ዑቕባ ንምርካብ ምልክታ ምቕራብ

Att ansöka om asyl – tigrinska

ኣብታ ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ትገብራ ቀዳመይቲ ኣኼባ፥ ንብዙሓት ሕቶታት መልሲ ክትህብ ኢኻ። ብዛዕባ’ቲ መስርሕ ናይ ምሕታት ዑቕባ ውን ሓበሬታ ክወሃበካ’ዩ። ብተወሳኺ ውን፡ ናብ ወለድኻ ወይ ናብ ካልኦት ኣዝማድካ ደሓን ከም ዘሎኻ ንኽትነግሮም ክትድውል፥ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብሓገዝ ተርጓማይ፡ ንኣብነት ብዛዕባ እዞም ዚስዕቡ ክተዘንቱ ኢኻ፡-

  • ንስኻ መን ምዃንካ
  • እንታይ ቋንቋ ከም ትዛረብ
  • ብዛዕባ ናትካ ስድራቤት
  • ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎ
  • ብኸመይ ናብ ሃገር ሽወደን ከም ዝመጻእካ
  • ስለምንታይ ሃገርካ ገዲፍካ ከም ዝወጻእካን፥ እንተ ተመሊስካኸ እንታይ ከጋጥመካ ይኽእል ኢልኻ ከም ትኣምን
  • ኣብ ሽወደን ምስኦም ወይ ኣብ ጥቕኦም ክትቅመጥ እትደሊ፡ ኣዕሩኽቲ ኣብ ወይ ኣዝማድ ምስ ዚህሉዉኻ እዩ።

ብምኽንያት ስንክልና፡ ፍሉይ ኣድላይነታት ምስ ዚህልወካ፥ ክትሕብር ይግብኣካ እዩ። ብምኽንያት ዓቕማዊ-ጕድለትካ (ስንክልናኻ) ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትዘራረብ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፥ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣሎካ’ዩ።

እቶም ሰራሕተኛታት፡ መታን ኣብቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መዝገብ ክትጸሓፍን፥ ነቲ ናትካ ናይ ዑቕባ ምልክታ ንመጽናዕቲ ንምድላው፥ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪሓቱኻ እዮም። ተመሳሰልቲ ሕቶ ብ”ሚግራሾንስቨርከት”ን በቲ ትነብረሉ ”ኮሙን”ን (ቀበሌን) ሕቶታት ኪቐርበልካ እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ንሳቶም ነናቶም ዝኾነ ናይ ኮምፕዩተር መዛግብቲ ስለ ዘሎዎም እዮም።

መን ምዃንካ ክተርኢ

”ሚግራሾንስቨርከት” ቅኑዕ ዝኾነ ውሳነ ኪወስድ መታን ኪኽእል፥ ንስኻ መን ምዃንካ፥ ካበይ ከም ዝመጻእካ ኪፈልጥ ይደሊ እዩ። ንስኻ መን ከም ትበሃል፡ ዕድሜኻ ክንደይ ከም ዝኾነን፥ ካበይ ከም ዝመጻእካን ክትነግር ናትካ ሓላፍነት እዩ። እቲ ዝበለጸ መንነትካ ንምርኣይ ትጥቀመሉ ኣገባብ፥ ፓስፖርትኻ ወይ መንነት ወረቐትካ ምቕራብ እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ንስኻ(ኺ) ዕድሜኻ ክንደይ ምዃኑ ክፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቶም ዑቕባ ዚሓቱ ቆልዑን፥ እቶም ዑቕባ ዚሓቱ ዓበይቲ ሰባትን ዘሎዎም መሰላት፥ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ እዩ።

ኣብዚ፡ ቆልዓ ወይ ዓቢ ሰብ ኴንካ ዑቕባ ምሕታት ዘሎ ፍልልያት ብዝበለጸ ኣንብብ

ስእሊን ምልክት ኣጻብዕቲን (ዓሻራ)

ስእሊ ክትልዓል ኢኻ፡ ቁመትካ ድማ ክትዕቀን ኢኻ። ምልክት ኣጻብዕቲ (ዓሻራ) ዚውሰደልካ፥ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ምልክት ኣጻብዕትኻ ክተንብብ ትኽእል ”ማሺን”፥ ኣጻብዕትኻ ብምልጋብ እዩ። ዕድሜኻ 14 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ኤውሮጳ ተመዝጊብካ ንኸይትህሉ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምቁጽጻር ኪገብር እዩ። ቆልዑ ትሕቲ 6 ዓመት ምልክታ ኣጻብዕቲ (ዓሻራ) ምሃብ ኣይድልዮምን እዩ።

እቲ ምልክት ናይ ኣጻብዕትኻ፡ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ከም ዝነበርካ ከርኢ እንተ ደኣ ክኢሉ፥ ወይ ውን ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር መንበሪ-ፍቓድ ከም ዘሎካ እንተ ተፈሊጡ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንስኻ ናብቲ ሃገር’ቲ ንኽትምለስ ኪውስን ይኽእል እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ብተወሳኺ፡ እቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ፥ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ንኺምርመር ኪውስን ይኽእል ውን’ዩ። እንተ ደኣ ወለድኻ፡ ኣሕዋትካ ወይ ኣዝማድካ ኣብታ ሃገር’ቲኣ ኣሎዉ ኮይኖም። ቅድሚ ከምኡ ምውሳኑ ግን፡ እቶም ሰራሕተኛታትና ብዛዕባኡ እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎካ ኪሓቱኻ እዮም። እዞም ሕጊታት’ዚኦም፡ ሕጊታት-ዳብሊን ”Dublinförordningen” ተባሂሎም ውን ይጽውዑ እዮም።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ”ሕጊታት-ዳብሊን” (Dublinförordningen) ብዝበለጸ ኣንብብ

ኤል. ኤም. አ. ካርድ (LMA-kort)Zoom image

ነዚ ስእሊ ብምጽቃጥ ክተዕብዮ ትኽእል ኢኻ።

ብድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ቃለ-ምልልስ

ነቲ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታኻ ተመዝጊቡ ምስ ተወድአ፥ ዑቕባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ ዘረጋገጽ ሓደ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ’ዩ። ክልተ ሰሙን ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ምስክር ወረቐት ናብ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ትቕይራ። ንሱ ድማ ዑቕባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ ምስክር ወረቐትካ ኮይኑ፥ ክሳብ’ቲ ውሳነ ዚወሃበካ እናተጸበኻ፥ ኣብ ሃገር ሽወደን ክትነብር ከም ትኽእል ዘፍቅድ እዩ። ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ከም መንነት ወረቐት ኣየገልግልን እዩ፥ ንስኻ መን ምዃንካ ውን መረጋገጺ ሰነድ ኣይኮነን። ንስኻ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ ዘርኢ ሰነድ ጥራይ እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ምስቲ ኮሙን ተራኺቡ፥ ሓደ መንበሪ ቦታን ሓደ ዝተሓባበረካ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ሰብን ከም ዝዳለወልካ ይገብር። ”ሚግራሾንስቨርከት” ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ’ቲ ተቕርቦ ምልክታ መታን ኪሕግዘካ፥ ሓደ ሕጋዊ ጠበቓ ከም ዚዳለወልካ ይገብር።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ”ብዓል-ሕድሪ”ን (god man) ሕጋዊ ጠበቓን (offentligt biträde) ብዝበለጸ ኣንብብ

መርመራ-ዑቕባ ኣብ ትጽበየኩ ጊዜ

ኣብቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ቀጺሉ ዘጋጥም፥ ንስኻ ናይ ዑቕባ-መርመራ ንኽትገብር ክትመጽእ ኢኻ። ኣብኡ ድማ ኣስፍሕ ኣቢልካ ስለምንታይ ኣብ ሃገር ሽወደን ዑቕባ ክትሓትት ከም ዝደሌኻ ክትነግር ኢኻ። ናይ ዑቕባ-መርመራ ክትገብር ክንደይ ጊዜ ክትጽበ ከም ዘድሊ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል’ዩ። ናብቶም መጻዋዕታ ዝተገብሩልካ ኣኼባታት ክትርከብ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እንተ ደኣ ነቲ ናይ ዑቕባ-መርመራኻ ቆጸራ ክንቅይሮ ተገዲድና፥ ሓድሽ ቆጸራ ክሳብ ንረኽበልካ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ስለ ዚኽእል እዩ።

EU-logotyp

Last updated: