ናትካ መሰላት

Dina rättigheter – tigrinska

ኣብ ሽወደን ንስኻ፡ 18 ዓመት ክሳብ ትመልእ ከም ቆልዓ ኢኻ ትቝጸር። እቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ፥ ከም ኵሎም ናይ ሽወደን ቆልዑ ሓደ ዓይነት መሰል’ዩ ዘሎዎም።

እዚ ማለት ድማ ንኣብነት፥ ንስኻ ብውሕስነት ክትነብር፥ ናብ ቤትትምህርቲን ናብ ናጻ ጊዜን ክትከይድ መሰል ኣሎካ። ዘድልየካ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ክትረክብ ውን መሰል ኣሎካ። ብዛዕባ ኣካላትካ ናይ ምውሳን መሰል ኣሎካ። ዝኾነ ሰብ ድማ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽትገብር(ሪ) ወይ ንኽትምርዖ(ዓዊ) ከገድደካ(ኪ) ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ሰብ ንዕኻ ኪወቕዓካ ወይ ከፈራርሓካ ውን ኣይፍቀደሉን’ዩ።

“ውዕል መሰል ሕጻናት” ናይ ሕቡራት ሃገራት፥ እቲ መሰል ሕጻናት ዝበሃል፥ ኣብ ሽወደን ከም ሕጊ እዩ ዚውሰድ። ኣብኡ ድማ፡ ኵሎም ቆልዑ እንታይ መሰላት ከም ዘሎዎም ተዘርዚሩ ይርከብ። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕጊታት ናይቲ ውዕል ሕጻናት፥ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

  • ኵሎም ቆልዑ ናይ ምንባርን ናይ ምምዕባልን መሰል ኣሎዎም
  • እቲ ንቖልዓ ብዝበለጸ ዘርብሕ - ንሱ ኣገዳሲ ኪኸውን ኣሎዎ
  • ቆልዑ ናታቶም ሓሳባት ከቕርቡ መሰል ኣሎዎም
  • ኵሎም ቆልዑ ሓደ ዓይነት መሰላት ኣሎዎም

እቶም ናትካ ሓላፍነት ዘሎዎም ሰባት፡ ንዓኻ ውን ኪጸልወካ ዚኽእል ውሳነ ኣብ ዚወስዱሉ ጊዜ፥ ንስኻ እንታይ ከም ትደሊን - ብዛዕባ’ቲ ንዓኻ ጽቡቕ ዝኾነ ነገር ኪሓስቡን ይግብኦም እዩ። ንስኻ ሓሳባትካ ክትገልጽን፡ እቲ ትብሎ ድማ ኪስማዕን መሰል ኣሎካ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ጊዜ እቲ ንስኻ ትደልዮ ነገር ጥራይ ኪፍጸም እዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ፡ ከም ቆልዓ መጠን ኣብ ሽወደን ኪህልዉኻ ዚኽእሉ መሰላት ብዝበለጸ ኣንብብ

EU-logotyp

Last updated: