ንዓኻ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ካልእ ሞግዚት ሓቢርካ ዑቕባ ትሓትት ዘሎኻ

እዚ ሓበሬታ’ዚ፡ ንዓኻ ምስ ወለድኻ ሓቢርካ ዑቕባ ንኽትሓትት ናብ ሽወደን መጺእካ ዘሎኻ ሰብ ዚምልከት እዩ። ዑቕባ ምሕታት ማለት፡ ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምምጻእን፡ ኣብኡ ድማ ካብ ውግእ ወይ ካብ ሓሳረ-መከራ ሓለዋ ንኺግበረልካ ምልማን ማለት’ዩ።

ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንስኻ ከም ሓታቲ ዑቕባ ክትሓልፎ ዘሎካ መስርሕን፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” መን ዑቕባ ኪረክብ መሰል ከም ዘሎዎ ብኸመይ ከም ዚውስን፥ ከምኡ ድማ፡ ንስኻን ስድራቤትካን፡ ውሳነ ክሳብ ዚመጸኩም ኣብ ትጽበዩሉ ጊዜ፥ እንታይ ደገፍ ክትረኽቡ መሰል ከም ዘሎኩምን በብሓደ ክንገልጾ ኢና።

እቲ ሓበሬታት’ቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ክንበብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ኣገባብ፡ ኣብቲ ዑቕባ ሓቲታካሉ ዘሎኻ እዋን ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገራት ፍልጠት ንምርካብ፥ ነቲ ጽሑፍ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ኣልሚምካ ምንብቡ ኪኸውን ከሎ፥ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ነታ ንግዚኡ ብዝበለጸ ኣድላዪት ዝኾነት ሓበሬታ እናመረጽካ በብኣርእስተ-ምዕራፉ ምንባብ እዩ።

ዑቕባ ንምርካብ ምልክታ ምቕራብ

ዑቕባ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርቡ ከሎኹም፥ ብምሉኣትኩም ስድራ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትመጹ ኣሎኩም። ኣብታ ቀዳመይቲ ኣኼባ፡ እቶም ዝረኽቡኹም ሰራሕተኛታት፥ መታን ኣብቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ስርዓተ-መዝገብ (datasystem) ንኽትኣትዉ፥ ንዓኻን ንስድራቤትካን ብዙሕ ሕቶታት ከቕርቡልኩም እዮም።

ናይ ዑቕባ መጽናዕቲ ኪግበረልካ ምጽባይ

እቲ ብድሕሪኡ ኣብቲ መስርሕ ናይ ዑቕባ ዚውሰድ ስጕምቲ ድማ፥ መታን ናይ ዑቕባ ምሕታት መጽናዕቲ ኪግበረልኩም፥ ንስኻን ስድራቤትካን ተመሊስኩም ናባና ምምጻእ’ዩ። ኣብኡ ድማ፡ ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ምሕታት ከም ዝደሌኹም መግለጺ ንቕተቕርቡ፥ ንውሕ ዝበለ ቃለ-መሕትት ኪግበረልኩም እዩ። ናይ ዑቕባ ምሕታት መጽናዕቲ ንምግባር ንኽንደይ ዚኣክል ጊዜ ከም ዘጸቢ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ኣብቲ ውሳነ ንምርካብ ትጽበዩሉ እዋን፥ ምስ ሓደ ኣሃዱ ምምሕዳር ምቕባል ስደተኛታት (mottagningsenhet) ርክብ ክህልወኩም እዩ። እዞም ኣብዚ ምምሕዳር ምቕባል ስደተኛታት ዚሰርሑ ሰባት፥ ገለ ካብቲ ሓላፍነቶም፡ ቁጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብ ዘሎኩም መሰል ምውሳን እዩ። ከምኡ ውን፡ ውሳነ ምስ ተዋሂበኩም ሓበሬታ ዚህቡኹም፥ እንተደኣ “ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ሽወደን ንኸይትጸንሑ ውሳነ ወሲዱ ድማ ደገፍ ዚገብሩልኩምን እዮም።

እንተደኣ ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ ኣባይቲ ትቕመጡ ዄንኩም፥ ምስቶም ገዛውቲ ዘመሓድሩ ሰራሕተኛታት ናይቲ ምቕባል ስደተኛታት ውን ክትራኸቡ እኹም። ንሳቶም ብዛዕባ’ቲ ሕጊታትን፡ ካልእ ግብራዊ ሓበሬታታትን ኪህቡኹም እዮም። ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ ድማ፡ ኣስማትኩም፡ መዓስ ከም ዝተወለድኩምን እንታይ ቋንቋ ከም ትዛረቡን ክትነግሩ ኢኹም። እቶም ሰራሕተኛታት፡ ስድራ ቤትኩም እንታይ ከም ዚመስል፥ ብዛዕባ ሃለዋት ጥዕናኹም፡ ገለ ካብቶም ኣባላት ስድራቤትኩም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ምስ ዚህሉ ውን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። ሓደ ትፈርሖ ሰብ ወይ ኵነታት ምስ ዚህሉ ውን፥ ብዛዕባኡ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብታ ናይ መጀመርታ ኣኼባ፥ ኣሕጽር ኣቢልኩም ካበይ ከም ዝመጻእኩም፥ ብኸመይ ናብ ሽወደን ከም ዝመጻእኩም፥ ከምኡ ውን ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ምርካብ ከም ዝደሌኹም ክትገልጹ ኢኹም። ኣብቲ ዚቕጽል ናይ ዑቕባ ምሕታት መጽናዕቲ ዚግበረሉ ኣኼባ፥ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ንኽትህቡ፥ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ኪወሃበኩም እዩ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ድማ፡ እንተደኣ ንስኻ ደሊኻ ወይ እቶም ወለድኻ ውን ኣፍቂዶምልካ፥ ባዕልኻ ምስቶም ሰራሕተኛታት ውን ክትዛረብ ዕድል ኪወሃበካ ይኽእል እዩ።

መን ምዃንኩም ክተርእዩ

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ መታን ቅኑዕ ዝኾነ ውሳነ ኪወስድ ኪኽእል፥ ንስኻትኩም መን ምዃንኩምን፥ ንስኻትኩም ካበይ ከም ዝመጻእኩም ኪፈልጥ ይደሊ እዩ። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪፈልጦ ዚደሊ ድማ፥ ዕድመ ናይ ኵሎም ኣባላት ናይታ ስድራቤት እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ዑቕባ ንዚሓቱ ቆልዑን፥ እቲ ዑቕባ ንዚሓቱ ዓበይቲን ዚወሃብ መሰላት፥ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ እዩ።

ንስኻትኩም መን ምዃንኩም መግለጺ ከቕርቡ ሓላፍነት ዘሎዎም፥ እቶም ወለድኹም እዮም። እቲ ዝበለጸ መን ምዃንኩም ክተርእይሉ ትኽእሉ ኣገባብ፥ ንኣብነት ፓስፖርት ወይ መንነት ወረቐትካ ብምርኣይ እዩ። እንተደኣ ወለድኹም ንስኻትኩም መን ምዃንኩም ከርእዩ ዘይክኢሎም፥ ንስኻትኩም ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘሎኩም ንምግምጋም ን”ሚግራሾንስቨርከት” ከሸግሮ እዩ።

ስእሊን ምልክት ኣጻብዕቲን (ዓሻራ)

ስእሊ ክትልዓል ኢኻ፡ ቁመትካ ክትዕቀን ኢኻ፡ 6 ዓመት ዝመላእካ ምስ ትኸውን ድማ፡ ናይ ኣጻብዕቲ ምልክት (ዓሻራ) ክትህብ ኢኻ።

ምልክት ኣጻብዕ (ዓሻራ) ዚውሰደልካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንርቲ ምልክት ኣጻብዕትኻ ክተንብቦ ትኽእል ”ማሺን”፥ ኣብኡ ኣጻብዕትኻ ብምልጋብ እዩ። ዕድሜኻ 14 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ኤውሮጳ ተመዝጊብካ ንኸይትህሉ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናቱ ምቁጽጻር ኪገብር እዩ።

እቲ ምልክት ናይ ኣጻብዕትኹም፡ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትኩም ከም ዝነበርኩም ከርኢ እንተ ደኣ ክኢሉ፥ ወይ ውን ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር መንበሪ-ፍቓድ ከም ዘሎኩም እንተ ተፈሊጡ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናብቲ ሃገር’ቲ ንኽትምለሱ ኪውስን ይኽእል እዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ብተወሳኺ፡ እቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኹሞ ምልክታ፥ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ንኺምርመር ኪውስን ይኽእል’ዩ፥ እንተደኣ ኣብታ ሃገር’ቲኣ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎዉኹም ኮይኖም። ቅድሚ ከምኡ ምውሳኑ ግን፡ እቶም ሰራሕተኛታትና ብዛዕባኡ እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎኩም፥ ንዓኻን ንስኻን ስድራ ቤትካን ኪሓትኹም እዮም። እዞም ሕጊታት’ዚኦም፡ ሕጊታት-ዳብሊን ”Dublinförordningen” ተባሂሎም ይጽውዑ።

ኤል. ኤም. አ. ካርድ (LMA-kort)

”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናይ ስድራቤትካ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ መዝጊቡ ምስ ወድአ፥ ዑቕባ ሓቲትኩም ከም ዘሎኹም ዘረጋገጽ፥ ሓደ ምስክር ወረቐት ኪወሃበኩም’ዩ። ክልተ ሰሙን ጸኒሑ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ኪወሃበኩም እዩ።

ትርጉም ናይቲ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ዚብል ኣህጽሮ-ቃላት፥ ”ሕጊ ምቕባል ስደተኛታት” ማለት’ዩ። እዚ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ስእልኻ ዝተጠቅዖ መንነት ወረቐት’ዩ። ንሱ ድማ፡ ዑቕባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ ምስክር ወረቐትካ ኮይኑ፥ ክሳብ ውሳነ ዚወሃበካ ትጽበየሉ ጊዜ ድማ፥ ኣብ ሃገር ሽወደን ክትነብር ከም ትኽእል ዘፍቅደልካ እዩ። ኣብ ኵሉ’ቲ ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ወይ ምስ ሓኪም ወይ ውን መድሃኒት ካብ ፋርማቻ ንምውጻእ እትገብሮ ርክባት፥ እዚ ”ኤል. ኤም. አ” ካርድ (LMA-kort) ምሳኻ ኪህልወካ ይግባእ’ዩ።

መርመራ-ዑቕባ

መርመራ-ዑቕባ ዝበሃል፡ እቲ ንስኻን ስድራቤትካን ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምሕታት ከም ዝደሌኹም ብሰፊሑ እትገልጹሉ ናይ ቃለ-ምልልስ ጊዜ እዩ። እቲ ንሓንቲ ስድራቤት ዚግበር መርመራ-ዑቕባ ሓያሎ ሰዓታት ክወስድ ስለ ዚኽእል፥ ንምሉእ መዓልቲ ዚኣክል ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብኡ ክትውዕሉ ትኽእሉ ኢኹም። ናብቲ መርመራ-ዑቕባ ዚግበረልኩም ኣኼባ፥ መረጋገጺ ኪኾኑኹም ዚኽእሉ ነገራት ምሳኻትኩም ተማሊእኩም ክትመጹ ይግባእ። እዚ ድማ ንኣብነት፥ ናይ መንነት ወረቓቕቲን፡ ከምኡ ውን ካልእ፡ ነቲ ትዛረብዎ ዘሎኹም ርግጽ ምዃኑ ዘመሳኽር ነገራት ማለት’ዩ።

ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ኣብ መርመራ-ዑቕባ ዚግበር ቃለ-ምልልስ እናኣካየደ፥ ነቲ ንስኻትኩም ትብልዎ ነገራት ኣብ መዝገብ (ፕሮቶኮል) ከስፍሮ እዩ። ገለ እዋን ውን ኣብቲ ዚግበር መርመራ-ዑቕባ፥ ክልተ ናይ “ሚግራሾንስቨርከት” ሰራሕተኛታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓደ ሕቶታት ዘቕርብ ኪኸውን ከሎ፥ እቲ ካልኣይ ድማ መዝጋቢ ናይቲ ቃለ-ምልልስ ይኸውን ማለት’ዩ። እንተደኣ ጠበቓ ተመዲቡልኩም ኮይኑ ውን፥ ናብቲ መርመራ-ዑቕባ ኣሰንዩኩም ኪኸይድ ይኽእል’ዩ። ንሓድሕድኩም ክትረዳድኡ መታን ክትክእሉ ድማ፥ ሓደ ተርጓሚ ኣብ መንጎኹም ኪህሉ እዩ። ገለ እዋን ውን፡ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰባት ብቴሌፎን ወይ ብናይ ቪድዮ ርክብ፥ ኣብቲ መርመራ-ዑቕባ ዚግበረሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መርማሪ-ዑቕባ፥፡ ኣብ ሃገርኩም እንታይ ኣጋጢሙኩም ከም ዝነበረን፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም ድማ፡ እንታይ ከጋጥመና ይኽእል’ዩ ኢልኩም ከም ትኣምኑን ክሓተኩም እዩ። ብዛዕባ መንነትኩምን፡ ብኸመይ ናብ ሽወደን ክትበጽሑ ከም ዝኽኣልኩምን፥ ሕቶታት ከቕርበልኩም እዩ።

እዞም ሕቶታት ምናልባት ኣቐዲምካ ሰሚዕካዮም ክትከውን ትኽእል ኢኻ፥ ሕጂ ግን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረልካ ቃለ-ምልልስ ዝነውሐ ጊዜ ተዋሂቡካ፥ ኣስፊሕካ ብዝርዝር ንምግላጽ ዕድል ክትረክብ ኢኻ።

ቆልዑ ውን ክዛረቡ ይፍቀደሎም’ዩ

ኣብቲ ስምምዕ-ዋዕላ ሕጻናት ሰፊሩ ከም ዘሎ፥ እንተደኣ ደሊኻ ክትዛረብ መሰል ከም ዘሎካን፥ ዅሎም’ቶም ኣብቲ ንቖልዓ ኪጸሉ ዚኽእል ነገራት ውሳነ ዘሕልፉ ሰባት፥ እቲ ነቲ ቆልዓ’ቲ ዝበለጸ ነገር ኪሓስቡ ይግባእ፡ ዚብል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ “ሚግራሾንስቨርከት” ብፍላይ ነቶም ዑቕባ-ሓተቲ ቆልዑ፥ እንታይ ከም ዘሕለፉ ኪሰምዖም ይግባእ። ቆልዑ ካብቲ ናይ ወለዶም ዝተፈለየ ናይ ዑቕባ-መሕተቲ ምኽንያት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ መርማሪ-ዑቕባ ንዓኻ ውን ቃለ-መሕትት ኪገብረልካ ይደሊ’ዩ፥ እንተ ደኣ ንስኻ ውን ትደሊ ዄንካ፥ ወለድኻ ውን ሕራይ እንተ ደኣ ኢሎም። እንተ ደኣ ትደሊ ዄንካ፡ ወለድኻ ወይ ካልእ ንስኻ ትኣምኖ ሰብ፡ ኣብኡ ምሳኻ ኪህሉ ይኽእል እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ምኽንያት ኪምርምር ከሎ፥ እቲ ፈጻሚ-ጉዳይ፡ ነቲ መጽናዕቲ ናይ ጉዳይካ፡ ምስ ዕድሜኻ፡ ምስ ብስለትካን ጥዕናኻን፡ ከዛምዶ ክፍትን ይግባእ። ሓደ ሕቶ እንተ ዘይተረዲኡካ፥ ኣይተረድኣንን በል። ነቲ እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ነገራት እንተ ዘይተረዲኡካ ውን፥ ኣይርድኣንን’ዩ ዘሎ ኢልካ ምዝራብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክትዛረብ ድሌት ምስ ዘይህልወካ ውን ኣይትዛረብ። እቲ መርማሪ-ዑቕባ ብምንታይ ኵነታት ከም ዝሓለፍካ ንወለድኻ ኪሓቶም ይኽእል’ዩ።

ንስኻ ምናልባት ውን ብዛዕባ ንምምላሾም ኪኸብዱኻ ወይ ንምዝራቦም ከጻግሙኻ ዚኽእሉ ነገራት፥ ሕቶታት ኪቐርበልካ ይኽእል’ዩ። ዋላ’ኳ ከቢድ እንተ ኾነ ውን፥ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ሓቂ ዝኾነ ነገር ክትነግሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ተደጋጊሙ ሓደ ዓይነት ሕቶ ምስ ዚቐርበልካ፥ ጌጋ መሊሽካ ኔርካ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደእ እቲ መርማሪ-ዑቕባ ተወሳኺ መብርሂ ስለ ዝደልየን፥ ነቲ ትነግሮ ዘሎኻ ነገራት ብግቡእ ንኽርድኦ ስለ ዝደልን እዩ። ኣብ መንጎ’ቲ ቃለ-ምልልስ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ምስ ዘድልየካ፥ ነቲ መርማሪ-ዑቕባ ዕረፍቲ ክትገብር ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ውሳነ

“ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነቲ ኵሉ ዝበልኩሞን ነቲ ዘቕረብኩሞ ሰነዳትን ብድሕሪ ምጽናዕ - ከምኡ ውን፡ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ንስኻትኩም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ኪወሃበኩም ዚኽእል እንተ ኾይኑ፥ ውሳነ ከሕልፍ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ሽወደን መን’ዩ ዑቕባ ኪረክብ ዚግብኦ፥ ዚብል ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ከነጻጽሮ እዩ።

”ሚግራሺንስቨርከት” ዑቕባ ንኺወሃበኩም ምስ ወሰነ፡ እቶም ስድራኻ ናብ ኣኼባ ንኽትርከቡ መጻዋዕታ ኪልኣኸልኩም ኢዩ። ኣብቲ ዚግበር ኣኼባ ድማ፡ እቲ “ፈጻሚ-ጉዳይ” ብዛዕባ’ቲ ውሳነ መብርሂ ኪህበኩም’ዩ። ብድሕሪኡ እንታይ ከጋጥም ምዃኑ ድማ ሓበሬታ ኪህበኩም እዩ። እቲ ውሳነ ዝተጻሕፈሉ ናይ ሽወደን ቋንቋ ብምዃኑ፥ እቲ “ፈጻሚ-ጉዳይ” ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ፥ ትሕዝቶኡ እንታይ ማለት ምዃኑ ኪገልጸልኩም እዩ።

እቲ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ መግለጺ ዚህበኩም ”ፈጻሚ-ጉዳይ”፥ ንሱ እቲ ቃለ-ምልልስ ዝገበረልኩምን፥ እቲ ነቲ ውሳነ’ቲ ዘሕለፈን ሰብ፥ ሓደ ከይከውን ይኽእል እዩ። ኵሉ ጊዜ ነቲ ውሳነ ዘሕልፍዎ፡ ክልተ ሰባት ብሕብረት ኮይኖም እዮም። እቲ ከምኡ ንገብረሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ዚውሰድ ውሳነ ቅኑዕ መታን ኪኸውን ንምርግጋጽ ተባሂሉ እዩ። እቲ ኣብ “ሚግራሾንስቨርከት” ዘሎዉ “ፈጸምቲ-ጉዳያት”፥ ከከምቲ ንሳቶም ዚደልይዎ ኪውስኑ ዘይኮነስ፥ ነቲ እቲ ሕጊ ዚብሎ ኪስዕብዎ ይግባእ።

እወ ወይ ኣይፋል

ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኹሞ ምልክታ እወ ዚብል መልሲ እንተ ረኺብኩም፥ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበኩም፡ ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ መሰል ይህልወኩም።

ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኹሞ ምልክታ ኣይፋል ዚብል መልሲ እንተ ረኺብኩም፥ እቲ ምልክታኹም ተነጺጉ ኣሎ ማለት እዩ።

መን ዑቕባ ኪረክብ ይፍቀደሉ?

ኣብ ሕጊ ሽወደን መን ዑቕባ ንምርካብ ከም ዚፍቀደሉ ኣብኡ ሰፊሩ ይርከብ። “ሚግራሾንስቨርከት” ነቶም ንስኻን ስድራቤትካን ዘቕረብኩሞም ምኽንያታት፥ ዑቕባ ከውህቡ ዚኽእሉ እንተ ኾይኖም ይምርምሮም። መንበሪ ፍቓድ ኪወሃበካ ዚኽእል፥ እንተ ደኣ “ስደተኛ” ዄንካ ወይ ውን “ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” እንተ ተቖጺርካ ወይ ውን ብኻልእ ምኽንያት ምጽናሕ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን እዩ።

ስደተኛ

ብመሰረት መግለጺ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ”FN:s flyktingkonvention” ከምኡ ውን ሕጊ ሽወደን ስደተኛ ክትበሃል ትኽእል፥ እንተ ደኣ በዞም ዚስዕቡ ምኽንያታት ሓሳረ-መከራ ከይወርደካ ኣብ ስግኣት ኣሎኻ እዩ፡-

  • ዘርኢ/ዓሌት
    – ንኣብነት ብምኽንያት’ቲ ዘሎካ ሕብሪ-ቆርበት
  • ዜግነት
    – ንኣብነት ብምኽንያት ዜግነትካ፡ ቋንቋኻ ወይ ብሄርካ
  • ሃይማኖት
    – ኣበየናይ ኣምላኽ ከም ትኣምን፥ ወይ ውን ኣማኒ ብዘይምዃንካ
  • ፖለቲካዊ ርድኢት
    – ንኣብነት ሃገርካ ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘሎዋ ብዘሎካ ኣረኣእያ
  • ጾታ
    – ወዲ ወይ ጓል ብምዃንካ
  • ጾታዊ ዝምባለ
    - ንኣብነት ጓል ኴንኪ ኣዋልድ ተፍቅሪ ምስ ትኾኒ ወይ ወዲ ዄንካ ኣወዳት ተፍቅር ምስ ትኸውን
  • ካብ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ-ጕጅለ ምዃን
    – ገለ እዋናት፡ ህጻናት ከም ናይ ርእሶም ማሕበራዊ ጕጅለ ኪቑጸሩ ይኽእሉ እዮም።

ገለ እዋናት፡ እቶም ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ስልጣን ዘሎዉ ሰባት’ዮም፥ ንደቂ-ሰባት ሓሳረ-መከራ ብምጽጋብን ብምፍርራሕን፥ ካብ ዓዶም ከም ዚስደዱ ዚገብሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሓሳረ-መከራ ኣጽጊቦም ተሰዲድካ ዑቕባ ንኽትሓትት ዚገብሩኻ ሰባት፥ ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጀለታት ውን ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ፡ እቶም ሰበስልጣናት ናይ ሃገርካ (ንኣብነት ፖሊስ)፥ ንዓኻ ግዳይ ዝኾንካ ሰብ፡ ኪከላኸሉልካ ወይ ኪሕግዙኻ ምስ ዘይክእሉን ወይ ምስ ዘይደልዩን እዩ።

እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳረ-መከራ ኣሕሊፍካ ከይኣክል ድማ፥ ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ ውን፥ ከም ብሓድሽ ግዳይ ናይ ዝገደደ ሓሳረ-መከራ ንኽትከውን ተኽእሎ ምስ ዚህሉ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እዩ፥ እቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መርማሪ-ዑቕባ፥ ንስኻ ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ፡ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ትኣምን? እናበለ ዝሓተካ።

ከም ስደተኛ እንተ ደኣ ተቖጺርካ፡ መንበሪ-ፍቓድ ን3 ዓመት ይወሃበካ።

ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ

ከምቲ ኣብ ሕጊ ሽወደን ሰፊሩ ዘሎ፥ ገለ እዋናት፡ ናብ ሃገርካ ኽትምለስ እንተ ደኣ ፍርሒ ዚስምዓካ ኾይኑ፥ ዋላ’ኳ ብመሰረት እዞም ኣብ ላዕሊ ተገሊጾም ዘሎዉ ነጥቢታት ከም ስደተኛ እንተ ዘይተቖጸርካ፥ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ድማ ንስኻ፡ እንተ ደኣ ኣብ ሃገርካ ማእሰርቲ፡ መውቃዕቲ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ውን ዘይሰብኣዊን ኣዋራዲን ዝኾነ ኣተሓሕዛ ንኺግበረልካ ኣብ ሓደጋ ኣሊኻ፥ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተባሂልካ ኢኻ ትጽዋዕ። ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ-ፍቓድ ውን ኪወሃበካ ይኽእል እዩ፥ እንተ ደኣ ኣብ ሃገርካ ዝተወልዐ ጽዕጹዕ ኲናት ኣልዩ፥ እሞ ኣብኡ እንተ ጸኒሕካ ድማ ንኽትቅተለሉ ትኽእል ሓደጋ ምስ ዚህሉ እዩ።

እቲ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ኮይኑ ዝተቖጽረ ድማ፥ ን13 ኣዋርሕ መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቦ።

መንበሪ-ፍቓድ ብኻልእ ምኽንያታት

ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ብኻልእ ምኽንያት ውን መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ፤ ዋላ’ካ እቲ ሰብ’ቲ (እታ ሰብ’ቲኣ) ነቶም ከም ”ስደተኛ” ሰብ ወይ ”ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” ንኽትቁጸር ብሕጊ ዚጥለቡ መግለጺታት ዘየማልእ እንተኾነ። እዚ ከም’ዚ ግን፡ ልሙድ ዘይኮነ ግን ድማ፡ ኣብ ሓደ ፍሉይ ናይ ህይወት ኵነታት ምስ ትርከብ፥ ንኣብነት ንስኻ ብዝጽኑዕ ዝሓመምካ ወይ ውን እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሃለዋት ኣዝዩ ኣጻጋሚ ኵነታት ምስ ዚኸውን እዩ።

መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ

መንበሪ ፍቓድ ምርካብ ማለት፥ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ፥ እወ ዚብል መልሲ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ፡ ፍቓድ ረኺብኩም ኣሎኹም።

ንስኻን ስድራቤትካን መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡኩም፥ ናብ ኣኼባ ንኽትርከቡ ካብቲ ኣሃዱ ምምሕዳር መቐበል ስደተኛታት (mottagningsenheten) መጻዋዕታ ኪልኣኸልኩም ኢዩ። ኣብቲ ዚግበር ኣኼባ ድማ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ውሳነ እንታይ ሰፊሩ ከም ዘሎን፥ ስለምንታይ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡኩም ከም ዘሎን፥ መብርሂ ኪህበኹም እዮም። መንበሪ-ፍቕድ ተዋሂቡኩም ከም ዘሎ ድማ፥ ምስክር ወረቐት ኪወሃበኩም እዩ።

መንበሪ-ፍቓድ ምስ ረኸብኩም፡ ናብ ”ቤትስልጣን ኣታዊ ግብሪ” (Skatteverket) ኬድኩም ኣብ ህዛባዊ-መዝገብ ክትጽሓፉ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣርባዕተ ቁጽሪ ዘሎዎ “መለለዪ-ቁጽሪ” (ፐርሾን-ኑመር) ኪወሃበኩም እዩ።

ኣብ ትሕቲ ምሕደራ “ሚግራሾንስቨርከት” ክትነብሩ ዝጸናሕኩም ምስ ትኾኑ፥ ናብ ሓድሽ መንበሪ ገዛ ንኽትግዕዙ ሓገዝ ኪግበረልኩም እዩ።

ተዋሂቡኒ ዘሎ መንበሪ-ፍቓድ ንኽንደይ ጊዜ ዘገልግል’ዩ?

እንተ ደኣ ከም “ስደተኛታት” ተጸዊዕኩም፥ ንሰለስተ ዓመት ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ይወሃበኩም። እንተ ደኣ ከምቶም “ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት” ተጸዊዕኩም ግን፥ ን 13 ኣዋርሕ ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ይወሃበኩም። እቲ ጊዜ’ቲ ምስ ተወድአ ድማ፡ ንኽናውሓልኩም ምልክታ ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሽዑ ውን እንተ ኾነ፥ ዑቕባ ዘድልየኩም ምስ ዚኸውን፡ ንኽልተ ዓመት ተወሳኺ መንበሪ-ፍቓድ ይወሃበኩም።

ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ

ንሰለስተ ዓመት መንበሪ-ፍቓድ ተቐቢልኩም ምስ ጸናሕኩም፥ ምስቲ ተቕርብዎ ናይ ምንዋሕ ምልክታ ብምትሕሓዝ፥ ንቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ውን ክተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ዕድሜኻ 15 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ስነ-ስርዓት ዘሎዎ ህይወት ክትነብር ዝጸናሕካ ሰብ ክትከውን ኣሎካ። ንስኻ ንኣብነት፡ ገበን ዝፈጸምካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ እቲ ቀዋሚ መንበር-ፍቓድ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ኪንጸግ ይኽእል እዩ። ንቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ እዋን፥ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን፥ ንስኻ ስራሕ ዘሎካ ክትከውንን - ነፍስኻ ውን ባዕልኻ ክተመሓድር ትኽእልን ሰብ ክትከውን ይግባእ።

ዋላ’ኳ ነቶም ጠለባት ናይ “ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ” ዘይተማልእ ምስ ትኸውን፥ እቲ መንበሪ-ፍቓድካ ግን ክናውሓልካ ይኽእል’ዩ፥ እንተደኣ ሽዑ ውን ዑቕባ ዘድልየካ ሰብ ምስ ትኸውን።

ዘቕረብክሞ ምልክታ እንተ ተነጺጉ

ተነጺጉ ማለት፡ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብኩሞ ምልክታ ኣይፋል ዚብል መልሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽዑ ንስኻትኩም ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሑ ኣይፍቀደልኩምን እዩ።

ንስኻን እቶም ወለድኻን፡ ናብ ሓደ ኣኼባ ክትጽውዑ ኢኹም፥ ኣብኡ ድማ እቶም ሰራሕተኛታትና፡ ኣብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ውሳነ እንታይ ሰፊሩ ከም ዘሎ ንምርድኡ ኪሕዙኹም እዮም። ንስኻን ወለድኻን ትደልዩ እንተ ዄንኩም፥ ንስኻ ውን ኣብቲ ኣኼባ’ቲ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ምልክታኻ ተነጺጉ’ዩ ማለት፡ “ሚግራሾንስቨርከት” ንስኻትኩም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንኽትረኽቡ እኹል ዝኾነ ምኽንያት ከም ዘይብልኩም ጌሩ ተረዲእዎ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ንስኻትኩም ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ይግባእ። ሽዑ ድማ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ብኸመይ ናብ ሃገርኩም ከም ትምለሱ መደብ ኣብ ምውጻእ ንወለድኻ ኪሕግዞም እዩ።

ይግባይ ምባል

ነቲ ብ”ሚግራሾስንቨርከት” ዝተዋህበ ውሳነ እንተ ዘይተሰማሚዕኩምሉ፥ ወለድኻ ይግባይ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ድማ፡ ናብ “ሚግራሾንስቨርከት”ደብዳበ ጽሒፎም፥ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ ስለምንታይ ጌጋ ከም ዝኾነን፥ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ውሳነ’ቲ ንኪቕይሮን ኪገልጹ እዮም። ጠበቓ ተመዲቡልኩም እንተ ደኣ ኔሩ፥ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ንኽትጽሕፉ ኪሕግዘኩም ይኽእል’ዩ።

እንተ ደኣ እቲ “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጥርዓንኩም ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ፥ “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ ኪቕይሮ’ዩ። ሽዑ ድማ ኣብ ሽወደን ክትጸንሑ ኪፍቀደልኩም እዩ። “ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” እንተ ደኣ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንኩም ነጺግዎ፥ እቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ውሳነ ቅኑዕ ኔሩ ኢሉ ኣሚኑ ኣሎ ማለት’ዩ። ሽዑ ድማ፡ ናብ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት”፡ እቲ ንጥርዓን ገለ ፍሉያት ጉዳያት ጥራይ ዚርኢ ቤት ፍርዲ ኮይኑ፥ ኣብ ምትርጓም ናይቲ ሕጊ ዘይንጹርነት ምስ ዚርከብ ጥራይ ዓልዕሉ ኪርእዮ ዚኽእል። “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነቲ ናታትኩም ጉዳይ ከም ብሓድሽ ንኸይልዓል እንተ ደኣ ወሲኑ፥ ካብኡ ንንዮ ቀጺልኩም ይግባይ ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም ማለት’ዩ። እቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝተወስደ ውሳነ ድማ ከገልግል ይጅምር። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ውሳነ ጸኒዑ ኣሎ (får laga kraft) ማለት’ዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ነቲ ኣእትይዎ ዘሎ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኪስሕቦን፥ ኣብ ክንድኡ ድማ ናብ ሃገሩ ሕራይ ኢሉ ንኺምለስ ኪውስን ይኽእል’ዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብ “ሚግራሾንስቨርከት” ናይ መምለሲኻ ሓገዝ ኪግበረልካ ይኽእል’ዩ።

ናብ ሃገርካ ምምላስ

ወለድኻ ነቲ ዝተዋህቦም ውሳነ ይግባይ ይበሉ ወይ ኣይበሉ፥ ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ግን ምድላው ክትገብሩ ይግብኣኩም’ዩ። ወለድኻ፡ ንሳትኩም ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ እንታይ ምግባር ከም ዘድሊ ንምዝርራብ፥ ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ብዙሓት ኣኼባታት ከከይዱ ይኽእሉ እዮም። ንስኻን ወለድኻን እንተ ደሊኹም* ንስኻ ውን ኣብቲ ኣኼባታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻትኩም ከምቲ ኣብቲ ውሳነ ተጻሒፉ ዘሎ፥ ካብ ሃገር ሽወደን ንኽትወጹ ሓላፍነት ክወስዱ ዘሎዎ፥ እቶም ናትካ ወለዲ እዮም። ኣብቲ ዝተመደበልኩም ጊዜ እንተ ዘይወጺእኩም፥ ዳሕራይ ጊዜ ናብ ሽወደን “እገዳ ዳግመ-ምጋሽ” ኪውሰነልኩም ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻትኩም ናብ ኤውሮጳ ወይ ናብ ሽወደን ንዝተወሰነ ዓመታት ንኸይትምለሱ ክትክልከሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ወለድኻ፡ ነቲ ውሳነ ሕራይ ኢሎም ተቐቢሎም ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምትሕብባር ምስ ዚገብሩ፥ ሓገዝ ኪወሃቦም ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ቲከት ንምግዛእን ካልእ ነቲ መገሻ ዘድልዩ ግብራዊ ነገራትን ሓገዝ ኪግበረልኩም’ዩ። ክሳብ’ቲ ናይ መገሻኹም ጊዜ ድማ፥ ናይ ገንዘብን መንበሪ ቦታን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኪህልወኩም እዩ።

ነቲ ዝሓለፈ ውሳነ ምስ ዘይትስዕብዎ

”ሚግራሾንስቨርከት” ንኽትምለስ ኪሕግዘካ ዚኽእል፥ ወለድኻ ባዕሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምስ ዚሰማምዑ ጥራይ እዩ። ”ሚግራሾንስቨከት” ናብ ኣኼባታት ኪጽወዓኩም ከሎ እንተ ዘይመጺእኩም ወይ ውን ክትተሓባበሩ ድሌት ከም ዘይብልኩም ምስ ተርእዩ ግን፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጉዳይኩም ናብ “ቤትስልጣን ፖሊስ” ከሕልፎ እዩ።

እቲ ጉዳይኩም ናብ “ቤትስልጣን ፖሊስ” ምስ ዝተሓላለፍ፥ ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት”ን ናይ ቤት ፍርዲን ውሳነ ክትስዕብዎ ከም ዘሎኩም ዚገበር፥ እቲ “ቤትስልጣን ፖሊስ” እዩ። ማለት፡ ካብ ሽወደን ከም ዝወጻእኩም ከረጋግጽ ዘሎዎ እቲ ቤትስልጣን ፖሊስ እዩ።

ሓደስቲ ተረኽቦታት ብድሕሪ ምንጻግ

ገለ እዋናት፡ ብድሕሪ’ቲ ውሳነ ምሕላፉ ካብ ሃገር ሽወደን ንኸትወጹ ዘየኽእል ኵነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራቤት ብጽኑዕ ሓሚሙ ኪገይሽ ምስ ዘይክእል ወይ ውን ሓደስቲ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምኽንያታት ምስ ዘጋጥሙ ወይ ውን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ውሳነ’ቲ ከሕልፍ ከሎ ከይፈለጦ ዝጸንሐ ናይ ዑቕባ መሕተቲኹም መርትዖታት ምስ ዚርከብ እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ምስ ዘጋጥም፥ ወለድኻ ብጽሑፍ ጌሮም ን”ሚግራሾንስቨርከት” እንታይ ከም ዘጋጠመ ኪገልጹሉ ይግብኦም። ሽዑ ድማ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ እቶም ቀሪቦም ዘሎዉ ምኽንያታት፥ ነቲ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕኩም ጉዳይ ደው ንኸብሎ እኹል ምኽንያት እንተ ኾይኑ ይውስን።

ገለ እዋናት፡ መታን ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ሓድሽ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ንምጽናዕ ጊዜ ኪረክብ፥ እቲ ምስጓግ ንጊዚኡ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። እቲ ንግዚኡ ደው ከም ዚብል ምግባር ድማ፥ ”ምዕጋት ውሳነ” (inhibition) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ኣብ ትጽበዩሉ ጊዜ

ኣብ ሃገር ሽወደን ክሳብ ዝሃሎኻ፥ ናብ ቤትትምህርቲ ክትከይድን ክንክን-ሕማም ክትረክብን መሰል ኣሎካ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ጉዳይኩም ናብ ”ቤትልስጣን ፖሊስ” ኣተሓላሊፍዎ እንተ ሃለወ እዩ።
ካብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትወጸሉ ጊዜ፡ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ተማሊእካዮም ክትከይድ ጽቡቕ’ዩ፡-

  • ኣብዚ ኣብ ትምህርቲ ትኸይድ ከም ዝነበርካ ዚምስክር ወረቐት
  • ካብ ቤትትምርህቲ ናይ ነጥቢታት ምስክር ወረቐት፡ ምስ ዚህልወካ
  • ናይቶም ብቐጻሊ ውን ክትራኸቦም ትደሊ ሰባት ናይ ቡስጣ ኣድራሻ፥ ኢ-መይል ኣድራሻ ከምኡ ውን ቁጽሪ ቴሌፎንን እዩ።

ናትካ መሰላት

ኣብ ሽወደን ንስኻ፡ 18 ዓመት ክሳብ ትመልእ ከም ቆልዓ ኢኻ ትቝጸር። እቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ፥ ከም ኵሎም ናይ ሽወደን ቆልዑ ሓደ ዓይነት መሰል’ዩ ዘሎዎም።

እዚ ማለት ድማ ንኣብነት፥ ንስኻ ብውሕስነት ክትነብር፥ ናብ ቤትትምህርቲን ናብ ናጻ ጊዜን ክትከይድ መሰል ኣሎካ። ዘድልየካ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ክትረክብ ውን መሰል ኣሎካ። ብዛዕባ ኣካላትካ ናይ ምውሳን መሰል ኣሎካ። ዝኾነ ሰብ ድማ፡ ጾታዊ ርክብ ንኽትገብር(ሪ) ወይ ንኽትምርዖ(ዓዊ) ከገድደካ(ኪ) ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ሰብ ንዕኻ ኪወቕዓካ ወይ ከፈራርሓካ ውን ኣይፍቀደሉን’ዩ።

“ውዕል መሰል ሕጻናት” ናይ ሕቡራት ሃገራት፥ እቲ መሰል ሕጻናት ዝበሃል፥ ኣብ ሽወደን ከም ሕጊ እዩ ዚውሰድ። ኣብኡ ድማ፡ ኵሎም ቆልዑ እንታይ መሰላት ከም ዘሎዎም ተዘርዚሩ ይርከብ። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕጊታት ናይቲ ውዕል ሕጻናት፥ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

  • ኵሎም ቆልዑ ናይ ምንባርን ናይ ምምዕባልን መሰል ኣሎዎም
  • እቲ ንቖልዓ ብዝበለጸ ዘርብሕ - ንሱ ኣገዳሲ ኪኸውን ኣሎዎ
  • ቆልዑ ናታቶም ሓሳባት ከቕርቡ መሰል ኣሎዎም
  • ኵሎም ቆልዑ ሓደ ዓይነት መሰላት ኣሎዎም

እቶም ናትካ ሓላፍነት ዘሎዎም ሰባት፡ ንዓኻ ውን ኪጸልወካ ዚኽእል ውሳነ ኣብ ዚወስዱሉ ጊዜ፥ ንስኻ እንታይ ከም ትደሊን - ብዛዕባ’ቲ ንዓኻ ጽቡቕ ዝኾነ ነገር ኪሓስቡን ይግብኦም እዩ። ንስኻ ሓሳባትካ ክትገልጽን፡ እቲ ትብሎ ድማ ኪስማዕን መሰል ኣሎካ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ጊዜ እቲ ንስኻ ትደልዮ ነገር ጥራይ ኪፍጸም እዩ ማለት ኣይኮነን።

እቶም ትራኸቦም ሰባትን ኣብያተ-ስልጣንን

ንስኻ፡ ምስ ብዙሓት ነንበይኖም ብዛዕባ ንዓኻን ንስድራቤትካን ዚምልከቱ - ነንበይኖም ጉዳያት ሓላፍነት ዘሎዎም ሰባት ክትራኸብ ኢኻ።

ሚግራሾንስቨርከት

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ናይቲ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ሽወደን ምጽናሕኩም ውሳነ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ዘሎዎ ቤትስልጣን እዩ። ትቕመጡሉ ቦታ ዘይብልኩም ምስ ትኾኑ፥ ክሳብ’ቲ ውሳነ ንምርካብ ትጽበዩሉ ጊዜ፥ ኣብቲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዘመሓድሮ ጊዚያዊ መንበሪ ኣባይቲ ቦታ ክትቅበሉ ኢኹም። ናይ ርእስኹም ገንዘብ ምስ ዘይህልወኩም ውን፥ ወለድኻ መታን መግቢን ክዳውንትን ምግዛእ ኪኽእሉ፥ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሓገዝ ኪግበረልኩም እዩ።

ንስኻ፡ ምስ ወለድኻ ሓቢርኩም ብዙሕ ጊዜ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትበጽሑ ክትመጹ ኢኹም። ኣብኡ ድማ፡ ምስ ብዙሓት ኣብኡ ዚሰርሑ ነንበይኖም ሰባት ክትራኸቡ ኢኹም።

ምምሕዳር ኮሙን (ቀበሌ)

እቲ ምምሕዳር ናይቲ ኮሙን (ክፍለ-ከተማ)፥ ንስኻ ናብ ቤትትምህርቲ ናይ ምኻድካ ሓላፍነት ዚወስድ ንሱ እዩ። ንኣሽቱ ሕጻናት ውን፡ ኣብቲ ወለዶም ኣብ ስራሕ ዚኾኑሉ ጊዜ፥ ኣብ መዋዕለ-ሕጻናት ኪኸዱ ይፍቀደሎም’ዩ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ኣብኡ ይሰርሑ እዮም፥ ስለዚ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ወይ ውን ብዛዕባ ሃገር ሽወደን ብኸመይ ኣገባብ ከም ዚሰርሕ፥ ምስኦም ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ምምሕዳር ናይቲ ኮሙን፡ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänsten) ዚበሃል ቤትስልጣን ኣሎ። እዚ ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት እዚ፥ ነቶም ኣብ ገዝኦም ቅሳነት ዘይስምዖም ቆልዑ ወይ ውን ዚኣልዮም ወላዲ ዘይብሎም ቆልዑ፡ ሓገዝ ዚገብር እዩ።

ተርጓማይ

መታን ንስኻን ወለድኻን ምስቶም ሰራሕተኛታት ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትረዳድኡ ክትክእሉ፥ ነቲ ንስኻትኩም ትብልዎ ነገራት ዚትርጕም ሓደ ሰብ ኪህሉ እዩ። እቲ ተርጓማይ ቋንቋ ሽወደንን እቲ ንስኻትኩም ትዛረብዎ ቋንቋን ዚዛረብ እዩ። እቲ ተርጓማይ ኪትርጉመልኩም ከሎ፥ ወይ ኣብቲ ዘሎኹሞ ክፍሊ ሓቢሩ ምስኻትኩም ይህሉ፥ ወይ ድማ ብቴሌፎን ወይ ብቪድዮ መራኸቢ ኪትርጉመልኩም ይኽእል እዩ። እቲ ተርጓማይ፡ ኵሉ’ቲ ኣብቲ ክፍሊ’ቲ ዝበሃል ነገራት ኪትርጕሞ እዩ፥ ካልእ ዚውስኾ ነገር የብሉን።

እቲ ተርጓማይን ንስኻን ብቛንቋ ትረዳድኡ ክትኮኑን፥ እቲ ተርጓማይ ምሳኹም ከሎ ድማ፥ ደፊርካ ኵሉ ክትብሎ ትደሊ ነገራት ምዝራብን፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ነቲ እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ዘይትርድኦ ምስ ትህሉ፥ ክትነግር ይግብኣካ እዩ። እቲ ተርጓማይን ንስኻን ኣዝማድ ምስ ትኾኑ ወይ ውን ብኻልእ መገዲ ትፋለጡ ምስ ትኾኑ፥ ንሱ ውን ክትሕብር የድሊ’ዩ። ዚትርጕመልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኪኸውን ምስ ትደሊ ውን፥ ንስኻ(ኺ) ባዕልኻ ወይ ወለድኻ ኣቐዲሞም ኪሕብሩ ይግባእ።

ንስኻን ስድራቤትካን፡ ኣብ ኣገዳሲ ኣኼባታት ኣብ ትርከቡሉ ጊዜ፥ ተርጓማይ ክትረኽቡ መሰል ኣሎኩም’ዩ። እዚ ድማ፡ ንኣብነት ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” ወይ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ”ኮሙን” ወይ ምስ ሓኪም ወይ ውን ወለድኻ ምስ ሓደ መምህር ኣብ ዚዛራርቡሉ ጊዜ እዩ። ቆልዑ ካብ ወለዶም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ይመሃሩ እዮም። እንተ ኾነ ግን፡ ንስኻ ብፍጹም ናይ ወለድኻ ተርጓማይ ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ዓበይቲ ሰባት ነንሕድሕዶም ኣብ ዚዛረቡሉ ጊዜ፥ ንስኻ ንኽትትርጉም ሓላፍነት የብልካን።

ሕጋዊ ጠበቓ

ሓደ ሕጋዊ ጠበቓ ዝበሃል፥ ሕጊ ሽወደን ዚፈልጥ፡ ንዓኻን ንስድራቤትካን ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ንኽተቕርቡ ዚሕግዘኩም ሰብ ማለት’ዩ። እቲ ናታትኩም ሕጋዊ ጠበቓ መን ከም ዚኸውን ዚውስነልኩም ”ሚግራሾንስቨርከት” እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሱ/ንሳ ሰራሕተኛ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ግን ኣይኮነን። እንተ ደኣ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሕጋዊ ጠበቓ ኪህልወኩም ወሲኑ፥ ንስኻትኩም ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልየኩምን እዩ። ወለድኻ እንተ ደኣ ሓደ ፍሉይ ንሳቶም ዚደልይዎ ጠበቓ ኪህልዎም ዚደልዩ ኮይኖም፥ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ኪሕብሩ ይኽእሉ እዮም።

ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ

ኵሎም’ቶም ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዚሰርሑ ሰባት፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ (tystnadsplikt) ኣሎዎም። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ንሳቶም ብዛዕባኻን ብዛዕባ ስድራቤትካን ዝፈልጡዎ ነገራት፥ ንዝኾነ ሰብ ኪነግሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። እቶም ወለድኻን እቶም ብዛዕባ ምልክታኻ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታትን ጥራይ እዮም፥ ነቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንኺፈልጡ መሰል ዘሎዎም።

እቲ ተርጓማይን እቲ ሕጋዊ ጠበቓን ውን ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎዎም እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ኮሙን፡ ኣብ ኣብያተ-ሕክምናን ኣብ ኣብያተትምህርቲን ዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ውን፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ዘሎዎም እዮም።

ኵሎም ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ዘሎዎም ሰባት፥ ነቲ ዘሎዎም ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኪስዕርዎ ይፍቀደሎም’ዩ። እንድሕሪ ምስ ካልእ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ ኪዛረቡ ኮይኖም እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንስኻ ብገለ ምኽንያት እንተ ደኣ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ከም ዘሎኻ ጥርጣረ ሓዲርዎም እዩ።

ወለድኻ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ የብሎምን፥ ምኽንያቱ ድማ ንሳቶም ብዛዕባኻ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ክዘራረቡ ሓላፍነቶም ስለ ዝኾነ።

መንበሪ ቤት

ምስኦም ክትቅመጡ ትኽእሉ ኣዝማድ ወይ ፈተውቲ ምስ ዚህልዉኹም፥ ከምኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ ወለድኻ ኣበይ ትቕመጡ ከም ዘሎኹም ን”ሚግራሾንስቨርከ” ኪሕብሩ ይግባእ፡ እዚ ድማ፡ መታን ንዓኻትኩም ደብዳበታት ክንልእከልኩም ክንክእል እዩ።

ትነብሩሉ ቦታ ዘይብልኩም ምስ ትኾኑ፥ ኣብ ሓደ ካብቲ ብ”ሚግራሾንስቨርከት” ዚመሓደር ጊዚያዊ መንበሪ ኣባይቲ ክትቅመጡ ትኽእሉ ኢኹም። ንሱ ድማ፡ ሓደ ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ዚቕመጡሉ ዓቢ ህንጻ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።ወይ ውን ኣብ ሓደ ስሩዕ መንበሪ ቦታ ዚርከብ ”ኣፓርታማ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ ከም ትነብሩ ብዘየገድስ፡ ንስኻ/ኺ ግን ምስ ስድራቤትካ ሓቢርኩም ኣብ ሓደ ቦታ ኢኹም ክትቅመጡ።

መንበሪ ገዛ ንምርካብ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሓገዝ ዘድልየኩም ምስ ዚኸውን፥ ኣበይ ቦታ ክትነብሩ ከም ትደልዩ ክትመርጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብቲ ዝተረኽበልኩም ቦታ’ዩ መንበሪ ገዛ ዚህበኩም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ክሳብ’ቲ ውሳነ ንኽትረኽቡ ትጽበዩሉ እዋን፥ ናብ ካልእ ከባቢ ንኽትግዕዙ ውን ክትግደዱ ትኽእሉ ኢኹም።

”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሑ እንተ ደኣ ወሲኑ፥ ናይ ርእስኹም መንበሪ ቦታ ክትረኽቡ ሓገዝ ኪግበረልኩም እዩ።

ጥዕና

ንስኻ፡ ከም ኵሎም ናይ ሽወደን ቆልዑ፥ ሓደ ዓይነት ናይ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ምርካብ መሰል ኣሎካ። ኣብ ሽወደን ንዅሎም ቆልዑ፥ ክንክን-ሕማምን ክንክን-ስኒን ብናጻ’ዩ ዚግበረሎም። ካብ ኣባላት ስድራቤትኩም ሓደ ሰብ ናብ ሓኪም ኪርአ ወይ ናብ ሓኪም-ስኒ ምኻድ ምስ ዘድልዮ፥ ነታ ”ኤል. ኤም. አ. ካርድ” (LMA-kort) ከርኢ ይግብኦ እዩ።

ኵሎም’ቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት፥ ናይ ጥዕና መርመራ ንኺግበሩ ይዕደሙ እዮም። እቲ ናይ ጥዕና መርመራ ምግባር ዘድሊ ድማ፥ መታን ክንክን-ሕማም ዘድየኩም እንተ ኾይኑ ቅልጡፍ ሕክምናን ሓገዝን ንኽትረኽቡ ተባሂሉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ መታን ክንክን-ሕማም ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ሓበሬታ ንኽንህበኩም ብማለት’ዩ። ገለ ዘይተረደኣኩም ነገር ምስ ዚህሉ፥ ሕቶታት ንምሕታት ነቲ ዕድል’ቲ ተጠቐሙሉ። ኣብ ጥዕናኻ ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎ ከይፈራሕካ ንገር። እቶም ሰራሕተኛታት ቤት ሕክምና፡ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎዎም፥ እቲ ናይ ጥዕና መርመራ፡ ነቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘእተኻዮ ምልክታ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ።

መርመራ ዓይኒ

መነጸር ዓይኒ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንምርካብ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ምስ እንዳ መነጸር-ዓይኒ ቆጸራ ትገብር።

ክንክን-ስኒ

ንስኻ መከላኸሊ ሕማም-ስኒ ከምኡ ውን ሕክምና-ስኒ ክትረክብ መሰል ኣሎካ’ዩ፤ እንተ ደኣ እቲ ሓኪም ዘድልየካ ምዃኑ ገምጋም ወሲዱ። ክንክን-ስኒ ንዅሎም ኣብ ሽወደን ዘሎዉ ቆልዑ ብናጻ እዩ ዚግበረሎም።

መውቃዕትን ጾታዊ-ዓመጽን

ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ኣዋልድ፡ ኣብቲ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዝነበረን ናይ ስደት ጕዕዞ፥ ወይ ኣብ ሃገረን ከሎዋ፡ መውቃዕቲን ወይ ውን ጾታዊ ዓመጽን ኣጋጢሙወን ዝነበራ እየን። ኣብ ህይወትካ ብኸምኡ ዓይነት ተሞኩሮ ምሕላፍ፥ ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊን መጕዳእቲ ስምዒት ይሓድገልካ እዩ። ይኹን እምበር ሓገዝ ግን ክትረክብ ድማ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንስኺ፡ ኣብቲ ናይ ጥዕና መርመራ ትገብርሉ ጊዜ፥ ብዛዕባ እዚ ነገር’ዚ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና፥ ወይ ውን ምስ ናይ መንእሰያት መቕበል ሕክምና፥ ምናልባት ውን ምስታ ኣብ ቤትትምህርትኺ ትርከብ ነርስ ወይ ”ኣማኻሪት-ተመሃሮ” (kuratorn) ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንሳቶም፡ እቲ ልክዕ ንዓኺ ዚኸውን ሕክምና ብኸመይ ከም ትረክቢ ኪሕግዙኺ እዮም።

ኣብ ሃገር ሽወደን ዘግጣም ኵሉ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ፥ ዘይሕጋዊን ገበንን እዩ። ኵሉ ጊዜ፡ እቲ ኣብ ልዕሌኺ መጕዳእቲ ዘብጽሐ ሰብ፥ እቲ ናይቲ ዝገበሮ ፍጻሜ ሓላፍነት ዚስከም፡ ንሱ እዩ። ንስኺ ስለ ዝተወቓዕኪ፡ ወይ ጾታዊ-ዓመጽ ኣብ ልዕሌኺ ስለ ዝተፈጸመ፥ ክትውንጀሊ ብፍጹም ኣይግባእን እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ነንሕድሕድኩም እንታይ ዓይነት ዝምድና ከም ዘሎኩም ብዘየገድስ፥ ዘገልግል ሕጊ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ-ዓመጽ፥ ከምኡ ውን ነቲ ብወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዚፍጽም መውቃዕቲ ውን፥ እዚ ሕጊ’ዚ ይምልከቶ እዩ። ሓደ ዓቢ ሰብ (ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ)፥ ምስ ሓንቲ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኣ ቆልዓ፥ ጾታዊ ርክብ ምስ ዚገብር፥ ከም ጾታዊ-ዓመጽ እዩ ዚቝጸር። ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ንሓንቲ ጓል ብምስግዳድ ወይ ብምትላል ከም ትምርዖ ምግባር፥ ገበን እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ውን፡ ንኺምርዓዉ ክልኩል እዩ።

ምስ ፖሊስ ብቑጽሪ ስልኪ 114 14 ክትራኸቢ(ብ) ትኽእሊ ኢኻ፥ እንተ ደኣ ኣብ ልዕሌኻ(ኻ) መውቃዕቲ ወይ ጾታዊ-ዓመጽ ተፈጺሙኪ፥ ወይ ውን ንስኺ ብኣስገዳድ ንኽትምርዓዊ ዘፍርሓኪ ሃለዋት ምስ ዚህሉ እዩ። እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ህጹጽ ነገር ምስ ዚኸውን፡ ብቑጽሪ ስልኪ 112 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ይግባእ።

ግርዘት (ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ)

ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ዝበሃል፥ ወይ ውን ገሊኦም ሰባት “ግርዘት” ኢሎም ከም ዚጽውዕዎ፥ እቲ ነቲ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ክትቆርጾ ወይ ክትሰፍዮ ወይ ድማ ብኻልእ መገዲ መጕዳእቲ ክተስዕበሉ ከሎኻ እዩ።

ኣብ ሽወደን ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ምጕንዳብ (ምግራዝ) ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ኮይኑ፥ ከምኡ እንተ ፈጺምካ ድማ፡ ከም ከቢድ ገበን ዚርአ እዩ። እታ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ምጕንዳብ (ግርዘት) ዘጋጠማ ሰበይቲ፥ ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊ ሽግራት ከጋጥማ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እንተ ደኣ ከምኡ ነገር ኣብ ልዕሌኺ ተፈጺሙ ኮይኑ፥ ብሰንኪ ናቱ ድማ ጸገም ዘጋጥመኪ ምስ ዚህሉ፥ ካብ ቤት ሕክምና ሓገዝ ኪግበረልኪ ይኽእል’ዩ። ምስታ ናትኪ ናይ ቤትትምህርቲ ነርስ ወይ ምስ ናይ መንእሰያት ምቕባል ሕክምና ወይ ውን ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተዘራረቢ።

ብጾታዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማት

ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከመይ ጌርካ ከም ትከላኸልን፥ ንኻልኦት ውን ብኸመይ ካብ ምልካፍ ከም ተድሕንን ክትፈልጥ መሰል ኣሎካ። ኣብነታት ናይቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፥ ክላሚድያ፡ ሄፓታይተስ፡ ጎኖርያን ኤች. ኣይ. ቪን. እዮም። ከምዚ ዓይነት ሕማም ከም ዘሎካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፥ ኣብቲ መርመራ ጥዕና ትገብረሉ ጊዜ፡ ክትነግር ይግብኣካ(ኪ) እዩ። እዚ ድማ፡ ምእንቲ ሕክምና ክትረክብን፡ ንኻልኦት ሰባት ውን ንኸይትለክፍን ብማለት’ዩ። ተለኺፍካ ምህላውካን ዘይምህላውካን ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፥ ሰራሕተኛታት ቤትሕክምና ናሙና ኪወስዱልካ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸል-ጥንሲን ናይ ኣዴታት ክንክን-ሕማምን

ኣብ ሽወደን ስደተኛታት ኣንስቲ፡ ናይ ኣዴታት ክንክን-ሕማምን ናይ ሕርሲ-ክንክን ምርካብን ብናጻ’ዩ ዚግበረለን። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ንስኺ ናይ ”መከላኸሊ ጥንሲ ምኽሪ” ብነጻ ክትረኽቢ መሰል ኣሎኪ እዩ። እዚ ድማ፡ መታን ንስኺ ባዕልኺ ክትወልዲ ትደልዪ ምዃንኪ ንምውሳን ክትክእሊ ብማለት’ዩ። ወዲ ይኹን ጓል፡ ብኸመይ ንገዛእ ርእሶምን ንኻልእን - ካብ ምጥናስን ምውላድን ኪከላኸሉ ከም ዚኽእሉ፥ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም። ንስኺ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኣጋጣሚ እንተ ደኣ ጠኒስኪ፥ ግን ድማ ቆልዓ ንኽትወልዲ ድሌት ምስ ዘይህልወኪ፥ ነቲ ጥንሲ ክትሰድዮ መሰል ኣሎኪ።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ

ከም ስደተኛ ዄንካ፡ ናይቲ ኣእቲኻዮ ዘሎኻ ናይ ዑቕባ ምርካብ ምልክታ እናሓሰብካ፥ ንመጻኢ ጊዜ እንታይ ኮን ከጋጥም ይኽእል ይኸውን እናበልካ ምጭናቕ ልሙድ ነገር እዩ። ገለ ካልኦት ውን፡ ወይ ካብቲ ኣብ ልዕሊአን ዘጋጠመ ጽዩፍ ነገራት፥ ወይ ውን ብናይ ስድራቤት ናፍቖት፥ ሕማቕ ኪስምዐን(ዖም) ይኽእል እዩ። ኣብነታት ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ፥ ጭንቀት፡ ድቃስ ምስኣን፡ ጓሂን ቅዛነትን ኪስምዓካ ከሎ እዩ።

ኣብቲ ትነብርሉ(ረሉ) ዘሎኻ ከባቢ ካብ ዚርከብ ቤት-ሕክምና፥ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምስታ ናትኪ(ካ) ናይ ቤትትምህርቲ ነርስ፥ ወይ ውን ምስታ ”ኣማኻሪት-ተመሃሮ” (kuratorn) ክትዘራረቢ(ብ) ትኽእሊ ኢኺ።

ዓቕማዊ-ጕድለት (ስንክልና)

ዓቕማዊ-ጕድለት (ስንክልና) ዚበሃል፥ ብመጕዳእቲ ወይ ብሕማም ምኽንያት፥ ንኣብነት ምንቅስቓስ ዘይትኽእል፡ እዝንኻ ዚጻንዓካ ወይ ውን ንምዝራብ ወይ ንምርዳእ ጸገም ምስ ዚህልወካ እዩ። ዓቓምዊ-ጕድለት ምስ ዚህልወካ፡ መዓልታዊ ህይወትካ ንምምራሕን፥ ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ንምዝርራብ ኣብ ትደልየሉ እዋን፥ ናይ ግብራዊ መፍትሒ ደገፍ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። ዓቕማዊ-ስንክልና ስለ ዘሎካ፡ ነቲ ናይ ዑቕባኻ ምልክታ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ። ዓቕማዊ-ስንክልና ምስ ዚህልወካ፥ ኣብቲ መርመራ ጥዕና ትገብረሉ ጊዜ፥ ዓቕማዊ-ጕድለት ከም ዘሎካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕና

ኣብ www.1177.se/other-languagesExternal link. ብዛዕባ ሕማማትን ብዛዕባ ኣሰራርሓ ክንክን-ሕማማት ኣብ ሽወደንን፥ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ናብቲ ናይ ቤትሕክምና መብርሂ ዚወሃበሉ (sjukvårdsupplysningen) ውን ብቑጽሪ ስልኪ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ሕቶታትካ ትምልስን፥ እቲ ልክዕ ሕክምና ንምርካብ ድማ ናበይ ኬድካ ክትሕከም ከም ትኽእልን፥ ሓበሬታ እትህበካ ነርስ ክትዘራረብ ኢኻ።

ኣብ www.youmo.se/ti-erExternal link, opens in new window. ንቖልዑ ዚኸውን ብዛዕባ ጥዕና፥ ዝምድናታት-ፍቕሪ፡ ጾታዊ-ርክባትን ካልኦት ነገራትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ www.rfsu.se/uposExternal link, opens in new window. ንዓኻ ዝበለጸ ክትፈልጥ ትደሊ፥ ብዛዕባ ኣካላት፡ ጾታዊነትን ጥዕናን ሓጸርቲ ፊልምታት ክትረክብ ኢኻ። እዞም ፊልምታት ብነንበይኖም ቋንቋታት ዝተዳለዉ እዮም። ኣብዚ ካብ ትርእዮም፡ ብዛዕባ መከላኸል ጥንሲ፡ ጥንሲን ቆልዓ ምውላድን ፊልምታት ክትረክብ ኢኻ።

እዚ ”Kvinnofridslinjen” ዝተባህለ ትካል፥ ንዓኺ ምፍርራሕን፡ ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊን ወይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕቲ ዝበጽሓኪ ሰበይቲ፥ ደገፍን ምኽሪን ዚህብ ትካል’ዩ። ናብ 020‑50 50 50 ደውሊ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ተርጓማይ ከዳልዉልኪ እዮም። ኣብ መርበብ ሓበሬታ kvinnofridslinjen.seExternal link, opens in new window. ብዝበለጸ ክተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። ሓበሬታ ብነንበይኖም ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ናብ ፖሊስ (polisen) ብቑጽሪ ስልኪ 114 14 ደዊልኪ፥ ኣብ ልዕሌኺ ንዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ንኣብነት ሓደ ሰብ እንተ ወቒዑኪ ወይ ጾታዊ-ዓመጽ ኣብ ልዕሌኺ እንተ ፈጺሙ፥ ክተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ። እንተ ደኣ ብኣስገዳድ ንኸመርዕዉኺ ደልዮም ወይ ውን ከኽንሽቡኺ ደልዮም ውን ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ኵነታት ኣዝዩ ህጹጽ ምስ ዚኸውን፡ ናብ 112 ደውሊ።

ቤትትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ብነጻ ዚወሃብ ኮይኑ፥ ኵሎም ቆልዑ ድማ ናብ ቤትትምህርቲ ኪኸዱ ግዴታ እዩ። ንስኻ/ኺ ውን ከም ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቆልዑ፥ ናብ ቤትትምህርቲ ክትከይድ መሰል ኣሎካ።

መባእታዊ ቤትትምህርቲ

መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣብ ሽወደን፥ ናይ ዓሰርተ ዓመት ንውሓት ዘሎዎ ኮይኑ፥ እቲ ትምህርቲ ትጅምረሉ ጊዜ ድማ፡ ኣብታ ሽዱሽተ ዓመት ትመልኣላ ዓመት እዩ። እታ ቀዳመይቲ ናይ ትምህርቲ ዓመት፥ ”ቅድመ-ትምህርቲ” (መላመዲ-ክፍሊ) ተባሂላ ውን እትጽዋዕ፥ ብዙሕ ናይ ጸወታን መሃዝነትን ትሕዝቶ ዘሎዋ ኾይና፥ ናይቲ ዚመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ መዳለዊት እያ። ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ፡ ኵሎም ተመሃሮ ዳርጋ ተመሳሳሊ ዝኾነ ትምህርት’ዩ ዝወሃቦም።

ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ (ጂምናስየት)

እቲ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ (Gymnasiet) ብድሌትካ እትኸዶ ትምህርቲ ኮይኑ፥ ኣብኡ ድማ እቶም ተመሃሮ፡ መስመራት ትምህርቲ ብምምራጽ፡ ንናይ መጻኢ ሞያዊ ህይወቶም ወይ ናይ ኮለጃት ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ንምቕጻል ንኺዳለዉ ዕድል ዚረኽብሉ እዩ። ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ (gymnasium) ንኽትመሃር መታን ክትክእል፥ ነቶም ናይ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ትምህርቲታት ብግቡእ ዝዛዘምካ ሰብ ክትከውን ኣሎካ።

ንስኻ ዑቕባ ሓቲትካ ዘሎኻ፥ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ (gymnasium) ትምህርትኻ ክትፍጽም መሰል ኣሎካ፥ እንተደኣ ነቲ ናይ ጂምናስዩም ትምህርቲ፥ ቅድሚ 18 ዓመት ምምላእካ ጀሚርካዮ ዄንካ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ ናብ ካልእ ኮሙን እንተ ግዓዝካ፥ ኣብኡ ውን ዘገልግል እዩ።

ገንዘብ

ወለድኻ እንተ ደኣ ናይ ርእሶም ገንዘብ ዘይብሎም ኮይኖም፥ ቁጠባዊ ሓገዝ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንምርካብ፥ ምልክታ ክተቕርቡ መሰል ኣሎኩም እዩ። ክልተ ዓይነት ምልክታ ክተቕርበሉ ትኽእል ናይ ገንዘብ ሓገዛት’ዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” (dagersättning) ከምኡ ውን እቲ ”ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” (särskilt bidrag) ዚበሃል እዩ።

መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ

ኵሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ገንዘብ ዘይብሎም ዑቕባ ሓተትቲ፥ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” (dagersättning) ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” እዚ፥ ንመግቢ፡ ንኽዳውንቲ፡ ንሳእኒ፡ ንጽሬት፡ ንመድሃኒት ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ናጻ ጊዜኻ ክትገብሮ ትደሊ ንጥፈታት ንኪኾነካ ተባሂሉ ዚወሃበካ ገንዘብ እዩ። እቲ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ተባሂሉ መጸውዒኡ ምኽንያት ድማ፥ ናይ ነንመዓልቱ ገንዘብ ተደሚሩ ስለ ዚወሃበካ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣከፋፍላ ናይቲ ገንዘብ ግን፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ጊዜ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሓደ ናይ ባንክ-ሕሳብ ይኣቱ፥ ሽዑ ድማ ንወለድኻ፡ ሓደ ”ናይ ባንክ ሕሳብ ካርድ” ይወሃቦም።

ተወሳኺ ፍሉይ ሓገዝ-ገንዘብ

እንተ ደኣ እቲ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ኪሽፍኖ ዘይኽእል፥ ካልእ ነገራት ንምግዛእ ገንዘብ ዘድልየኩም ኮይኑ፥ ”ንፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” (särskilt bidrag) ምልክታ ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንመነጸር ዓይኒ፡ ንናይ ክረምቲ ክዳውንቲ ወይ ውን ንዓረብያ-ቆልዓ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ”ንፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ስለምንታይ እቲ ገንዘብ’ቲ ከም ዘድልየካ ብግቡእ ክትገልጽ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። እቲ ተቕርቦ ምልክታ፥ ናብቲ ”ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት” (mottagningsenheten) ዚኣቱ ኮይኑ፥ ነቲ ገንዘብ’ቲ ንኽትረክብ ዘፍቅደልካ ውን ንሱ እዩ። እቲ ዚፍቀደልካ ገንዘብ፡ ካብቲ ዝሓተትካዮ ገንዘብ ንታሕቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ብዛዕባ ”ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” ዝተዋህበካ ውሳነ ምስ ዘይትዓግብ፥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ንዓኻ፡ ቆልዓ ብምዃንካ ኣብ ሽወደን ዘሎዉኻ መሰላት

እቶም ዑቕባ ሓተት’ቲ ቆልዑ፡ ከም ኵሎም ኣብ ሽወደን ዘሎዉ ቆልዑ ፡ሓደ ዓይነት መሰል’ዩ ዘሎዎም። ንኣብነት፡ ኵሎም ቆልዑ ናብ ቤትትምህርቲ ኪኸዱ፥ ከድልዮም ከሎ ውን ክንክን-ሕክምና ኪረኽቡ፥ ውሕስነት ዘሎዎ ህይወት ኪህልዎምን፥ ንዘሎውም ሓሳባት ምቕራብ ኪኽእሉን መሰላት ኣሎዉዎም። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ብዛዕባ መሰላትን፡ ብዛዕባ’ቶም ንቖልዑ ሓለዋ ንምሃብ ሰፊሮም ዘሎዉ ፍሉያት ሕጊታት ክተንብብ ኢኻ።

ቆልዑ ብዝተፈልየ ተነቀፍቲ ብምዃኖም፥ ብዝተዓጻጸፈ ሓለዋ ኪረኽቡ የድልዮም እዩ። እቲ ቆልዓን ዓቢ ሰብን ኢልካ ትፈልየሉ ደረት፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ፍልልያት ነንበይኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ክሳብ 18 ዓመት ትመልእ፥ ንስኻ(ኺ) ቆልዓ ኢኻ።

ውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፥ እቲ ውዕል ህጻናት (barnets rättigheter) ተባሂሉ ውን ዚጽዋዕ፥ ኣብ ሽወደን ንሱ ንባዕሉ ሕጊ እዩ። እቲ ውዕል መሰላት ህጻናት፡ ኩሎም ህጻናት እንታይ መሰላት ክህልዎም ከም ዘለዎም ዚገልጽ እዩ። ኣብ ሽወደን ንህጻናት ንምክልኻል ነባር ካልኦት ሕጊታት እውን ኣለዉ’ዮም።

ንኸይትውቃዕ መሰል ኣሎካ

ኵሎም ቆልዑ፡ ኣብ ልዕሊኦም መውቃዕቲ ንኸይፍጸሞም መሰል ኣሎዎም። ዝኾነ ዓቢ ሰብ፡ ንቖልዓ ኪወቅዕ፥ ኪሽንድሕ፡ ኪንውንው፡ ብጸጕሩ ኪምንጭጭ ወይ ከፈራርሕ ኣይፍቀደሉን እዩ።

ኣብ ልዕሌኻ(ኺ) መውቃዕቲ ምስ ዚፍጸም፥ ብቑጽሪ ስልኪ 114 14 ምስ ፖሊስ ተራኸብ። ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ምስ ትህሉ፥ ብቑጽሪ ስልኪ 112 ጌርካ ናብ ፖሊስ ደውል።

መርዓ-ቆልዓ ክልኩል’ዩ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ሓደ ሰብ፡ መዓስ’ዩ ዓቕሚ-ኣዳም ከም ዝበጽሐ ዚቝጸር፥ መዓስ’ከ’ዩ፡ ከም ቆልዓ ዚቝጸር? ኢልካ ትፈልየሉ ደረታት ነንበይኑ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ብዛዕባ ምምርዓው ዘፍቅድ ሕጊታት ውን፥ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ነንበይኑ እዩ።

ቆልዑ ኪምርዓዉ ኣይክእሉን እዮም

ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ሰብ ክሳብ 18 ዓመት ዚመልእ ንሱ ቆልዓ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቅድሚኡ መርዓ ኪገብር ኣይፍቀደሉን’ዩ።

ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ቆልዑ ነቲ ኣብ ቃል-ኪዳን ምእሳር ዘሎ ናይ ሓዳር ሓላፍነት ኪስከሙ ኣይግባእን፥ ካብ ዚብል ርድኢት ዝመጸ እዩ። ቅልጡፍ መርዓታት፡ ንቖልዑ ኣካልዊን ስነ-ልቦናዊን ጸገማት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ቆልዓ፡ ንናይ ገዝእ ርእሱ ሰብኣወነት ንኸማዕብልን፥ ነቲ ዝመረጾ ህይወት ንምንባር ዘሎዎ መሰልን ስለ ዚዕንቅፎ እዩ።

ሓደ ሰብ 18 ዓመት ምስ መልአ፥ ኪምርዖ ዝደሊ እንተ ኾይኑን - ምስ መን ኪምርዖ ከም ዚደልን፡ ባዕሉ’ዩ ዚውስን። ዝኾነ ሰብ፡ ንኻልእ ሰብ ኣገዲዱ ወይ ውን ኣታሊሉ ከመርዕዎ ኣይግባእን እዩ። ንሓንቲ ጓል፡ ኣገዲድካ ወይ ውን ኣታሊልካ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኣጊሽካ ንኽተምርዕዋ ምፍታን፥ ኣብ ሽወደን ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ። እዚ ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ሳዕቤን ዘሎዎ ወንጀል እዩ። ንሓንቲ ሰብ፡ ኣብ ከም ናይ ሓዳር ዚመስል ዝምድና ብኣስገዳድ ክተእትዋ ምፍታን ውን፡ ዘይሕጋዊ ተግባር’ዩ። ሓደ ዓቢ ሰብ፡ ምስ ትሕቲ 15 ዓመት ንዘላ ቆልዓ ጾታዊ ርክብ ምግባር፥ ከም ጾታዊ-ዓመጽ ዝፈጸመ’ዩ (ገበን) ዚቝጸር።

ሓንቲ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይና ተመርዕያ ዘላ ሰብ

ሓደ ካብቶም ምርዑዋት ሰባት፡ ኪምርዖ ከሎ ትሕቲ 18 ዓመት ዝነበረ ምስ ዚኸውን፥ እቲ ቃል-ኪዳን’ቲ ኣብ ሽወደን ሕጋዊ ተቐባልነት የብሉን።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ወለድኻ፡ ምስታ ዝተመርዓኻያ ሰብ ኴንካ ዑቕባ ትሓትት ምስ ትህሉ፥ ንስኻ ከም ብዘይ ወለዲ ዝመጸ ቆልዓ ኢኻ ትቝጸር። ሽዑ ድማ፡ ንዓኻ ሓደ ምስ ኣብያተስልጣን ንምርኻብ ዚሕግዘካ “ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከም ዚዳለወልካ ይግበር።

ምስዞም ዚስዕቡ ምርኻብ ትኽእል ኢኻ(ኺ)

ሕቶታት ምስ ዚህልወካ(ኪ) ወይ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ(ኪ)፥ ምስ መምህርካ ፥ ምስ ኣማኻሪት-ተመሃሮ (ኩራቶር) ወይ ውን ምስ ቤትሕክምና ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” (Migrationsverket) ወይ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት” (Socialtjänsten) ውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ኣልዩካ፥ ምስኡ/ኣ ውን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

እንተ ደኣ ንስኺ ንባዕልኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ጓል፥ ብኣስገዳድ ክትምርዖ ምዃና ፈሊጥኪ፥ ብቑጽሪ ቴሌፎን 114 14 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

ግርዘት (ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ) ክልኩል’ዩ

ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ (Könsstympning) ዝበሃል፥ ወይ ውን ገሊኦም ሰባት “ግርዘት” ኢሎም ከም ዚጽውዕዎ፥ ኣብ ብዙሓት ክፍሊ-ዓለማት ዚፍጸም ተግባር’ዩ። እቲ ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ፥ እቲ ነቲ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ክትቆርጾ ወይ ክትሰፍዮ ወይ ውን ብኻልእ መገዲ መጕዳእቲ ምስ ተስዕበሉ’ዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ስድራቤትካ ከምኡ ዓይነት ልምዲ ይሃሉ፥ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ከምኡ ኪፍጽም ኣይግባእን’ዩ።

ኣብ ሽወደን ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ምጕንዳብ (ምግራዝ) ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ኮይኑ፥ ከምኡ እንተ ፈጺምካ ድማ፡ ከም ከቢድ ገበን ዚርአ እዩ። እታ ኣብ ልዕሌኣ ግርዘት ዘጋጠማ ጓል ግን፥ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ እያ።

እንተደኣ ንስኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ጓል፥ ብኣስገዳድ ጾታዊ መሳርዓ ንኺጕንደብ (ንኽትግረዝ) ኣብ ዘሰክፍ ሃለዋት ከም ዘሎኺ ምስ ፈሊጥኪ፥ ብቑጽሪ ቴሌፎን 114 14 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ ትካል ተሓለቕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ”Kvinnofridslinjen” ውን፥ ብቑጽሪ ስልኪ 020‑50 50 50 ደዊልኪ፥ ምኽሪን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ብዛዕባ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ዚሕለቕ ”Kvinnofridslinjen” እዚ፥ ብሃገር ደረጃ ዚሰርሕ፡ ኣብ ሓደጋ ንዘሎዋን ንዝተጠቕዓን ደቂ-ኣንስትዮ ደገፍ መውሃቢ መስመር-ቴሌፎን ዘሎዎ እዩ።

ምእንተ “ክብረ-ስድራቤት” ተባሂሉ ከይትውቅዕን ከይትጭቆንን መሰል ኣሎኪ

ኣብ ገለ ስድራቤታትን ቤተ-ዘመድን፥ እቲ ስድራቤት ሕማቕ ሽም ንኸይህልዎ ምጥንቃቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። እንታይ ዓይነት ክዳን ኪህልወካ ከም ዘሎዎ፥ ምስ መነ-መን ከም ትራኸብ፥ ሓቢርካ ምስ መን ከም ትቕመጥ፥ ወይ ውን ምስ ትደልዮ ሰብ ንኸይትላለን ምስ ትደልዮ ሰብ ከይትምርዖን፥ ወይ ውን ዝደሌኻዮ ትምህርቲ ከይትመሃርን ኣብ ዝደሌኻዮ ቦታ ከይትሰርሕን፥ ዚእዝዙ ሕጊታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ንኣዋልድ ይኹን ንኣወዳት መጥቃዕቲ ኪበጽሖም ይኽእል’ዩ

እዞም ሕጊታት እዚኦም፡ ብፍላይ ንኣዋልድ’ኳ ጽንዕ ዝበሉ እንተኾኑ፥ ንኣወዳት ተባሂሎም ዝወጹ ሕጊታት ውን ኣሎው’ዮም። እንተደኣ እቶም ሕጊታት’ቲኦም፡ ንስኺ(ኻ) ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንኽግበረልካ ወይ ንኽትቅጻዕ ዚገብሩኻ ኮይኖም፥ “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሎም ዚፍጸሙ ዓመጽን ምፍርራሕን ተባሂሎም’ዮም ዚጽውዑ። ገለ ካብኣቶም፡ መውቃዕቲ ይፍጸሞም፡ ምፍርራሕ የጋጥሞም፡ ሕማቕ ጸርፊታት ውን ይብሃሎም’ዩ። ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ከምዚ ምፍጻም፥ ንስምምዕ-ሕጻናትን ንሕጊ ሽወደንን ምጥሓስ እዩ።

ገለ እዋናት ውን፡ ቆልዑ ነሕዋቶም ንኺቆጻጸሩ የገድድዎም’ዮም። ምኽንያቱ ድማ እቲ ስድራቤት ሽሙ ንኸይጠፍእ ስለ ዝፈርሕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ሰባት ነናቶም ህይወት፡ ከከም ድላዮም ጌሮም ኪነብሩ መሰል ኣሎዎ’ዩ። እዚ ድማ፡ እንታይ ሃይማኖት ወይ እንታይ ባህሊ ከም ዘሎካ፥ ካበይ ሃገር ከም ዝመጻእካ ወይ ካበየኖት ስድራቤት ከም ዝተወለድካ ብዘየገድስ እዩ። ኵሎም ቆልዑ፡ ነናቶም ህይወት ኪነብሩ መሰል ኣሎዎም’ዩ፥ ስለዚ ድማ ንኻልእ ሰብ ኪቆጻጸሩ ውን ኣየድልዮምን እዩ።

ምስዞም ዚስዕቡ ክትራኸብ ይክኣል’ዩ

ንስኺ ንባዕልኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ዝተጠቕዐት ሰብ ምስ ትህሉ፥ መታን ሓገዝ ክትረኽቢ፡ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ቤትትምህርትኺ ትርከብ መምህር፥ ምስቲ ኣብ ኮሙንኪ ዘሎ “ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት”፥ ወይ ውን ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ነቶም “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኦም መውቃዕቲን ጭቆናን ዘጋጥሞም ሰባት፥ ሓበሬታን ደገፍን ኪህቡ ዚኽእሉ ነንበይኖም ካልኦት ማሕበራት ውን ኣሎዉ እዮም።

GAPF – ሃገራዊ ማሕበር - ጸረ “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሉ ዚግበር ዓመጻት (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.: ኣብዚ፡ ንዓኺ ወይ ንኻልእ ንስኺ ትፈልጥያ ሰብ፥ “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሉ፡ ብመውቃዕቲ ወይ ብጭቆና ዝተጠቓዕኪ ሰብ፥ ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ 08‑711 60 32 ደውሊ፥ ብኢ-መይል ጸሓፊ ወይ ውን ምሳና “ቻታ” ግበሪ”።

https://gapf.se/

ፍቕሪ ብነጻ’ዩ Kärleken är fri (ብቛንቛ ሽወደን):External link, opens in new window. ኣብዚ፡ ነቶም ብዛዕባ “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሎም ዚፍጸሙ መውቃዕቲ፥ ጭቆናን ወይ ብዛዕባ መሰላት፡ ብዛዕባ ፍቕሪን ኣገዲድካ ምምርዓውን፥ ብዛዕባ ምጕድንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲን ዘሎዉኺ ሕቶታት፥ ብኢ-መይል ጸሓፊ ወይ ናይ “ቻት” ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

https://www.raddabarnen.se/rad-och-kunskap/karleken-ar-fri

መሰል ኣዋልድ ኣብ ሕብረትሰብ Tris – Tjejers rätt i samhället (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.: ኣብዚ፡ እንተ ደኣ ብስድራቤትኪ ወይ ኣዝማድኪ ዝተዓገት’ኪ ኮይኑ ተሰሚዑኪ፥ ወይ ውን ናይ ገዛእ ርእስኺ ውሳነ ንምውሳድ ኣብ ትፍትንሉ ጊዜ፥ ምፍርራሕ ወይ መውቃዕቲ ዘጋጥመኪ ኮይኑ፥ ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናብዚ ደውሊ 010‑255 91 91።

https://www.tris.se/

ኵሎም ደቂ-ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣሎዎም

ኣብ ሽወደን፡ ኵሎም ደቂ-ሰባት ማዕረ ክብሪ ከም ዘሎዎምን - ተመሳሳሊ መሰል ከም ዘሎዎምን ዚገልጹ ብዙሓት ሕጊታት ኣሎዉ እዮም። ንሕና መን ምዃንና፡ ካበይ ከም ዝመጻእና ወይ ምስ መን ፍቕሪ ከም ዚሕዘና ወይ ብኸመይ ከም ንሰርሕ ብዘየገድስ፥ ኣብ ህይወትና ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ኪህልዉና ይግባእ።

ንሓደ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ወይ ኣዋራዲ ኣተሓሕዛ ንኸይፍጸም፥ መሰላቱ ውን ንኸይግሃሱ ዚኽልክሉ ሕጊታት ኣሎዉ እዮም። ከም ሰብ መጠን፡ ርእይቶ ኪህልወና፥ ክንሓስብ፡ ከም ዝድለናዮ ክንኣምን ይፍቀደልናይ’ዩ። ኵሉ ከከም ባህ ዝበለና ነገራት ክንገብር ግን ኣይክኣልን’ዩ። ከምቲ ኣብ “መሰረተ-ቅዋምና” ሰፊሩ ዘሎ፥ ኵሎም ሰባት ሓሳብቶም፡ ርእይትኦምን ስምዒቶምን ብነጻ ኪገልጹ መሰል ኣሎዎም። ንኻልእ ሰብ መሰሉ ክግህሱ ግን ኣይክእሉን እዮም። ንሕና ኵላትና፡ ንነናይ ግላዊ-ሰብ እንታውነትን - ናይ ህይወት-ምርጫን መሰል ክነኽብር ይግብኣና እዩ።

ጾታዊ-ማዕርነት

ጾታዊ-ማዕርነት ማለት፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ዓይነት ክብሪን፡ ኣብ ህይወት ውን ተመሳሳሊ ዕድላትን ኪህልዎምን ይግባእ ዚብል’ዩ። ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ሰብኡትን ዓበይቲ ኣንስትን ውን፥ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓደ ዓይነት ግዴታን ኣሎዎም ማለት’ዩ። ንሳቶም፡ ንሕብረትሰብ ይኹን ንውልቃዊ ህይወቶም ዚጸልዉሉ ሓደ ዓይነት ስልጣን ይህልዎም።

ኣስታት 100 ዓመታት ይገብር ግን፥ ኣብ ሽወደን ከምኡ ኣይነበረን። ኣብቲ ጊዜ’ቲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህይወተን ናይ ምውሳን ብዙሕ ስልጣን ኣይነበረንን። እቶም ሰብኡት’ዮም ብብዝሒ ዝመሃሩን ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩን ኔሮም። ኣንስቲ ኣብ ገዛ ኮይነን፡ ቆልዑ ኣብ ምእላይ፥ ገዛ ኣብ ምጽራይን ክዳውንቲ ኣብ ምሕጻብን ተዋፊረን እየን ጊዚአን ዘሕልፍኦ ዝነበራ። ሕጂ ግን፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ብዙሕ ዝተቐየረሉ ዘበን ኢና ንነብር ዘሎና።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ሽወደን፥ ኣብ መብዛሕትኦም ስድራቤታት ክልቲኦም ወለዲ ወይ ይሰርሑ ወይ ውን ይመሃሩ እዮም። እቶም ደቆም ድማ፡ ኣብ ጊዜ መዓልቲ ኣብ “ቅድመ-ትምህቲን” ኣብ ቤትትምህርቲን ኣብ “ፍሪቲድስ” ዚኸዱ እዮም። ኣብ ውሽጢ ገዛ ውን፡ ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ምጽራይ ገዛ፥ ምሕጻብ ክዳውንቲን ምሽማት መግቢን ይተሓጋገዙ እዮም። ንደቆም ውን ሓቢሮም’ዮም ዚሕዝዎም።

እቲ ሕብረተ-ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ፍትሓዊ መታን ኪኸውን፥ ኣንስቲን ሰብኡትን ድማ፡ ንሕብረሰብ ይኹን ነንግላዊ-ህይወቶም ኣብ ምጽላው ማዕረ ስልጣን ንኽህልዎም ብማለት፥ ባይቶ ሃገረ-ሽወደን፡ ንዕላማ ጾታዊ ማዕርነት ዘተግብሩ ነንበይኖም ውሳነታት ኣሕሊፉ ይርከብ።

እቲ ናቱ ዕላማ ድማ፡-

  • ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንቑጠባዊ ሓርነት ተመሳሳሊ ዕድል ኪወሃቦም፥ ብኡ ድማ፡ ናይ ካልእ ሰብ ቁጠባዊ ጽግዕተኛ ምዃን ከምዘየድልዮም ምግባር
  • ኣወዳትን ኣዋልድን ተመሳሳሊ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኪኽፈተሎምን፥ ናይ ዝደለይዎ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽን ምሰል ኪህልዎም
  • ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ገዛእ ኣካላቶም ማዕረ ናይ ምውሳን መሰል ኪህልዎምን፥ ከምኡ ውን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ደው ክብል
  • እቲ ኣብ ገዛ ዚስራሕ ስርሓት ድማ፥ ኣብ መንጎ ኣንስቲን ሰብኡትን ብማዕርነት ምክፍፋል። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ዘሎዉ ኣዋልድን ኣወዳትን ውን፥ ኣብቶም ኣብ ገዛ ኪግበሩ ዘድልዩ ነገራት ብማዕርነት ከም ዝተሓጋገዙ ምግባር እዮም።

ጾታዊ-መንነትን ጾታዊ-ዝምባለን

ኣብ ሽወደን ኵሎም ደቂ-ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጾታዊ-መንነትን ጾታዊ-ዝምባለ ኪህልዎን መሰል ኣሎዎም። ጾታዊ-መንነት ማለት፡ ኣየናይ ጾታ ምዃንካ ዘሎካ ስምዒት ዚገልጽ’ዩ፥ ካልኦት ሰባት ኣባኻ ዘሎውም ትጽቢት ብዘየገድስ። ጾታዊ-ዝምባለ ማለት፡ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን ኣብ መን ፍቕሪ ከም ትወድቕን ዚገልጽን’ዩ። ንመን ከም ተፍቅርን፥ ምስ መን ክትነብር ከም ትደሊን ናይ ምምራጽ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ሰብ’ቲ ወይ እታ ሰብ’ቲኣ፥ ከም ናትካ ጾታ፡ ወይ ካባኻ ዝተፈልየ ጾታ ይሃልዎ/ዋ ብዘየገድስ እዩ።

እንተ ዘይትደሊኻ፡ ንስኻ ኣየናይ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መነንት ከም ዘሎካ ንኻልእ ሰብ ምንጋር ኣየድልየካን’ዩ። ዘይሕጋዊ ዝኾነ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መንነት የልቦን። ይኹን እምበር፡ ንኻልእ ሰብ ብምኽንያት ጾታዊ-ዝምባልኡ ወይ ጾታዊ-መንነቱ፥ ንኣብነት ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ ኣብ ትካል፥ ዘይፍትሓዊ ወይ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።

ናብዚ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

ብዙሓት ናብኦም ኬድካ ተወሳኺ ፍልጠትን ደገፍን ክትረኽበሎም ትኽእልን፥ ”መቐበሊ ሕክምና መንእሰያት” ዘሎዎም ነንበይኖም ትካላት ኣሎዉ እዮም።

”ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል.” RFSL (ብቛንቛ አንግሊዝ) https://www.rfsl.se/en/External link, opens in new window.

በዚ ትካል’ዚ ኣቢልካ፡ ምስ ካልኦት ”ሆቤቴኲ ዝኾኑ ሰባት” ተራኺብካ፤ ኣብ ናታቶም ንጥፈታት ክትሳተፍን፡ ደገፍ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ”ንሓደስቲ መጻእተኛታት” ዚኸውን፥ ሓደ RFSL Newcomers (ብቛንቛ አንግሊዝ)External link, opens in new window. ዝተባህለ፥ ናይ ርእሶም ማሕበራዊ መራኸቢ መርበብ ኣብ ሽወደን ውን ኣሎዎም እዩ። https://www.rfsl.se/en/organisation/asylum-and-migration/newcomers-contacts/

UMO – ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ርክባትን፡ ጥዕናን ሓድሕዳዊ ዝምድናታትን https://www.youmo.se/ti-er/External link, opens in new window.

እዚ “UMO” ዝተባህለ ኣድራሻ ኢንተርነት፥ ንዅሎም ደቂ 13-25 ዓመት ዘሎዉ ሰባት፥ ኣብኡ ከይዶም ሓበሬታ ጾታዊ-ዝምባለን ጾታዊ-መንነትን ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ “መርበብ ሓበሬታ” እዩ።

ዓሌታዊ-ኣድልዎ

ዓሌታዊ ኣድልዎ ማለት፡ ንደቂ-ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፈላሊኻ፥ ንገለ ካብቶም ጕጅለታት ድማ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ዝተሓተ-ክብሪ ከም ዘሎዎም ጌርካ ምእማን’ዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንደቂ-ሰባት ብሕብሪ-ቆርበት፡ ብባህሊ ወይ ብሃይማኖት ክትፈላልዮም ምድላይ እዩ።

ኣብ ሽወደን፡ ደቂ-ሰባት ብዓሌታዊ-ኣድልዎ ንኸይጥቅዑ ዚከላኸሉ ሕጊታት ኣሎዉ እዮም። እዚ ድማ ንኣብነት፥ ንሓደ ሰብ ብምኽንያት ስሙ ወይ እቲ ዝመጸሉ ቦታ፥ ስራሕ ወይ መንበሪ ቦታ ንኸይረክብ ምኽልካል ኣይፍቀድን እዩ። ብተወሳኺ፡ ንኻልእ ከዋርድ ዚኽእል ስልማት ወይ ኣርማ ናይ “ናዚ” ዘሎዎ ልብሲታት፥ ወይ ውን ኣንጻር ገለ ፍሉይ ጕጅለታት፡ ጽሑፋት ወይ ዓሌታዊ-መግለጺታት ምዝርጋሕ ክልኩል እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ውን፡ ሓደ ጕጅለ-ህዝቢ ወይ ሰብ፡ ንኣብነት ብምኽንያት ሕብሪ-ቆርበቱ ወይ ሃይማኖቱ፥ ዝተሓተ ክብሪ’ዩ ዘሎዎ ኢልካ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣይፍቀድን እዩ።

ገለ እዋናት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኪግበረልካ ከሎ፥ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝተገብረ ኣተሓሕዛ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ንምፍላጡ ኣጻጋሚ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ነገር፡ ምስ ሓደ ትኣምኖ ሰብ ተዘራረብ፥ ንኣብነት ምስ መምህርካ ወይ ምስ ካልእ ክትኣምኖ ትኽእል ሰብ ተዘራረብ።

ንዓኻ ዓቢ ሰብ - ንሓደ ዑቕባ ዝሓተተ ቆልዓ ኣገዳሲ ሰብ ዝኾንካ

ካብ ቤትካ ሃዲምካ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ተሰዲድካ ዑቕባ ክትሓትት፥ ንዝኾነ ሰብ ኣዝዩ ዘሰምብድ ተሞኩሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ድማ ቆልዓ ዄንካ ብዘይ ወለድኻ ንስደት ከም ትቅላዕ ምዃን፥ ንህይወትካ ኣዝዩ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ-ሓደ ጊዜ፡ ኣልዕል ኣቢልና፡ እቶም ዑቕባ ሓተት’ቲ፡ ብፍላይ ድማ እቶም በይኖም ብዘይ ወለዲ ዝመጹ ቆልዑ፥ ሓያላት’ዮም ንብል ኢና። እንተደኣ ባዕላቶም ባሕሪታት ሰጊሮም፥ ናብዚ ስግር ዓለም ኪበጽሑ ክኢሎም፥ ዝኾነ ነገር ኪገብሩ ዚጽግሞም የልቦን ኪንብል ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም ሓያላትን - ተሪሮም ዝመጹ ቆልዑን፥ ቆልዑ ምዃን ውን ስለ ዘድልዮም፥ ቆልዑ ምዃኖም ውን ስለ ዘይተርፍ፥ ኣብ ከባቢኦም ርግኣት ዘሎዎም ረዘንቲ ሰባት ኪህልዉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ስደት ዘሎዉ ቆልዑ ውን፥ ካብኡ ዝተፈልዩ ፍጥረት ኣይኮኑን። ኣብቲ ወለዲ ኣብ ዘይህልዉሉ ኵነታት፥ ወይ ውን ኣብቲ ወለዶም ውን ኣዝዮም ተዳኺሞምን ተደናጊሮምን - ኣብ ድህለትን-ስንባደን ዘሎዉሉ ጊዜ - ኣብዚ ንህይወቶም ዘየተኣማምን ኵነታት፥ ነዞም ቆልዑ’ዚኦም ቅሳነትን ምርግጋእን ኪህቡ ዚኽእሉ ኣገደስቲ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ጥቕኦም ኪህልዉ፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኵሎም ቆልዑ ዝተፈላለዩ ሰባት እዮም፥ ነፍሲ-ወከፍ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ ድማ፥ ነናይ ርእሱ ናይ ህይወት ዛንታ ተሓንጊጡ ዝመጸ እዩ። ገለ ዑቕባ ሓተት’ቲ ቆልዑ፥ ኣብ ጕዕዞ ስደት ንነዊሕ እዋን ከርተት ዝበሉ ብምዃኖም፥ ምስ ስድርኦም ካብ ዘይራኸቡ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ካልኦት ግን፡ ካብ ወለዶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ቆልዑ ምስ ቤተሰቦም ርክብ ዘሎዎም እዮም። እቶም ካልኦት ግን፡ ንወለዶም ንምንዳይ ኣበይ ከም ዚጅምሩ ውን ዘይፈልጡ ቆልዑ እዮም። ኵሎም ቆልዑ፡ ህይወቶም ብብዙሓት ሕቶታትን ጭንቅን ዝተመልአ እዩ። ገለ ቆልዑ፡ ብዛዕባ ኵነታቶም ንኽርድኡ ሕቶታት ዚሓቱን ሓገዝ ዚልምኑን እዮም። ገለ ካልኦት ግን፥ ነቲ ዘሎዎም ምጭናቕ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ንምዝራብ ከይደፈሩ፥ ዓቢጦም ዚሕዝዎ ቆልዑ እዮም።

ከም ዓቢ ሰብ መጠን፡ ንስኻ/ንስኺ፡ ኣብዞም ቆልዑ’ዚኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዘሎካ/ኪ ሰብ ኢኻ።ንስኻ ኢኻ ነዞም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ፥ ኣብቲ ዘሎዉዎ ከቢድ ሃለዋት ክትመርሖምን ክትድግፎምን ትኽእል። ነዞም ገጻኣት’ዚኦም፥ ምስቶም ቆልዑ ሓቢርካ ክተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ንስኻትኩም ሓቢርኩም ድማ፥ ነቶም ነንበይኖም ሓደ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ ክሰግሮም ዘሎዎም ደንደላታት ክትሓልፍዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ንቖልዑ ኣገዳሲ ተባሂሉ ኪቝጸር ዚኽእል፡ እዚ ዚስዕብ ሰብ ኪኸውን ይኽእል’ዩ፡-

  • ወላዲ/ት
  • ወይ ውን ካልእ መጕዚት/ኣዕባዪ
  • ብዓል-ሕድሪ (god man)
  • ዘመድ
  • መምህር
  • ኣማኻሪት-ተመሃሮ (kurator)
  • ካብ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዝመጹ ሰባት
  • ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ወዘተ እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታን ደገፍን

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ሃገር ሽወደን ብዝበለጸ ክትመሃረሉን ፍልጠት ክትረኽበሉን ትኽእል፥ ደገፍን ኪህቡኻን፡ ናብ ”መራኸቢ-ቀለቤታት” ከምርሑኻ ናይ ዚኽእሉ ትካላትን ማሕበራትን ኣስማት ክትረክብ ኢኻ።

”ብሪስ” (Bris)፡ መሰል ሕጻናት ኣብ ሕብረትሰብ (Barnens rätt i samhället) ዝተባህለ ትካል፥ ንመሰላት ሕጻናት ዚቃለስ ውድብ እዩ። ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ንምዝርራብ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ምስ ውድብ ”ብሪስ” ርክብ ግበር።

ናብ ”ብሪስ ናይ ቆልዑ ደገፍ” ቴሌፎን ደውል፡- 116 111

www.bris.se/for-barn-och-unga (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

”ህጻናት ኣድሕን” (Rädda barnen)፡ ንመሰላት ሕጻናት ዚሰርሕ ውድብ’ዩ።

www.raddabarnen.se/rad-och-kunskap/barn-och-unga (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

”ቀይሕ መስቀል” (Röda korset)፡ እቲ ኣብ ጭንቂ ንዘሎዉ ደቂ-ሰባት ንምክልኻልን ንምሕጋዝን ዝነጥፍ ውድብ እዩ። ”ቀይሕ መስቀል” ቤተሰብካን ኣዝማድካን ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

www.rodakorset.se/en/get-help (ብቛንቛ አንግሊዝ)External link, opens in new window.

”ወኪል-ሕጻናት” (Barnombudsmannen)፡ ሓደ ካልኦት ናይ ሽወደን ኣብያተ-ስልጣን ነቲ ኣብ ”ስምምዕ-ሕጻናት” (barnkonventionen) ሰፊሩ ዘሎ ሕጊታት ይስዕብኦ ምህላወን ዚቋመት ቤትስልጣን እዩ። ኣብዚ ብዝበለጸ ብዛዕባ ናትካ መሰላት ክትመሃር ኢኻ።

www.barnombudsmannen.se/stod-och-verktyg/kunskap-om-barnkonventionen/mina-rattigheter-for-barn-och-unga (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

”ዩሞ” (Youmo)፡ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ፥ ናይ “መቐበል መንእሰያት መርበብ ሓበሬታ” እዩ። ኣብዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ-ርክባት፡ ጥዕናን ሓድሕዳዊ-ዝምድናታትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትረክብ ኢኻ።

www.youmo.se/ti-erExternal link, opens in new window.

”ኣር ኤፍ ኤስ ኤል” (RFSL)፡ ንናይ ”ሆሞ-ጾታውያን”፡ ”ቢ-ጾታውያን”፡ ”ትራንስፐርሾን”፡ ”ኲርስ” ከምኡ ውን ”ኢንተርሴክስ-ፐርሾነር” መሰላት ዚሰርሕ ትካል’ዩ። እዚ ”RFSL New comers” ንናይ ስደተኛታትን ሓደስቲ-መጻእተኛን መሰል ዚሰርሕ እዩ።

www.rfsl.se/en/organisation/asylum-and-migration/newcomers-contacts (ብቛንቛ አንግሊዝ)External link, opens in new window.

እዚ ”Kärleken är fri” ዝበሃል፡ ነተን ምስ ”ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሉ ኣብ ልዕሊአን ዓመጽን ጭቆናን ዝበጽሐን መንእሰያት፥ ናይ “ደገፍ ቻት-መራኸቢ” እዩ።

www.raddabarnen.se/rad-och-kunskap/karleken-ar-fri/ (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

”ክቪኖ-ፍሪድስሊንየን” (Kvinnofridslinjen)፡ ንዓኺ ምፍርራሕ፡ መውቃዕቲን ስነልቦናዊ-ዓመጽን፥ ጾታዊ-ዓመጽን ዘጋጠመኪ ሰበይቲ፥ ምኽሪን ደገፍን ዚህብ ትካል’ዩ። ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። ናብ ዚስዕብ ቁጽሪ ቴሌፎን 020‑50 50 50 ውን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ደቓይቕ ተርጓማይ ከዳልዉልኪ ይኽእሉ እዮም።

www.kvinnofridslinjen.se (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

”ኮልፖሶስ.ኤስኤ” (Kollpåsoc.se) ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ፥ ካብ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänsten)፥ ብዛዕባ’ቶም ክትረኽቦም ትኽእል መሰላትን ዕድላትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

www.kollpasoc.se/en (ብቛንቛ አንግሊዝ)External link, opens in new window.

”ሚን ረት-ዲን ሮል” (Min rätt – Din roll) እዚ፡ ናባኻ ብዘይወለዲ ዝመጻእካ ሓታቲ ዑቕባ ቆልዓን፥ ናብ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከምኡ ውን ናብቶም ካልኦት፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንዓኻ ንምሕጋዝ ነናቶም ተራ ዘሎውም ተዋሳእቲ ትካላት ዘቕንዐ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ’ቶም ናይ ትካላት ነንበይኖም ዝጻወትዎም ተራን (ምቅሊት ስራሕን)፥ ናይቶም ንስኻ ዘሎዉኻ መሰላትን ዝበለጸ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ ንኣብነት፡ ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ብዛዕባ እንታይ ኪሕግዘካ ከም ዚኽእል ሓጸርቲ ፊልምታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

rfs.se/om-rfs/projekt/min-ratt-din-roll (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

እቶም ”Vad händer nu?” ዚብሉ ፊልምታት፥ ንዓኻ ብዘይወለዲ መጺእካ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተትካ ቆልዓ፥ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር-መንበሪ-ቦታ ወይ ኣብ ሓደ ”ፋሚሊ-ሄም” ተመዲብካ ትነብር ዘሎኻ ቆልዓ ዚምልከት እዩ። ኣብዞም ፊልምታት’ዚኦም፥ ኣብ ሽወደን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግዜኻ እንታይ ከጋጥም ከም ዚኽእል፥ ምስ ኣየኖት ሰባት ከም ትራኸብ፥ እቲ ዑቕባ ትሓተሉ መስርሕ ውን ብኸመይ ከም ዚካየድን ክትፈልጥ ኢኻ። ነቶም ፊልምታት’ቲኦም፡ ንበይንኻ ወይ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ኴንካ ውን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። እቶም ፊልምታት፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተዳልዮም ኣሎዉ።

Sök efter ”Socialstyrelsen vad händer nu” på Youtube (ብቛንቛ ሽወደን)External link, opens in new window.

እዚ ”Information Sverige” ዝበሃል፥ ሓደ ”መርሖ” (portal) ንናብ ሽወደን ንዝመጹ ሓደውስቲ ሰባት ዝተዳለአ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ሕብረትሰብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚስርሕ፥ ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ቤት፡ ትምህርቲን ክንክን-ሕማምን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

www.informationsverige.se/tiExternal link, opens in new window.

እዚ ”Lära svenska”፡ ሓደ ገጽ ካብቲ ”Information Sverige” ዝተቐድሐ ኮይኑ፥ ከመይ ጌርካ ቋንቋ ሽወደን ባዕልኻ ክትመሃር ከም ትኽእል ዚሕብር እዩ።

www.informationsverige.se/ti/jag-ar-asylsokande/lara-svenska

እዞም ቃላት እንታይ ትርጉም ኣሎዎም?

Alternativt skyddsbehövande – ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” ዝበሃል፥ ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ፥ ብደረጃ ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ’ዩ”፥ ተባሂሉ መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋህቦ ሰብ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እቲ ዝወሃበካ መንበሪ-ፍቓድ፡ ናይ 13 ኣዋርሕ እዩ።

Asyl – ዑቕባ ማለት፡ መጸግዒ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ሓደ ሰብ ምስ ዑቕባ ምስ ዝሓትት፥ ኣብ ሓንቲ ዘይሃገሩ ሃገር ከይዱ፥ ሓለዋ ንኽረክብ ሓቲቱ ኣሎ ማለት’ዩ።

Asylprocess – መስርሕ-ዑቕባ ማለት፡ ኵሎም’ቶም ናይ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ - ካብ ምልክታ ምቕራብ ጀሚርካ ክሳብ ውሳነ ምቕባል ዘሎዉ ምምሕዳራዊ ከይዲ እዮም።

Asylsökande – ዑቕባ-ሓታቲ ማለት፡ እቲ ናብ ሃገር ሽወደን መጺኡ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከተን፥ ገና ናይቲ ምልክትኡ ውዱእ መልሲ ዘይረኸበን ሰብ እዩ።

Asylutredning – መርመራ-ዑቕባ ማለት፡ እቲ ንስኻ ኣብ ቃለ-ምልልስ፥ ንምንታይ ናብ ሽወደን መጺእካ ዑቕባ ክትረክብ ትደሊ ከምዘሎኻ እትህቦ ቃል’ዩ።

Avslag på asylansökan – ዝሓተትካዮ ዑቕባ ተነጺጉ ማለት፥ እቲ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተዎ ምልክታ፥ ኣይፋል ዚብል መልሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት’ዩ።

Barn – ቆልዑ ዝበሃሉ፡ ኵሎም ’ቶም ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ሰባት’ዮም።

Beslut i ett asylärende – ውሳነ ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ማለት፡ እቲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ዑቕባ ሓታቲ፡ ኣብ ሽወደን ንኽጸንሕ ወይ ንኸይጸንሕ ዚህቦ ውሳነ እዩ።

Dagersättning – መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ ማለት፡ እቲ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ገንዘብ ምስ ዘይህልዎ፥ ምልክታ ኣቕሪቡ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኪረኽቦ ዚኽእል ናይ ገንዘብ ሓገዝ’ዩ።

Dom – ፍርዲ ንመብዛሕትኦም ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ጉዳያት፥ ናብ ቤትፍርዲ ይግባይ ኪበሃለሎም ይክኣል እዩ። ሓደ ቤትፍርዲ ውሳነ ምስ ሃበ፥ ንሱ ፍርዲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

Flykting – ስደተኛ ዝበሃል፥ እቲ ሓደ ሰብ ዑቕባ ሓቲቱ፥ ብደረጃ ስደተኛ ዑቕባ ንኺረክብ ውሳነ ዝተዋህቦ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቶም ኣብ ስምምዕ-ሕቡራት መንግስታት፥ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ውን፥ “ዋዕላ ጀነቭ” ውን ከም ዚበሃል፥ ነቶም ኣብኡ ሰፊሮም ዘሎዉ፡ ንመሰል ስደተኛታት ዝቐረቡ ጠለባት ዘማልአ ማለት’ዩ። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ 3 ዓመታት መንበሪ-ፍቓድ’ዩ ዚወሃበካ።

God man – “ብዓል-ሕድሪ” ማለት፡ ንሓደ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ፡ ኣብቲ ወለዱ ዘየለዉሉ ጊዜ፥ ነቲ ናቱ ረብሓታት ዚቋመተሉ ሰብ’ዩ። እቲ ብዓል-ሕድሪ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ውን ክትከውን ትኽእል እያ።

Identitet – መንነት ማለት፡ ናይ ሓደ ሰብ እንታውነት ማለት’ዩ። ”ሚግራኦንስቨርከት” ናትካ መንነት ኪሓትት ከሎ፥ ስምካ መን ምዃኑ፡ ዕድሜኻ ክንደይ ምዃኑ፡ መበቆልኻ ካበይ ምዃኑን ማለቱ እዩ።

Laga kraft – ዝጸንዐ ውሳነ ማለት፡ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ካብኡ ንንዮ ይግባይ ክትብለሉ ኣይክኣልን ማለት’ዩ።

Migrationsverket – ”ሚግራሽፕንስቨርከት” ዚበሃል፡- እቲ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ጉዳያት መርሚሩ ውሳነ ዚህብ ቤትስልጣን እዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ብተወሳኺ፡ ናይቶም ጊዚያዊ ምብጻሕ ንምግባር ወይ ናብ ሽወደን ንምግዓዝ ዚቐርቡ ምልክታታት፥ ወይ ውን ዜግነት ሽወደን ንምቕባል ዘመልክቱ ሰባት ሰባት ጉዳያት መርሚሩ ዚውስን ቤትስልጣን እዩ።

Myndigheter – ኣብያተስልጣን፡ እቲ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ብመሰረት’ቶም ባይቶ ሽወደን ዝወሰዶም ውሳኔታትን ሕጊታትን ከም ዚመሓደር ዚገብር መንግስታዊ መዋቕር እዩ።

Offentligt biträde – ሕጋዊ ጠበቓ ማለት፡ እቲ ሕጊታት ሽወደን ዚፈልጥ ሰብ ማለት’ዩ። እቲ ጠበቓ’ቲ፡ ንናይ ዑቕባኻ ምልክታ ንኽተእቱ ዚሕግዘካ እዩ። እቲ ዚውክለካ ሕጋዊ ጠበቓ፡ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ሰራሕተኛ ኣይኮነን።

Socialtjänsten – ቤትልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት፡- እዚ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኮሙን ዚርከብ ቤትስልጣን እዩ። እዚ ቤትስልጣን’ዚ፥ ብመሰረት እቲ ”ሕጊ ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänstlagen) ዚበሃል ሕጊ ተሞርኲሱ ዚሰርሕ ቤትስልጣን እዩ። እዚ ”ሕጊ ማሕበራዊ ጉዳያ’ዚ”፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ ኮሙን ናይ ዚነብሩ ሰባት ዚህልዎም መሰላትን ሓልዮትን ዚምልከት’ዩ። ኣብቲ ሕጊ’ቲ፡ ሓደ ብኻልእ መገዲ ሓገዝ ኪረክብ ዘይክእል ሰብ፥ ሕብረተሰብ ብኸመይ ሓገዝ ኪገብረሉ ከምዚኽእል፡ ኣብኡ መምርሒ ሰፊሩ ይርከብ።

Tystnadsplikt – ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ማለት፡- ንኣብነት ከም ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝኣመሰለ ቤትስልጣን ዚሰርሑ ሰባት፥ እቲ ንስኻ ዝበልካዮ ነገር፡ ኪፈልጦ መሰል ንዘይብሉ ካልእ ሰብ ንኸይንገሩ ፍቓድ ዚኸልእ ሕጊ እዩ።

Uppehållstillstånd – መንበሪ-ፍቓድ ማለት፡ እቲ ሰብ’ቲ ነቲ ዘቕረቦ ምልክታ፡ ኣብ ሽወደን ንኽቕመጥ እወ ዚብል ውሳነ ረኺቡ ኣሎ ማለት’ዩ።

Överklaga – ይግባይ ምባል ማለት፡- ሓደ ሰብ ነቲ ብቤትስልጣን ወይ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ውሳነ ከም ዘይተሰማምዓሉ፥ ብጽሑፍ ጌሩ ናብቲ ቤትስልጣን’ቲ ወይ ቤት ፍርዲ’ቲ ዘቕርቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን’ዩ። እቲ ሰብ’ቲ፡ ነቲ ብቤትስልጣን ወይ ብቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ዳግም ተራእዩ ንኪቕየረሉ ዘሎዎ ድሌት ንምግላጽ እዩ።

Last updated: