እቶም ትራኸቦም ሰባትን ኣብያተ-ስልጣንን

Myndigheter och människor du möter – tigrinska

ንስኻ፡ ምስ ብዙሓት ነንበይኖም ብዛዕባ ንዓኻን ንስድራቤትካን ዚምልከቱ - ነንበይኖም ጉዳያት ሓላፍነት ዘሎዎም ሰባት ክትራኸብ ኢኻ።

ሚግራሾንስቨርከት

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ናይቲ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ሽወደን ምጽናሕኩም ውሳነ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ዘሎዎ ቤትስልጣን እዩ። ትቕመጡሉ ቦታ ዘይብልኩም ምስ ትኾኑ፥ ክሳብ’ቲ ውሳነ ንምርካብ ትጽበዩሉ ጊዜ፥ ኣብቲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዘመሓድሮ ጊዚያዊ መንበሪ ኣባይቲ ቦታ ክትቅበሉ ኢኹም። ናይ ርእስኹም ገንዘብ ምስ ዘይህልወኩም ውን፥ ወለድኻ መታን መግቢን ክዳውንትን ምግዛእ ኪኽእሉ፥ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሓገዝ ኪግበረልኩም እዩ።

ንስኻ፡ ምስ ወለድኻ ሓቢርኩም ብዙሕ ጊዜ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትበጽሑ ክትመጹ ኢኹም። ኣብኡ ድማ፡ ምስ ብዙሓት ኣብኡ ዚሰርሑ ነንበይኖም ሰባት ክትራኸቡ ኢኹም።

ምምሕዳር ኮሙን (ቀበሌ)

እቲ ምምሕዳር ናይቲ ኮሙን (ክፍለ-ከተማ)፥ ንስኻ ናብ ቤትትምህርቲ ናይ ምኻድካ ሓላፍነት ዚወስድ ንሱ እዩ። ንኣሽቱ ሕጻናት ውን፡ ኣብቲ ወለዶም ኣብ ስራሕ ዚኾኑሉ ጊዜ፥ ኣብ መዋዕለ-ሕጻናት ኪኸዱ ይፍቀደሎም’ዩ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ኣብኡ ይሰርሑ እዮም፥ ስለዚ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ወይ ውን ብዛዕባ ሃገር ሽወደን ብኸመይ ኣገባብ ከም ዚሰርሕ፥ ምስኦም ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ምምሕዳር ናይቲ ኮሙን፡ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänsten) ዚበሃል ቤትስልጣን ኣሎ። እዚ ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት እዚ፥ ነቶም ኣብ ገዝኦም ቅሳነት ዘይስምዖም ቆልዑ ወይ ውን ዚኣልዮም ወላዲ ዘይብሎም ቆልዑ፡ ሓገዝ ዚገብር እዩ።

ተርጓማይ

መታን ንስኻን ወለድኻን ምስቶም ሰራሕተኛታት ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትረዳድኡ ክትክእሉ፥ ነቲ ንስኻትኩም ትብልዎ ነገራት ዚትርጕም ሓደ ሰብ ኪህሉ እዩ። እቲ ተርጓማይ ቋንቋ ሽወደንን እቲ ንስኻትኩም ትዛረብዎ ቋንቋን ዚዛረብ እዩ። እቲ ተርጓማይ ኪትርጉመልኩም ከሎ፥ ወይ ኣብቲ ዘሎኹሞ ክፍሊ ሓቢሩ ምስኻትኩም ይህሉ፥ ወይ ድማ ብቴሌፎን ወይ ብቪድዮ መራኸቢ ኪትርጉመልኩም ይኽእል እዩ። እቲ ተርጓማይ፡ ኵሉ’ቲ ኣብቲ ክፍሊ’ቲ ዝበሃል ነገራት ኪትርጕሞ እዩ፥ ካልእ ዚውስኾ ነገር የብሉን።

እቲ ተርጓማይን ንስኻን ብቛንቋ ትረዳድኡ ክትኮኑን፥ እቲ ተርጓማይ ምሳኹም ከሎ ድማ፥ ደፊርካ ኵሉ ክትብሎ ትደሊ ነገራት ምዝራብን፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ነቲ እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ዘይትርድኦ ምስ ትህሉ፥ ክትነግር ይግብኣካ እዩ። እቲ ተርጓማይን ንስኻን ኣዝማድ ምስ ትኾኑ ወይ ውን ብኻልእ መገዲ ትፋለጡ ምስ ትኾኑ፥ ንሱ ውን ክትሕብር የድሊ’ዩ። ዚትርጕመልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኪኸውን ምስ ትደሊ ውን፥ ንስኻ(ኺ) ባዕልኻ ወይ ወለድኻ ኣቐዲሞም ኪሕብሩ ይግባእ።

ንስኻን ስድራቤትካን፡ ኣብ ኣገዳሲ ኣኼባታት ኣብ ትርከቡሉ ጊዜ፥ ተርጓማይ ክትረኽቡ መሰል ኣሎኩም’ዩ። እዚ ድማ፡ ንኣብነት ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ወይ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ”ኮሙን” ወይ ምስ ሓኪም ወይ ውን ወለድኻ ምስ ሓደ መምህር ኣብ ዚዛራርቡሉ ጊዜ እዩ። ቆልዑ ካብ ወለዶም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ይመሃሩ እዮም። እንተ ኾነ ግን፡ ንስኻ ብፍጹም ናይ ወለድኻ ተርጓማይ ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ዓበይቲ ሰባት ነንሕድሕዶም ኣብ ዚዛረቡሉ ጊዜ፥ ንስኻ ንኽትትርጉም ሓላፍነት የብልካን።

ሕጋዊ ጠበቓ

ሓደ ሕጋዊ ጠበቓ ዝበሃል፥ ሕጊ ሽወደን ዚፈልጥ፡ ንዓኻን ንስድራቤትካን ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ንኽተቕርቡ ዚሕግዘኩም ሰብ ማለት’ዩ። እቲ ናታትኩም ሕጋዊ ጠበቓ መን ከም ዚኸውን ዚውስነልኩም ”ሚግራሾንስቨርከት” እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሱ/ንሳ ሰራሕተኛ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ግን ኣይኮነን። እንተ ደኣ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሕጋዊ ጠበቓ ኪህልወኩም ወሲኑ፥ ንስኻትኩም ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልየኩምን እዩ። ወለድኻ እንተ ደኣ ሓደ ፍሉይ ንሳቶም ዚደልይዎ ጠበቓ ኪህልዎም ዚደልዩ ኮይኖም፥ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ኪሕብሩ ይኽእሉ እዮም።

ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ

ኵሎም’ቶም ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዚሰርሑ ሰባት፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ (tystnadsplikt) ኣሎዎም። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ንሳቶም ብዛዕባኻን ብዛዕባ ስድራቤትካን ዝፈልጡዎ ነገራት፥ ንዝኾነ ሰብ ኪነግሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። እቶም ወለድኻን እቶም ብዛዕባ ምልክታኻ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታትን ጥራይ እዮም፥ ነቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንኺፈልጡ መሰል ዘሎዎም።

እቲ ተርጓማይን እቲ ሕጋዊ ጠበቓን ውን ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎዎም እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ኮሙን፡ ኣብ ኣብያተ-ሕክምናን ኣብ ኣብያተትምህርቲን ዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ውን፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ዘሎዎም እዮም።

ኵሎም ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ዘሎዎም ሰባት፥ ነቲ ዘሎዎም ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኪስዕርዎ ይፍቀደሎም’ዩ። እንድሕሪ ምስ ካልእ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ ኪዛረቡ ኮይኖም እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንስኻ ብገለ ምኽንያት እንተ ደኣ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ከም ዘሎኻ ጥርጣረ ሓዲርዎም እዩ።

ወለድኻ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ የብሎምን፥ ምኽንያቱ ድማ ንሳቶም ብዛዕባኻ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ክዘራረቡ ሓላፍነቶም ስለ ዝኾነ።

EU-logotyp

Last updated: