መርመራ-ዑቕባ

Asylutredning – tigrinska

መርመራ-ዑቕባ ዝበሃል፡ እቲ ንስኻን ስድራቤትካን ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምሕታት ከም ዝደሌኹም ብሰፊሑ እትገልጹሉ ናይ ቃለ-ምልልስ ጊዜ እዩ። እቲ ንሓንቲ ስድራቤት ዚግበር መርመራ-ዑቕባ ሓያሎ ሰዓታት ክወስድ ስለ ዚኽእል፥ ንምሉእ መዓልቲ ዚኣክል ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብኡ ክትውዕሉ ትኽእሉ ኢኹም። ናብቲ መርመራ-ዑቕባ ዚግበረልኩም ኣኼባ፥ መረጋገጺ ኪኾኑኹም ዚኽእሉ ነገራት ምሳኻትኩም ተማሊእኩም ክትመጹ ይግባእ። እዚ ድማ ንኣብነት፥ ናይ መንነት ወረቓቕቲን፡ ከምኡ ውን ካልእ፡ ነቲ ትዛረብዎ ዘሎኹም ርግጽ ምዃኑ ዘመሳኽር ነገራት ማለት’ዩ።

ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ኣብ መርመራ-ዑቕባ ዚግበር ቃለ-ምልልስ እናኣካየደ፥ ነቲ ንስኻትኩም ትብልዎ ነገራት ኣብ መዝገብ (ፕሮቶኮል) ከስፍሮ እዩ። ገለ እዋን ውን ኣብቲ ዚግበር መርመራ-ዑቕባ፥ ክልተ ናይ “ሚግራሾንስቨርከት” ሰራሕተኛታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓደ ሕቶታት ዘቕርብ ኪኸውን ከሎ፥ እቲ ካልኣይ ድማ መዝጋቢ ናይቲ ቃለ-ምልልስ ይኸውን ማለት’ዩ። እንተደኣ ጠበቓ ተመዲቡልኩም ኮይኑ ውን፥ ናብቲ መርመራ-ዑቕባ ኣሰንዩኩም ኪኸይድ ይኽእል’ዩ። ንሓድሕድኩም ክትረዳድኡ መታን ክትክእሉ ድማ፥ ሓደ ተርጓሚ ኣብ መንጎኹም ኪህሉ እዩ። ገለ እዋን ውን፡ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰባት ብቴሌፎን ወይ ብናይ ቪድዮ ርክብ፥ ኣብቲ መርመራ-ዑቕባ ዚግበረሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መርማሪ-ዑቕባ፥፡ ኣብ ሃገርኩም እንታይ ኣጋጢሙኩም ከም ዝነበረን፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም ድማ፡ እንታይ ከጋጥመና ይኽእል’ዩ ኢልኩም ከም ትኣምኑን ክሓተኩም እዩ። ብዛዕባ መንነትኩምን፡ ብኸመይ ናብ ሽወደን ክትበጽሑ ከም ዝኽኣልኩምን፥ ሕቶታት ከቕርበልኩም እዩ።

እዞም ሕቶታት ምናልባት ኣቐዲምካ ሰሚዕካዮም ክትከውን ትኽእል ኢኻ፥ ሕጂ ግን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረልካ ቃለ-ምልልስ ዝነውሐ ጊዜ ተዋሂቡካ፥ ኣስፊሕካ ብዝርዝር ንምግላጽ ዕድል ክትረክብ ኢኻ።

ቆልዑ ውን ክዛረቡ ይፍቀደሎም’ዩ

ኣብቲ ስምምዕ-ዋዕላ ሕጻናት ሰፊሩ ከም ዘሎ፥ እንተደኣ ደሊኻ ክትዛረብ መሰል ከም ዘሎካን፥ ዅሎም’ቶም ኣብቲ ንቖልዓ ኪጸሉ ዚኽእል ነገራት ውሳነ ዘሕልፉ ሰባት፥ እቲ ነቲ ቆልዓ’ቲ ዝበለጸ ነገር ኪሓስቡ ይግባእ፡ ዚብል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ “ሚግራሾንስቨርከት” ብፍላይ ነቶም ዑቕባ-ሓተቲ ቆልዑ፥ እንታይ ከም ዘሕለፉ ኪሰምዖም ይግባእ። ቆልዑ ካብቲ ናይ ወለዶም ዝተፈለየ ናይ ዑቕባ-መሕተቲ ምኽንያት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ መርማሪ-ዑቕባ ንዓኻ ውን ቃለ-መሕትት ኪገብረልካ ይደሊ’ዩ፥ እንተ ደኣ ንስኻ ውን ትደሊ ዄንካ፥ ወለድኻ ውን ሕራይ እንተ ደኣ ኢሎም። እንተ ደኣ ትደሊ ዄንካ፡ ወለድኻ ወይ ካልእ ንስኻ ትኣምኖ ሰብ፡ ኣብኡ ምሳኻ ኪህሉ ይኽእል እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ምኽንያት ኪምርምር ከሎ፥ እቲ ፈጻሚ-ጉዳይ፡ ነቲ መጽናዕቲ ናይ ጉዳይካ፡ ምስ ዕድሜኻ፡ ምስ ብስለትካን ጥዕናኻን፡ ከዛምዶ ክፍትን ይግባእ። ሓደ ሕቶ እንተ ዘይተረዲኡካ፥ ኣይተረድኣንን በል። ነቲ እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ነገራት እንተ ዘይተረዲኡካ ውን፥ ኣይርድኣንን’ዩ ዘሎ ኢልካ ምዝራብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክትዛረብ ድሌት ምስ ዘይህልወካ ውን ኣይትዛረብ። እቲ መርማሪ-ዑቕባ ብምንታይ ኵነታት ከም ዝሓለፍካ ንወለድኻ ኪሓቶም ይኽእል’ዩ።

ንስኻ ምናልባት ውን ብዛዕባ ንምምላሾም ኪኸብዱኻ ወይ ንምዝራቦም ከጻግሙኻ ዚኽእሉ ነገራት፥ ሕቶታት ኪቐርበልካ ይኽእል’ዩ። ዋላ’ኳ ከቢድ እንተ ኾነ ውን፥ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ሓቂ ዝኾነ ነገር ክትነግሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ተደጋጊሙ ሓደ ዓይነት ሕቶ ምስ ዚቐርበልካ፥ ጌጋ መሊሽካ ኔርካ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደእ እቲ መርማሪ-ዑቕባ ተወሳኺ መብርሂ ስለ ዝደልየን፥ ነቲ ትነግሮ ዘሎኻ ነገራት ብግቡእ ንኽርድኦ ስለ ዝደልን እዩ። ኣብ መንጎ’ቲ ቃለ-ምልልስ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ምስ ዘድልየካ፥ ነቲ መርማሪ-ዑቕባ ዕረፍቲ ክትገብር ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

EU-logotyp

Last updated: