ገንዘብ

Ekonomi – tigrinska

ወለድኻ እንተ ደኣ ናይ ርእሶም ገንዘብ ዘይብሎም ኮይኖም፥ ቁጠባዊ ሓገዝ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንምርካብ፥ ምልክታ ክተቕርቡ መሰል ኣሎኩም እዩ። ክልተ ዓይነት ምልክታ ክተቕርበሉ ትኽእል ናይ ገንዘብ ሓገዛት’ዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” (dagersättning) ከምኡ ውን እቲ ”ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” (särskilt bidrag) ዚበሃል እዩ።

መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ

ኵሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ገንዘብ ዘይብሎም ዑቕባ ሓተትቲ፥ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” (dagersättning) ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” እዚ፥ ንመግቢ፡ ንኽዳውንቲ፡ ንሳእኒ፡ ንጽሬት፡ ንመድሃኒት ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ናጻ ጊዜኻ ክትገብሮ ትደሊ ንጥፈታት ንኪኾነካ ተባሂሉ ዚወሃበካ ገንዘብ እዩ። እቲ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ተባሂሉ መጸውዒኡ ምኽንያት ድማ፥ ናይ ነንመዓልቱ ገንዘብ ተደሚሩ ስለ ዚወሃበካ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣከፋፍላ ናይቲ ገንዘብ ግን፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ጊዜ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሓደ ናይ ባንክ-ሕሳብ ይኣቱ፥ ሽዑ ድማ ንወለድኻ፡ ሓደ ”ናይ ባንክ ሕሳብ ካርድ” ይወሃቦም።

ተወሳኺ ፍሉይ ሓገዝ-ገንዘብ

እንተ ደኣ እቲ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ኪሽፍኖ ዘይኽእል፥ ካልእ ነገራት ንምግዛእ ገንዘብ ዘድልየኩም ኮይኑ፥ ”ንፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” (särskilt bidrag) ምልክታ ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንመነጸር ዓይኒ፡ ንናይ ክረምቲ ክዳውንቲ ወይ ውን ንዓረብያ-ቆልዓ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ”ንፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ስለምንታይ እቲ ገንዘብ’ቲ ከም ዘድልየካ ብግቡእ ክትገልጽ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። እቲ ተቕርቦ ምልክታ፥ ናብቲ ”ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት” (mottagningsenheten) ዚኣቱ ኮይኑ፥ ነቲ ገንዘብ’ቲ ንኽትረክብ ዘፍቅደልካ ውን ንሱ እዩ። እቲ ዚፍቀደልካ ገንዘብ፡ ካብቲ ዝሓተትካዮ ገንዘብ ንታሕቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ብዛዕባ ”ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” ዝተዋህበካ ውሳነ ምስ ዘይትዓግብ፥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

EU-logotyp

Last updated: