መን ዑቕባ ኪረክብ ይፍቀደሉ?

Vem kan få asyl? – tigrinska

ኣብ ሕጊ ሽወደን መን ዑቕባ ንምርካብ ከም ዚፍቀደሉ ኣብኡ ሰፊሩ ይርከብ። “ሚግራሾንስቨርከት” ነቶም ንስኻን ስድራቤትካን ዘቕረብኩሞም ምኽንያታት፥ ዑቕባ ከውህቡ ዚኽእሉ እንተ ኾይኖም ይምርምሮም። መንበሪ ፍቓድ ኪወሃበካ ዚኽእል፥ እንተ ደኣ “ስደተኛ” ዄንካ ወይ ውን “ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” እንተ ተቖጺርካ ወይ ውን ብኻልእ ምኽንያት ምጽናሕ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን እዩ።

ስደተኛ

ብመሰረት መግለጺ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ”FN:s flyktingkonvention” ከምኡ ውን ሕጊ ሽወደን ስደተኛ ክትበሃል ትኽእል፥ እንተ ደኣ በዞም ዚስዕቡ ምኽንያታት ሓሳረ-መከራ ከይወርደካ ኣብ ስግኣት ኣሎኻ እዩ፡-

  • ዘርኢ/ዓሌት
    – ንኣብነት ብምኽንያት’ቲ ዘሎካ ሕብሪ-ቆርበት
  • ዜግነት
    – ንኣብነት ብምኽንያት ዜግነትካ፡ ቋንቋኻ ወይ ብሄርካ
  • ሃይማኖት
    – ኣበየናይ ኣምላኽ ከም ትኣምን፥ ወይ ውን ኣማኒ ብዘይምዃንካ
  • ፖለቲካዊ ርድኢት
    – ንኣብነት ሃገርካ ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘሎዋ ብዘሎካ ኣረኣእያ
  • ጾታ
    – ወዲ ወይ ጓል ብምዃንካ
  • ጾታዊ ዝምባለ
    - ንኣብነት ጓል ኴንኪ ኣዋልድ ተፍቅሪ ምስ ትኾኒ ወይ ወዲ ዄንካ ኣወዳት ተፍቅር ምስ ትኸውን
  • ካብ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ-ጕጅለ ምዃን
    – ገለ እዋናት፡ ህጻናት ከም ናይ ርእሶም ማሕበራዊ ጕጅለ ኪቑጸሩ ይኽእሉ እዮም።

ገለ እዋናት፡ እቶም ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ስልጣን ዘሎዉ ሰባት’ዮም፥ ንደቂ-ሰባት ሓሳረ-መከራ ብምጽጋብን ብምፍርራሕን፥ ካብ ዓዶም ከም ዚስደዱ ዚገብሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሓሳረ-መከራ ኣጽጊቦም ተሰዲድካ ዑቕባ ንኽትሓትት ዚገብሩኻ ሰባት፥ ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጀለታት ውን ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ፡ እቶም ሰበስልጣናት ናይ ሃገርካ (ንኣብነት ፖሊስ)፥ ንዓኻ ግዳይ ዝኾንካ ሰብ፡ ኪከላኸሉልካ ወይ ኪሕግዙኻ ምስ ዘይክእሉን ወይ ምስ ዘይደልዩን እዩ።

እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳረ-መከራ ኣሕሊፍካ ከይኣክል ድማ፥ ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ ውን፥ ከም ብሓድሽ ግዳይ ናይ ዝገደደ ሓሳረ-መከራ ንኽትከውን ተኽእሎ ምስ ዚህሉ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እዩ፥ እቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መርማሪ-ዑቕባ፥ ንስኻ ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ፡ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ትኣምን? እናበለ ዝሓተካ።
ከም ስደተኛ እንተ ደኣ ተቖጺርካ፡ መንበሪ-ፍቓድ ን3 ዓመት ይወሃበካ።

ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ

ከምቲ ኣብ ሕጊ ሽወደን ሰፊሩ ዘሎ፥ ገለ እዋናት፡ ናብ ሃገርካ ኽትምለስ እንተ ደኣ ፍርሒ ዚስምዓካ ኾይኑ፥ ዋላ’ኳ ብመሰረት እዞም ኣብ ላዕሊ ተገሊጾም ዘሎዉ ነጥቢታት ከም ስደተኛ እንተ ዘይተቖጸርካ፥ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ድማ ንስኻ፡ እንተ ደኣ ኣብ ሃገርካ ማእሰርቲ፡ መውቃዕቲ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ውን ዘይሰብኣዊን ኣዋራዲን ዝኾነ ኣተሓሕዛ ንኺግበረልካ ኣብ ሓደጋ ኣሊኻ፥ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተባሂልካ ኢኻ ትጽዋዕ። ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ-ፍቓድ ውን ኪወሃበካ ይኽእል እዩ፥ እንተ ደኣ ኣብ ሃገርካ ዝተወልዐ ጽዕጹዕ ኲናት ኣልዩ፥ እሞ ኣብኡ እንተ ጸኒሕካ ድማ ንኽትቅተለሉ ትኽእል ሓደጋ ምስ ዚህሉ እዩ።

እቲ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ኮይኑ ዝተቖጽረ ድማ፥ ን13 ኣዋርሕ መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቦ።

መንበሪ-ፍቓድ ብኻልእ ምኽንያታት

ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ብኻልእ ምኽንያት ውን መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ፤ ዋላ’ካ እቲ ሰብ’ቲ (እታ ሰብ’ቲኣ) ነቶም ከም ”ስደተኛ” ሰብ ወይ ”ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” ንኽትቁጸር ብሕጊ ዚጥለቡ መግለጺታት ዘየማልእ እንተኾነ። እዚ ከም’ዚ ግን፡ ልሙድ ዘይኮነ ግን ድማ፡ ኣብ ሓደ ፍሉይ ናይ ህይወት ኵነታት ምስ ትርከብ፥ ንኣብነት ንስኻ ብዝጽኑዕ ዝሓመምካ ወይ ውን እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሃለዋት ኣዝዩ ኣጻጋሚ ኵነታት ምስ ዚኸውን እዩ።

EU-logotyp

Last updated: