ዑቕባ ንምርካብ ምልክታ ምቕራብ

Att ansöka om asyl – tigrinska

ዑቕባ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርቡ ከሎኹም፥ ብምሉኣትኩም ስድራ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትመጹ ኣሎኩም። ኣብታ ቀዳመይቲ ኣኼባ፡ እቶም ዝረኽቡኹም ሰራሕተኛታት፥ መታን ኣብቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ስርዓተ-መዝገብ (datasystem) ንኽትኣትዉ፥ ንዓኻን ንስድራቤትካን ብዙሕ ሕቶታት ከቕርቡልኩም እዮም።

ናይ ዑቕባ መጽናዕቲ ኪግበረልካ ምጽባይ

እቲ ብድሕሪኡ ኣብቲ መስርሕ ናይ ዑቕባ ዚውሰድ ስጕምቲ ድማ፥ መታን ናይ ዑቕባ ምሕታት መጽናዕቲ ኪግበረልኩም፥ ንስኻን ስድራቤትካን ተመሊስኩም ናባና ምምጻእ’ዩ። ኣብኡ ድማ፡ ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ምሕታት ከም ዝደሌኹም መግለጺ ንቕተቕርቡ፥ ንውሕ ዝበለ ቃለ-መሕትት ኪግበረልኩም እዩ። ናይ ዑቕባ ምሕታት መጽናዕቲ ንምግባር ንኽንደይ ዚኣክል ጊዜ ከም ዘጸቢ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ኣብቲ ውሳነ ንምርካብ ትጽበዩሉ እዋን፥ ምስ ሓደ ኣሃዱ ምምሕዳር ምቕባል ስደተኛታት (mottagningsenhet) ርክብ ክህልወኩም እዩ። እዞም ኣብዚ ምምሕዳር ምቕባል ስደተኛታት ዚሰርሑ ሰባት፥ ገለ ካብቲ ሓላፍነቶም፡ ቁጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብ ዘሎኩም መሰል ምውሳን እዩ። ከምኡ ውን፡ ውሳነ ምስ ተዋሂበኩም ሓበሬታ ዚህቡኹም፥ እንተደኣ “ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ሽወደን ንኸይትጸንሑ ውሳነ ወሲዱ ድማ ደገፍ ዚገብሩልኩምን እዮም።

እንተደኣ ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ ኣባይቲ ትቕመጡ ዄንኩም፥ ምስቶም ገዛውቲ ዘመሓድሩ ሰራሕተኛታት ናይቲ ምቕባል ስደተኛታት ውን ክትራኸቡ እኹም። ንሳቶም ብዛዕባ’ቲ ሕጊታትን፡ ካልእ ግብራዊ ሓበሬታታትን ኪህቡኹም እዮም። ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ ድማ፡ ኣስማትኩም፡ መዓስ ከም ዝተወለድኩምን እንታይ ቋንቋ ከም ትዛረቡን ክትነግሩ ኢኹም። እቶም ሰራሕተኛታት፡ ስድራ ቤትኩም እንታይ ከም ዚመስል፥ ብዛዕባ ሃለዋት ጥዕናኹም፡ ገለ ካብቶም ኣባላት ስድራቤትኩም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ምስ ዚህሉ ውን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። ሓደ ትፈርሖ ሰብ ወይ ኵነታት ምስ ዚህሉ ውን፥ ብዛዕባኡ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብታ ናይ መጀመርታ ኣኼባ፥ ኣሕጽር ኣቢልኩም ካበይ ከም ዝመጻእኩም፥ ብኸመይ ናብ ሽወደን ከም ዝመጻእኩም፥ ከምኡ ውን ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ምርካብ ከም ዝደሌኹም ክትገልጹ ኢኹም። ኣብቲ ዚቕጽል ናይ ዑቕባ ምሕታት መጽናዕቲ ዚግበረሉ ኣኼባ፥ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ንኽትህቡ፥ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ኪወሃበኩም እዩ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ድማ፡ እንተደኣ ንስኻ ደሊኻ ወይ እቶም ወለድኻ ውን ኣፍቂዶምልካ፥ ባዕልኻ ምስቶም ሰራሕተኛታት ውን ክትዛረብ ዕድል ኪወሃበካ ይኽእል እዩ።

መን ምዃንኩም ክተርእዩ

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ መታን ቅኑዕ ዝኾነ ውሳነ ኪወስድ ኪኽእል፥ ንስኻትኩም መን ምዃንኩምን፥ ንስኻትኩም ካበይ ከም ዝመጻእኩም ኪፈልጥ ይደሊ እዩ። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪፈልጦ ዚደሊ ድማ፥ ዕድመ ናይ ኵሎም ኣባላት ናይታ ስድራቤት እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ዑቕባ ንዚሓቱ ቆልዑን፥ እቲ ዑቕባ ንዚሓቱ ዓበይቲን ዚወሃብ መሰላት፥ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ እዩ።

ንስኻትኩም መን ምዃንኩም መግለጺ ከቕርቡ ሓላፍነት ዘሎዎም፥ እቶም ወለድኹም እዮም። እቲ ዝበለጸ መን ምዃንኩም ክተርእይሉ ትኽእሉ ኣገባብ፥ ንኣብነት ፓስፖርት ወይ መንነት ወረቐትካ ብምርኣይ እዩ። እንተደኣ ወለድኹም ንስኻትኩም መን ምዃንኩም ከርእዩ ዘይክኢሎም፥ ንስኻትኩም ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘሎኩም ንምግምጋም ን”ሚግራሾንስቨርከት” ከሸግሮ እዩ።

ስእሊን ምልክት ኣጻብዕቲን (ዓሻራ)

ስእሊ ክትልዓል ኢኻ፡ ቁመትካ ክትዕቀን ኢኻ፡ 6 ዓመት ዝመላእካ ምስ ትኸውን ድማ፡ ናይ ኣጻብዕቲ ምልክት (ዓሻራ) ክትህብ ኢኻ።

ምልክት ኣጻብዕ (ዓሻራ) ዚውሰደልካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንርቲ ምልክት ኣጻብዕትኻ ክተንብቦ ትኽእል ”ማሺን”፥ ኣብኡ ኣጻብዕትኻ ብምልጋብ እዩ። ዕድሜኻ 14 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ኤውሮጳ ተመዝጊብካ ንኸይትህሉ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናቱ ምቁጽጻር ኪገብር እዩ።

እቲ ምልክት ናይ ኣጻብዕትኹም፡ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትኩም ከም ዝነበርኩም ከርኢ እንተ ደኣ ክኢሉ፥ ወይ ውን ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር መንበሪ-ፍቓድ ከም ዘሎኩም እንተ ተፈሊጡ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናብቲ ሃገር’ቲ ንኽትምለሱ ኪውስን ይኽእል እዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ብተወሳኺ፡ እቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኹሞ ምልክታ፥ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ንኺምርመር ኪውስን ይኽእል’ዩ፥ እንተደኣ ኣብታ ሃገር’ቲኣ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎዉኹም ኮይኖም። ቅድሚ ከምኡ ምውሳኑ ግን፡ እቶም ሰራሕተኛታትና ብዛዕባኡ እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎኩም፥ ንዓኻን ንስኻን ስድራ ቤትካን ኪሓትኹም እዮም። እዞም ሕጊታት’ዚኦም፡ ሕጊታት-ዳብሊን ”Dublinförordningen” ተባሂሎም ይጽውዑ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ”ሕጊታት-ዳብሊን” (Dublinförordningen) ብዝበለጸ ኣንብብ

ኤል. ኤም. አ. ካርድ (LMA-kort)Zoom image

ነዚ ስእሊ ብምጽቃጥ ክተዕብዮ ትኽእል ኢኻ።

ኤል. ኤም. አ. ካርድ (LMA-kort)

”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናይ ስድራቤትካ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ መዝጊቡ ምስ ወድአ፥ ዑቕባ ሓቲትኩም ከም ዘሎኹም ዘረጋገጽ፥ ሓደ ምስክር ወረቐት ኪወሃበኩም’ዩ። ክልተ ሰሙን ጸኒሑ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ኪወሃበኩም እዩ።

ትርጉም ናይቲ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ዚብል ኣህጽሮ-ቃላት፥ ”ሕጊ ምቕባል ስደተኛታት” ማለት’ዩ። እዚ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ስእልኻ ዝተጠቅዖ መንነት ወረቐት’ዩ። ንሱ ድማ፡ ዑቕባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ ምስክር ወረቐትካ ኮይኑ፥ ክሳብ ውሳነ ዚወሃበካ ትጽበየሉ ጊዜ ድማ፥ ኣብ ሃገር ሽወደን ክትነብር ከም ትኽእል ዘፍቅደልካ እዩ። ኣብ ኵሉ’ቲ ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ወይ ምስ ሓኪም ወይ ውን መድሃኒት ካብ ፋርማቻ ንምውጻእ እትገብሮ ርክባት፥ እዚ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ምሳኻ ኪህልወካ ይግባእ’ዩ።

EU-logotyp

Last updated: