ዘቕረብክሞ ምልክታ እንተ ተነጺጉ

Om ni får avslag på er ansökan – tigrinska

ተነጺጉ ማለት፡ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ ምልክታ ኣይፋል ዚብል መልሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽዑ ንስኻትኩም ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሑ ኣይፍቀደልኩምን እዩ።

ንስኻን እቶም ወለድኻን፡ ናብ ሓደ ኣኼባ ክትጽውዑ ኢኹም፥ ኣብኡ ድማ እቶም ሰራሕተኛታትና፡ ኣብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ውሳነ እንታይ ሰፊሩ ከም ዘሎ ንምርድኡ ኪሕዙኹም እዮም። ንስኻን ወለድኻን ትደልዩ እንተ ዄንኩም፥ ንስኻ ውን ኣብቲ ኣኼባ’ቲ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ምልክታኻ ተነጺጉ’ዩ ማለት፡ “ሚግራሾንስቨርከት” ንስኻትኩም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንኽትረኽቡ እኹል ዝኾነ ምኽንያት ከም ዘይብልኩም ጌሩ ተረዲእዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ንስኻትኩም ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ይግባእ። ሽዑ ድማ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ብኸመይ ናብ ሃገርኩም ከም ትምለሱ መደብ ኣብ ምውጻእ ንወለድኻ ኪሕግዞም እዩ።

ይግባይ ምባል

ነቲ ብ”ሚግራሾስንቨርከት” ዝተዋህበ ውሳነ እንተ ዘይተሰማሚዕኩምሉ፥ ወለድኻ ይግባይ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ድማ፡ ናብ “ሚግራሾንስቨርከት”ደብዳበ ጽሒፎም፥ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ ስለምንታይ ጌጋ ከም ዝኾነን፥ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ውሳነ’ቲ ንኪቕይሮን ኪገልጹ እዮም። ጠበቓ ተመዲቡልኩም እንተ ደኣ ኔሩ፥ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ንኽትጽሕፉ ኪሕግዘኩም ይኽእል’ዩ።

እንተ ደኣ እቲ “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጥርዓንኩም ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ፥ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ ኪቕይሮ’ዩ። ሽዑ ድማ ኣብ ሽወደን ክትጸንሑ ኪፍቀደልኩም እዩ። “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” እንተ ደኣ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንኩም ነጺግዎ፥ እቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ውሳነ ቅኑዕ ኔሩ ኢሉ ኣሚኑ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽዑ ድማ፡ ናብ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት”፡ እቲ ንጥርዓን ገለ ፍሉያት ጉዳያት ጥራይ ዚርኢ ቤት ፍርዲ ኮይኑ፥ ኣብ ምትርጓም ናይቲ ሕጊ ዘይንጹርነት ምስ ዚርከብ ጥራይ ዓልዕሉ ኪርእዮ ዚኽእል። “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነቲ ናታትኩም ጉዳይ ከም ብሓድሽ ንኸይልዓል እንተ ደኣ ወሲኑ፥ ካብኡ ንንዮ ቀጺልኩም ይግባይ ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም ማለት’ዩ። እቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝተወስደ ውሳነ ድማ ከገልግል ይጅምር። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ውሳነ ጸኒዑ ኣሎ (får laga kraft) ማለት’ዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ነቲ ኣእትይዎ ዘሎ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኪስሕቦን፥ ኣብ ክንድኡ ድማ ናብ ሃገሩ ሕራይ ኢሉ ንኺምለስ ኪውስን ይኽእል’ዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብ “ሚግራሾንስቨርከት” ናይ መምለሲኻ ሓገዝ ኪግበረልካ ይኽእል’ዩ።

ናብ ሃገርካ ምምላስ

ወለድኻ ነቲ ዝተዋህቦም ውሳነ ይግባይ ይበሉ ወይ ኣይበሉ፥ ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ግን ምድላው ክትገብሩ ይግብኣኩም’ዩ። ወለድኻ፡ ንሳትኩም ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ እንታይ ምግባር ከም ዘድሊ ንምዝርራብ፥ ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ብዙሓት ኣኼባታት ከከይዱ ይኽእሉ እዮም። ንስኻን ወለድኻን እንተ ደሊኹም* ንስኻ ውን ኣብቲ ኣኼባታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻትኩም ከምቲ ኣብቲ ውሳነ ተጻሒፉ ዘሎ፥ ካብ ሃገር ሽወደን ንኽትወጹ ሓላፍነት ክወስዱ ዘሎዎ፥ እቶም ናትካ ወለዲ እዮም። ኣብቲ ዝተመደበልኩም ጊዜ እንተ ዘይወጺእኩም፥ ዳሕራይ ጊዜ ናብ ሽወደን “እገዳ ዳግመ-ምጋሽ” ኪውሰነልኩም ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻትኩም ናብ ኤውሮጳ ወይ ናብ ሽወደን ንዝተወሰነ ዓመታት ንኸይትምለሱ ክትክልከሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ወለድኻ፡ ነቲ ውሳነ ሕራይ ኢሎም ተቐቢሎም ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምትሕብባር ምስ ዚገብሩ፥ ሓገዝ ኪወሃቦም ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ቲከት ንምግዛእን ካልእ ነቲ መገሻ ዘድልዩ ግብራዊ ነገራትን ሓገዝ ኪግበረልኩም’ዩ። ክሳብ’ቲ ናይ መገሻኹም ጊዜ ድማ፥ ናይ ገንዘብን መንበሪ ቦታን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኪህልወኩም እዩ።

ነቲ ዝሓለፈ ውሳነ ምስ ዘይትስዕብዎ

”ሚግራሾንስቨርከት” ንኽትምለስ ኪሕግዘካ ዚኽእል፥ ወለድኻ ባዕሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምስ ዚሰማምዑ ጥራይ እዩ። ”ሚግራሾንስቨከት” ናብ ኣኼባታት ኪጽወዓኩም ከሎ እንተ ዘይመጺእኩም ወይ ውን ክትተሓባበሩ ድሌት ከም ዘይብልኩም ምስ ተርእዩ ግን፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጉዳይኩም ናብ “ቤትስልጣን ፖሊስ” ከሕልፎ እዩ።

እቲ ጉዳይኩም ናብ “ቤትስልጣን ፖሊስ” ምስ ዝተሓላለፍ፥ ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት”ን ናይ ቤት ፍርዲን ውሳነ ክትስዕብዎ ከም ዘሎኩም ዚገበር፥ እቲ “ቤትስልጣን ፖሊስ” እዩ። ማለት፡ ካብ ሽወደን ከም ዝወጻእኩም ከረጋግጽ ዘሎዎ እቲ ቤትስልጣን ፖሊስ እዩ።

ሓደስቲ ተረኽቦታት ብድሕሪ ምንጻግ

ገለ እዋናት፡ ብድሕሪ’ቲ ውሳነ ምሕላፉ ካብ ሃገር ሽወደን ንኸትወጹ ዘየኽእል ኵነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራቤት ብጽኑዕ ሓሚሙ ኪገይሽ ምስ ዘይክእል ወይ ውን ሓደስቲ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምኽንያታት ምስ ዘጋጥሙ ወይ ውን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ’ቲ ከሕልፍ ከሎ ከይፈለጦ ዝጸንሐ ናይ ዑቕባ መሕተቲኹም መርትዖታት ምስ ዚርከብ እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ምስ ዘጋጥም፥ ወለድኻ ብጽሑፍ ጌሮም ን”ሚግራሾንስቨርከት” እንታይ ከም ዘጋጠመ ኪገልጹሉ ይግብኦም። ሽዑ ድማ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ እቶም ቀሪቦም ዘሎዉ ምኽንያታት፥ ነቲ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕኩም ጉዳይ ደው ንኸብሎ እኹል ምኽንያት እንተ ኾይኑ ይውስን።

ገለ እዋናት፡ መታን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ሓድሽ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ንምጽናዕ ጊዜ ኪረክብ፥ እቲ ምስጓግ ንጊዚኡ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። እቲ ንግዚኡ ደው ከም ዚብል ምግባር ድማ፥ ”ምዕጋት ውሳነ” (inhibition) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ኣብ ትጽበዩሉ ጊዜ

ኣብ ሃገር ሽወደን ክሳብ ዝሃሎኻ፥ ናብ ቤትትምህርቲ ክትከይድን ክንክን-ሕማም ክትረክብን መሰል ኣሎካ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጉዳይኩም ናብ ”ቤትልስጣን ፖሊስ” ኣተሓላሊፍዎ እንተ ሃለወ እዩ።
ካብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትወጸሉ ጊዜ፡ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ተማሊእካዮም ክትከይድ ጽቡቕ’ዩ፡-

  • ኣብዚ ኣብ ትምህርቲ ትኸይድ ከም ዝነበርካ ዚምስክር ወረቐት
  • ካብ ቤትትምርህቲ ናይ ነጥቢታት ምስክር ወረቐት፡ ምስ ዚህልወካ
  • ናይቶም ብቐጻሊ ውን ክትራኸቦም ትደሊ ሰባት ናይ ቡስጣ ኣድራሻ፥ ኢ-መይል ኣድራሻ ከምኡ ውን ቁጽሪ ቴሌፎንን እዩ።
EU-logotyp

Last updated: