መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ

Om du får uppehållstillstånd – tigrinska

መንበሪ ፍቓድ ምርካብ ማለት፥ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ፥ እወ ዚብል መልሲ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ፡ ፍቓድ ረኺብኩም ኣሎኹም።

ንስኻን ስድራቤትካን መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡኩም፥ ናብ ኣኼባ ንኽትርከቡ ካብቲ ኣሃዱ ምምሕዳር መቐበል ስደተኛታት (mottagningsenheten) መጻዋዕታ ኪልኣኸልኩም ኢዩ። ኣብቲ ዚግበር ኣኼባ ድማ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ውሳነ እንታይ ሰፊሩ ከም ዘሎን፥ ስለምንታይ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡኩም ከም ዘሎን፥ መብርሂ ኪህበኹም እዮም። መንበሪ-ፍቕድ ተዋሂቡኩም ከም ዘሎ ድማ፥ ምስክር ወረቐት ኪወሃበኩም እዩ።

መንበሪ-ፍቓድ ምስ ረኸብኩም፡ ናብ ”ቤትስልጣን ኣታዊ ግብሪ” (Skatteverket) ኬድኩም ኣብ ህዛባዊ-መዝገብ ክትጽሓፉ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣርባዕተ ቁጽሪ ዘሎዎ “መለለዪ-ቁጽሪ” (ፐርሾን-ኑመር) ኪወሃበኩም እዩ።

ኣብ ትሕቲ ምሕደራ “ሚግራሾንስቨርከት” ክትነብሩ ዝጸናሕኩም ምስ ትኾኑ፥ ናብ ሓድሽ መንበሪ ገዛ ንኽትግዕዙ ሓገዝ ኪግበረልኩም እዩ።

ተዋሂቡኒ ዘሎ መንበሪ-ፍቓድ ንኽንደይ ጊዜ ዘገልግል’ዩ?

እንተ ደኣ ከም “ስደተኛታት” ተጸዊዕኩም፥ ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ይወሃበኩም። እንተ ደኣ ከምቶም “ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት” ተጸዊዕኩም ግን፥ ን 13 ኣዋርሕ ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ይወሃበኩም። እቲ ጊዜ’ቲ ምስ ተወድአ ድማ፡ ንኽናውሓልኩም ምልክታ ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሽዑ ውን እንተ ኾነ፥ ዑቕባ ዘድልየኩም ምስ ዚኸውን፡ ንኽልተ ዓመት ተወሳኺ መንበሪ-ፍቓድ ይወሃበኩም።

ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ

ንሰለስተ ዓመት መንበሪ-ፍቓድ ተቐቢልኩም ምስ ጸናሕኩም፥ ምስቲ ተቕርብዎ ናይ ምንዋሕ ምልክታ ብምትሕሓዝ፥ ንቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ውን ክተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ዕድሜኻ 15 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ስነ-ስርዓት ዘሎዎ ህይወት ክትነብር ዝጸናሕካ ሰብ ክትከውን ኣሎካ። ንስኻ ንኣብነት፡ ገበን ዝፈጸምካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ እቲ ቀዋሚ መንበር-ፍቓድ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ኪንጸግ ይኽእል እዩ። ንቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ እዋን፥ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ንስኻ ስራሕ ዘሎካ ክትከውንን - ነፍስኻ ውን ባዕልኻ ክተመሓድር ትኽእልን ሰብ ክትከውን ይግባእ።

ዋላ’ኳ ነቶም ጠለባት ናይ “ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ” ዘይተማልእ ምስ ትኸውን፥ እቲ መንበሪ-ፍቓድካ ግን ክናውሓልካ ይኽእል’ዩ፥ እንተደኣ ሽዑ ውን ዑቕባ ዘድልየካ ሰብ ምስ ትኸውን።

EU-logotyp

Last updated: