዘይብልካ ጌሩ ተረዲእዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽዑ ንስኻን እቲ ናትካ “ብዓል-ሕድሪ”ን (god man)፥ ናብ ሓደ ኣኼባ ተጸዊዕኩም፥ ስለምንታይ ጉዳይካ ተነጺጉ ከም ዘሎን፥ ብዛዕባ’ቶም ብድሕሪኡ ከጋጥሙ ዚኽእሉ ነገራትን፡ መግለጺ ኪህበኩም እዩ።

ነቲ ዝተዋህበካ ውሳነ ኣሜን ኢልካ ምቕባል

ነቲ ዝተዋህበካ ውሳነ ኣሜን ኢልኻ እንተ ተቐቢልካዮ፥ ኣብ ሓደ ወረቐት ይግባይ ክትብል ከም ዘይትደሊ ክትፍርም ኢኻ። ነቲ ዝተዋህበካ ውሳነ ምስ ተቐበልካዮ፥ ናብ ሃገርካ ንምምላስ መታን ክትዳሎ፥ ካብ ’ሚግራሾንስቨርከት” ሓገዝ ኪግበረልካ እዩ።

ይግባይ ምባል

ነቲ ብ”ሚግራሾንስንቨርከት” ዝተዋህበካ ውሳነ እንተ ደኣ ዘይተሰማሚዕካሉ፥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ይግባይ ንኽትብል ድማ፡ ንስኻን እቲ ናትካ “ብዓል-ሕድሪ”ን (god man)፥ ናብ “ሚግራሾንስቨርከት” ደብዳበ ጽሒፍኩም፥ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ ስለምንታይ ጌጋ ከም ዝኾነን፥ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ውሳነ’ቲ ንኪቕይሮን ክትገልጹ ኢኹም። ጠበቓ ተመዲቡልካ እንተ ደኣ ኔሩ፥ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ንኽትጽሕፍ (ንሳ)ንሱ ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ። ነቲ ናይ ይግባይ ደብዳበ ንኽተእቱ፥ ክንደይ ዚኣክል ጊዜ ተዋሂቡካ ከም ዘሎ፥ ኣብቲ ውሳነ ዝተጻሕፈሉ ሰነድ ክትረኽቦ ኢኻ።

“ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዝልኣኽካዮ ናይ ይግባይ ደብዳበኻ ኣንቢቡ፤ እቲ ውሳነ ዚቕየር እንተ ኾይኑ፡ ናቱ ገምጋም ኪገብር እዩ። እንተ ደኣ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ ንኪቕይሮ ምኽንያት ኣሎ ኢሉ ዘይሓሲቡ፥ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ናብ “ቤት ሚግራሾንስቨርከት” ኪልእኮ እዩ። “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨከት” ድማ፡ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ኪርእዮ እዩ። “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” እንተ ደኣ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ተቐቢልዎ፤ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ ኪቕይሮ እዩ። ሽዑ ድማ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ኪፍቀደልካ እዩ።

“ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” እንተ ደኣ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ነጺግዎ፥ እቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ውሳነ ቅኑዕ ኔሩ ኢሉ ኣሚኑ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽዑ ድማ፡ ናብ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እንተ ኾነ ግን፡ እዚ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት”፥ ንጥርዓን ናይ ገለ ፍሉያት ጉዳያት ጥራይ ዚርኢ ቤት ፍርዲ ኮይኑ፥ ነቲ ጉዳይ ከልዕሎ ዚኽእል፥ ኣብ ምትርጓም ናይቲ ሕጊ ዘይንጹርነት ምስ ዚርከብ ጥራይ እዩ። “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናትካ ጉዳይ ከም ብሓድሽ ንኸይልዓል እንተ ደኣ ወሲኑ፥ ካብኡ ንንዮ ቀጺልካ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት’ዩ። እቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝተወስደ ውሳነ ድማ ከገልግል ይጅምር። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ውሳነ ጸኒዑ ኣብ ግብሪ ይውዕል ማለት’ዩ።

ንስኻ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ነቲ ኣእቲኻዮ ዘሎካ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኪትስሕቦ፥ ኣብ ክንድኡ ድማ፡ ሕራይ ኢልካ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርካ፡ ካብ “ሚግራሾንስቨርከት” ናይ መምለሲኻ ሓገዝ ኪግበረልካ ይኽእል እዩ።

ናብ ሃገርካ ምምላስ

እቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ እንተ ተነጺጉ፥ ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ ምድላው ክትገብር ኣሎካ። እንተ ደኣ ተሓባቢርካ፡ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ መምለሲኻ ሓገዝ ኪግበረልካ እዩ።
”ሚግራሾንስቨርከት” ንስኻ ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ እንታይ ምግባር ከም ዘድሊ ንምዝርራብ፥ ናብ ብዙሓት ኣኼባታት መጸዋዕታት ኪልእከልካ እዩ። ንስኻ ምትሕብባር ክሳብ ዝገበርካ፥ ነቲ ናብ ሃገርካ ንምምላስ ትገብሮ ምድላዋት፥ “ሚግራሾንስቨከት” ዘድሊ ሓገዛት ኪግበረልካ እዩ። እንተ ደኣ ምትሕብባር ዘይኣርኢኻ ግን፥ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጉዳይካ ናብ “ቤትስልጣን ፖሊስ” ከሕልፎ እዩ።

ንስኻ ኣብቲ ካብ ሽወደን ትወጸሉ ጊዜ፥ ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ዚኸውን፥ ናብ ሃገርካ ምስ ተመለስካ ሓደ ዚቕበለካ ሰብ ኪህሉ ይግባእ እዩ። እዚ ድማ፡ ወለድኻ ወይ ኣዝማድካ ወይ ውን እቲ ዚቕበለካ ሰብ፥ ካብ ሓደ ወለዲ ንዘይብሎም ቆልዑ ዘመሓድር ቤትስልጣን ዝመጸ ወኪል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰራሕተኛታት “ሚግራሾንስቨርከት” ምሳኻ ከሰንዩኻ እዮም፥ ኣብኡ ምስ በጻሕኩም ድማ፡ ኣብቲ መዕረፍ ነፈርቲ ሓደ ሰብ ከም ዚቕበለካ ኪገብሩ እዮም።

እንተ ደኣ ወለድኻ፡ ኣብ ሃገርኩም ዘይኮነስ፡ ኣብ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ሃገር ዚነብሩ ኮይኖም፥ ምስኣቶም ዳግም ንኽትሕወስ ውን ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪሕግዘካ ኪፍትን ይኽእል እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ሓገዝ ኪገብረልካ እዩ

ዋላ’ኳ ነቲ ውሳነ እንተ ዘይፈተኻዮ፥ ካብ ሃገር ሽወደን ክትወጽእ’ዩ ዘሎካ። እንተ ደኣ ነቲ ውሳነ ተቐቢልካ ባዕልኻ ንኽትምለስ ሕራይ ኢልካ፥ “ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ምድላው ናይቲ መገሻኻ ሓገዝ ኪገብረልካ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ቲከት ምድላው፡ ፓስፖርት ምድላው ከምኡ ውን ምስቶም ኣብ ሃገርካ ዘሎዉ ኣዝማድካ ርክብ ንምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ገለ ኵነታት፡ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ውን ክትሓትት ወይ ውን ምስ ተመለስካ ብዝቐለለ ኣብቲ ሕብረተሰብ ንኽትወሃሃድ ዚሕግዘካ ካልእ ዓይነት ደገፍ ንኺግበረልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ፡ ኣብቲ ናብ ዓድኻ ናይ ምምላስ ግዜ - መን ሓገዝ ኪረክብ ከም ዚኽእል ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ነቲ ዝሓለፈ ውሳነ ምስ ዘይትስዕብዎ

“ሚግራሾንስቨርከት” ኣብቲ ናይ መገሻኻ ምድላው ኪሕግዘካ ዚኽእል፥ እንተ ደኣ ባዕልኻ ካብ ሽወደን ንምውጻእ ተሰማሚዕካ ጥራይ እዩ። እንተ ደኣ ናብቶም ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝገብረልካ መጸዋዕታታት ዘይተረኺብካ፥ እንተ ደኣ ተሓቢእካ ወይ ውን ብኻልእ ኣገባብ ንኽትምለስ ከም ዘይትደሊ ኣርኢኻ፥ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጉዳይካ ናብ ቤትስልጣን ፖሊስ ከሕልፎ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻ ነቲ ውሳነ ተገዲድካ ከም ትስዕቦን፥ ካብ ሃገር ሽወደን ድማ ከም ትወጽእን ንምግባር ሓላፍነት ዚወስድ፥ እቲ ቤትስልጣን ፖሊስ ኪኸውን’ዩ። ዕድሜኻ 18 ዓመት ዝመላእካ ምስ ትኸውን፥ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምቕባል መሰልካ ከቋርጽ እዩ፥ እንተ ደኣ ነቲ ውሳነ ዘይስዒብካዮ።

ሓደስቲ ፍጻሜታት ብድሕሪ ምንጻግ

ገለ እዋናት፡ ብድሕሪ’ቲ ውሳነ ምሕላፉ፡ ካብ ሃገር ሽወደን ንኸትወጽእ ዘየኽእል ኵነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ብጽኑዕ ስለ ዝሓመምካ ክትገይሽ ምስ ዘይትኽእል ወይ ውን ሓደስቲ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምኽንያታት ምስ ዘጋጥሙ ወይ ውን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ’ቲ ከሕልፍ ከሎ ከይፈለጦ ዝጸንሐ ናይ ዑቕባ መሕተቲኻ መርትዖታት ምስ ዚርከብ እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ምስ ዘጋጥም፥ ንስኻን እቲ ናትካ “ብዓል-ሕድሪ”ን (god man) ብጽሑፍ ጌርኩም” ን”ሚግራሾንስቨርከት” እንታይ ከም ዘጋጠመ ኪትገልጹሉ ኣሎኩም። ሽዑ ድማ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ እቶም ቀሪቦም ዘሎዉ ምኽንያታት፥ ነቲ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕኩም ጉዳይ ደው ንኸብሎ እኹል ምኽንያት እንተ ኾይኑ ይውስን።

ገለ እዋናት፡ መታን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ሓድሽ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ንምጽናዕ ጊዜ ኪረክብ፥ እቲ ምስጓግ ንጊዚኡ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። እቲ ንግዚኡ ደው ከም ዚብል ምግባር ድማ ”ምዕጋት ውሳነ” (inhibition) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ኣብ ትጽበዩሉ ጊዜ

ኣብ ሃገር ሽወደን ክሳብ ዝሃሎኻ፥ ናብ ቤትትምህርቲ ክትከይድን ክንክን-ሕማም ክትረክብን መንበሪ ገዛ ኪህልወካን መሰል ኣሎካ። ካብ ሃገር ሽወደን ክሳብ ትወጽእ ወይ 18 ዓመት ክሳብ ትመልእ ድማ፥ እቲ ናትካ “በዓል-ሕድሪ” (god man) ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብዚ፡ ቅድሚ ካብ ሃገር ሽወደን ምውጻእካ 18 ዓመት ምስ ትመልእ - እንታይ ከጋጥም ከም ዚኽእል ብዝበልጸ ኣንብብ

EU-logotyp

Last updated: